ማሕበራት ንዓኻ ስንክልና ዘለካ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 18 12 2024
ኣብዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ስንክልና ንዘለዎም ዝጥርንፉ ማሕበራት ክትረክብ ትኽእል።
ኣውቲዝም ኣብ ሽወደን
ኣውቲዝም ስቫርየ (Autism Sverige) ነቶም ኣውቲዝም ዘለዎም ሰባት ናብርኦም ንኽመሃየሽ ይሰርሕ።
ተሳትፎ ተግባራዊ ዓቕሚ ናጽነት ምንቅስቓስ (ደሆኣር) (Delaktighet Handlingskraft Rörelsefrihet (DHR))
ደሆኣር (DHR)፡ ዝተዳኸመ ዓቕሚ ምንቅስቓስ ናይ ዘለዎም ሰባት ማሕበር እዩ።
ስንኩላን ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም (DRW)
ስንኩላን ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም (DRW)፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ሓደሽቲ መጻእቲ ዝኾኑ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝኸውን ፕሮጀክት እዩ። ስንኩላን ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም (DRW) ብኢንስቲትዩት ናጻ መነባብሮ (ILI) እዩ ዝካየድ።
ኤፍ.ኡ.በ. (FUB)
ኤፍ.ኡ.በ. ስንክልና ዓቕሚ ኣእምሮ ዘለዎም ቈልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ጽቡቕ ህይወት ክነብሩ ንኽኽእሉ ይሰርሕ።
ማሕበር መሰላት ስንኩላን ሽወደን (Funktionsrätt Sverige)
ማሕበር መሰላት ስንኩላን ሽወደን ሓደ ኣወሃሃዲ ማሕበር ኮይኑ፡ ብብዙሓት ሃገራውያን ማሕበራት መሰላት ስንኩላን ዝቖመ እዩ።
ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (HRF)
ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን (HRF)፡ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ማሕበር እዩ።
ኔውሮ (Neuro)
ኔውሮ ምስ ነጸርታ ዝተገበረሉ ወይ ምልክታት ዘለዎ ሕማም መትኒ ንዝነብሩ ሰባት ዝሕግዝ ሻረኛ ዘይኮነ ማሕበር እዩ።
ማሕበር ቅርጥማት ዘለዎም ሰባት
ማሕበር ቅርጥማት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ሕማማት ቅርጥማት ፍልጠት ይእክብን ይዝርግሕን።
ማሕበር ዳውን ሽወደን
ማሕበር ዳውን ሽወደን ብዛዕባ ዳውናዊ ኣበር ኣፍልጦ ንምዕባይን ነቶም ዳውናዊ ኣበር ዘለዎም ሰባት ናብርኦም ንምምሕያሽን ይሰርሕ።
ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን (Synskadades Riksförbund)
ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን፡ ሓደ መኽሰብ ዘይድልብ ናይ ሓባር ዝንባለ ብዘለዎም ዓይነ-ስዉራን ዝቕመን ንዓይነ-ስዉራን ዝሰርሕንን ማሕበር እዩ።