ሞያታት ጥዕናን ሕክምናዊ ክንክንን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 25 9 2023

ኣብዚ ኣብ ሞያ ኣገልግሎት ጥዕና ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሞያታት ጥዕናን ሕክምናዊ ክንክንን፡ ክትትል ዚገብረሉ ዓይነት ሞያታት እዩ። እዚ ድማ እቶም ካብ ወጻኢ ሃገር ዲግሪ/ዲፕሎማ ዝረኸቡ ዶክተራት፡ ነርሳት ወይ ሓካይም ስኒ ብሞይኦም ከገልግሉ ሽወደናዊ ምስክር ወረቐት ክረኽቡ ኣለዎም። ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ሞያዊ ምስክር ወረቐት ዝህብ በዓል መዚ እዩ።

ካብ ወጻኢ ንዝተረኽበ ዲግሪ ዚግበር ገምጋም

ንስኻ ካብ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮምን ሃገራት ወጻኢ ዝተመሃርካን፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ክትሰርሕ ትደሊን፡ ንሓደ ሓደ ሞያታት ወረቐት ፍቕድ የድልየካ እዩ። እቲ ግምገማ ንብምልኦም 21 ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ናይ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብሽማግለ ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን እዩ ዝግበር። ወረቐት ፍቓድካ ክትረክብ ንኽትክእል፡ ከም ቀዳማይ ስጕምቲ ሽማግለ ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን ነቲ ናትካ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ምምርማር የድልዮም እዩ። እቲ ምምርማር፡ እቲ ትምህርትኻ ምስቲ ናይ ሽወደን ትምህርቲ ደረጃ፡ ንውሓትን ትሕዝቶን ክወዳደር ዝኽእል እንተ ኾይኑ ንምርኣይ እዩ። እቲ ቀጻሊ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ሞያ ዘሎካ ኣፍልጦ ንምርኣይ ሓደ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትገብር እዩ። እንተ ሓሊፍካ፡ ኣብ ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ጥዕና ዘገልግሉ ሕግታትን መምርሒታትን ትምሃረሉ ሓደ ናይ ሽወደን ሕገ-መንግስቲ ኮርስ ክትወስድ ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ሞያ ዘሎካ ኣፍልጦን ዓቕምን ንምርኣይ ዕድል ትረኽበሉ ሓደ ተግባራዊ ስራሕ ክህልወካ እዩ። ሽወደንኛ ምምሃር እውን ከድልየካ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ሽማግለ ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን መርበብ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ተወሳኺ ትምህርቲ

ነዓኻ ናይ ወጻኢ ሃገር ኣካደሚካዊ ትምህርቲ ዘሎካ፣ ተወሳኺ ትህምርቲታት ኣሎ። እቲ ትህምርቲታት ንናይ ይምህርቲ ቁተባዊ ሓገዝ መሰል ይህብ፣ ከምኡ'ውን 1-2 ዓመት ዝወሰድ ኮይኑ ነዓኻ ንሓኪም፣ ናይ ስኒ ሓኪም፣ ነርስ ወይ ናይ መድሃኒት ክኢላን፣ እሎ።​