መምርሒ ንዓኻ ሓደ ናይ ወጻኢ ትምህርቲ ዘሎካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 2 2024

ኣብቲ መምርሒ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ'ለካ ኾይኑ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ከተንብብ ትኽእል።

ነዓኻ ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዘሎካ እንታይ ይምልከተካ?

ናይቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርትኻ ሓደ ግምገማ ረኺብካ እንተ ዄንካ፡ ስራሕ ክትደሊ፡ ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ወይ መማልእቲ ትምህርቲ ከተመልክት ከሎኻ፡ ንዓኻ፡ ነቲ ውሃብ ስራሕን ነቶም ትምህርቲ ዘዳልዉን የቃልለኩም እዩ።

እቲ ምስክር ወረቓቕቲ፡ ብሽወደንኛ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ስጳንኛ ወይ ጀርመንኛ ወይ ገለ ካብቶም ናይ ስካንዲነቭያ ቋንቋታት እንተዘይኮይኑ፡ ክትርጐም የድልዮ እዩ።

ዋላ ናይ ኵሉ ወይ ከፊል ድሕረ ካልኣይ ደርጃ ትምህርትኻ ሰነድ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ናብ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ምናልባት ኣብ ክንዲ ሓደ ርእይቶ ናይ ትምህርትኻ፡ ሓደ መግለጺ ናይ ትምህርትኻ ድሕረ-ባይታ ክወሃበካ ይኽእል ይኸውን።

እቲ መግለጺ ስራሕ ወይ ቀጻሊ ትምህርቲ ክትደሊ ከሎኻ ከም መሰረት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ዘለኩም ዲፕሎማታት ወይ ምስክር ወረቓቕቲ ካብ ስዊድንኛ ወጻኢ ብዝኾነ ቛንቋ፡ ብሓደ ካብ ቛንቋታት ካልኦት ሃገራት ስካንድነቭያ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ጀርመርንኛ፡ ፈረንሳይንኛ ወይ ስጳንኛ ዝተዳለወ እንተዘይኮይኑ ከተተርጉምዎ የድልየኩም እዩ።

እዚ ድማ ኣስራሒ፡ እቲ ዘለኩም ብቕዓት ምስቲ እተመልክትዎ ዘለኹም ዓይነት ስራሕ ዚሰማማዕ እንተኾይኑ ክፈልጥ መታን ክኽእል እዩ። ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንኽትምሃሩ ንምምልካት ወይ ተወሳኺ ትምህርታት ንኽትወስዱ ንምምልካት ከገልግል ይኽእል እዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎታት ሽቕለት ዝተመዝገብኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ ምትርጓም ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ዝተመዝገብኩም እንተዘይኴንኩም፡ ንዝተመስከረሉ ተርጓሚ ባዕልኹም ክትረኽቡ ከድልየኩም እዩ።

ከመይ ዝበለ ዓይነት ትምህርቲ ኣለኩም?

እቲ ገምጋም ኽግበረሉ ዘድልዩ ብቕዓትኩም ብዚምልከት ንመን በዓል-መዚ ከምእትውከሱ፡ ኣብቲ ዘዳእክሙዎ ዓይነት ትምህርቲ ዚምርኮስ እዩ።

ናይ EU/EES ሃገር ዜግነት ዘለካ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘመልከትካ ናይ ትምህርቲ ሰነዳትካ ብቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕላዋይ ትምህርትን ክግምገሙልካ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓታቲ ዑቕባ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወድአ ትምህርቲ ዪኒቨርሲቲ ብቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕላዋይ ትምህርትን ከምዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ዲግሪ ስዊድን ምስቲ ዘለካ ትምህርታዊ ብቕዓት ከምዝሰማማዕ ብሓጺሩ ዚገልጽ ጸብጻብ ክውሃበካ እዩ።

ኣብ ሽወደን ክትውድኦ ትደሊ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሓደ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ጀሚርካ ኔርካ እንተ ዄንካ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ክሕሰበልካ ይኽእል እዩ። እቲ ትምህርቲ ይሕሰበልካ ማለት፡ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ምምሃር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

እቶም ምልክታ ተእትወሎም ዘሎኻ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ እዮም ኣየኖት ክፋላት ናይቲ ዝቐደመ ትምህርትካ ክሕሰበልካ ከም ዝኽእል ዝውስኑ። ከምኡ'ውን ንሶም ናብቲ ትምህርቲ ከተመልክት ብቕዓት ዘሎካ እንተ ኾይኑ ይውስኑ።

ሓባሪ መምርሒ ንኽትረኽቡ፡ ነቲ ዘገድሰኩም ትምህርቲ ዚህብ ቤት ትምህርቲ ተወከሱ።

ቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕለዋይ ትምህርትን ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ገምጋም ይገብር።

ናይ EU/EES ሃገር ዜግነት ዘለካ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘመልከትካ ናይ ትምህርቲ ሰነዳትካ ብቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕላዋይ ትምህርትን ክግምገሙልካ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓታቲ ዑቕባ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

እቲ ግምገማ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ስራሕ ትደሊ ሓደ ደገፍ እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ግምገማ ኣብ ሽወደን ትምህርትኻ ክትቅጽል መደብ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ደገፍ ክኾነካ ይኽእል እዩ።

ናብ ዝልዓለ ትምህርቲ ንኸተመልክት ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ ግምገማ ክህልውካ ጠለብ ኣይኮነን። እቲ ትምህርትካ ኣብታ ተመልክተ ዘሎኻ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ምስ ምልክትኻ ተተሓሒዙ ክግምገመልካ እውን ይኽእል እዩ።

ናይ EU/EES ሃገር ዜግነት ዘለካ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘመልከትካ ናይ ትምህርቲ ሰነዳትካ ብቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕላዋይ ትምህርትን ክግምገሙልካ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓታቲ ዑቕባ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወድአ ትምህርቲ ዪኒቨርሲቲ ብቤት ምኽሪ ዩኒቨርሲቲን ላዕላዋይ ትምህርትን ከምዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ዲግሪ ስዊድን ምስቲ ዘለካ ትምህርታዊ ብቕዓት ከምዝሰማማዕ ብሓጺሩ ዚገልጽ ጸብጻብ ክውሃበካ እዩ።

ኣብ ሽወደን ቍጽጽር ዝግበረሎም ሓደ ሓደ ሞያታት ኣሎዉ። እዚ፡ በቲ ሞያ ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝጥለብ ኣብ ናይ ሽወደን ሕጊ ተነጺሩ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሞያ ክትሰርሕ ንኽትክእል ካብ ነቲ ሞያ ዝምልከቶ ብዓል መዚ ወረቐት ምስክር ንኽወሃበካ ናይ ግድን ከተመልክት ኣሎካ።