ክኢላታት ቁጠባን ኣማሓደርትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

​ክኢላ ስነ-ቁጠባን ምሩቕ ስነ-ቁጠባን ዝብል ቃላት፡ ኣብ ስዊድን ክትትል ኣይግበረሉን እዩ። ክኢላ ስነ-ቁጠባ፡ ከም ልሙድ ናይ ሰለስተ ዓመት ፕሮግራም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮሌጅ ድሕሪ ምውዳእ፡ ባችለር ዲግሪ ዝረኽበሉ መገዲ እዩ። ምሩቕ ስነ-ቁጠባ ድማ ኣርባዕተ ዓመት ተማሂሩ ዝወደኤ እዩ። ድሒሩ ኦዱተር ንኽኸውን ድማ ብመሰረት ንዕኡ ዝተዳለወ ፍሉይ መምርሒታት ዘማልኦ ነገራት ኣለዎ፣ ንሱ ድማ ናይ ሰለስተ ዓመታት ብቑዕ ሞያዊ ስራሕን ንፈተና ኦዲተር ዝሓለፈን ኪውን ኣለዎ።

ተወሳኺ ትምህርቲ

እቲ ዘለኩም ብቕዓት፡ ገምጋም ተጌሩሉ ምስክር ኣብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ብቐጥታ ኣብ ዕዳጋ ዕዮ ክትኣትዉ ወይ ስራሕ ንኽትረኽቡ ዘለኩም ተኽእሎ ንኸተዕብዩ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

መመላእታ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ይዳለው። ንናይ ትምህርቲ ቁጠባዊ ደገፍ የብቅዑን 1-2 ዓመት እዩ ዝወስድ።