መምሃራንን ክኢላታት ትምህርትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 2 2024

ሞያ ምምህርና ሓደ ቍጽጽር ዝግበረሉ ሞያ እዩ። ካብ ብዓል መዚ ትምህርቲ ድማ ንናይ መምህር ወረቐት ምስክር ተመልክት። ብዛዕባ መምህር ኴንካ ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝሓትት ኣብዚ ብዝይዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ወጻኢ ንዝተረኽበ ዲፕሎማ ዚግበር ገምጋም

ንናይ መምህር- ወይ ከኣ ናይ መዋእለ ህጻናት መምህር መለለዪ ወረቐት ከተመልክት ክትክእል ምእንቲ ዲግሪ/ዲፕሎማ ምስ መረጋገጺ ወረቐት ከምኡ ውን ቋንቋ ሽወደን ምኽኣልን ክሓተካ እዩ። ብዘይካ ዲግሪ/ዲፕሎማ ንናይ ሞያ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ከተመልክት እውን ይከኣል እዩ። ቅድሚ ምምልካትካ ኩሎም ሰነድታክ ብግቡእ ክትቅርቦም ኣገዳሲ እዩ። ሰነዳት ብኦሪጂናል ቋንቋ ኮይኖም ብቋንቋ ሽወደን ወይ እንግሊዘኛ ዝተተርጎሙ ክኾኑ ይግባእ። ንናይ ሞያ ምስክር ወረቐት ብናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ንምምልካት ቅጥዕታት ብምምላእን ናይ ምምህርና ዲግሪ/ዲፕሎማ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ብምትሕሓዝን ነቲ ተመልክቶ ዘለኻ ተወሳኺ መረጋገጽን ብምቕራብ ይኸውን።

ናይ ምምህርና ምስክር ወረቐት ዝህብን ጠለባት ብቕዓት ምምህርናን ዝግምግምን፡ ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ እዩ። ንኽትምዝገቡ፡ ኣብቲ ሞያ ንኽትሰርሑ ዘፍቅደልኩም ጠለባት ብቕዓት ዚገልጽ ዲፕሎማ ክህልወኩም የድሊ። ኣብ ናይ ወጻኢ ቤት ትምህርቲ ወይ ከኣ ኣብ ሽወደን ከም መምህር ምስራሕ ኣብ ገለ እዋናት ነቲ ናይ ሽወደንን ናይ ወጻኢ ሃገር ዲግሪ/ዲፕሎማ ዘሎ ፍልልይ ክትክ ኦ ይኽእል እዩ።​

ተወሳኺ ትምህርቲ

ናይ ወጻኢ ሃገር ናይ ምምህርና ዲግሪ/ዲፕሎማ ዘለካ ተወሳኺ ትምህርቲ ብምውሳድ ብቑዕ ኮንካ ኣብ ሽወደን ንኽትምህር ዕድላት ኣለዉ።

ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትኹምን ሞያዊ ተሞክሮኹምን ዚምርኮስ ንውሓቱ ይፈላለ እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ሽድሽተ እንስቲትዩት ትምህርቲ ይካየድ፥ ዩኒቨርሲቲ ጐተንበርግ፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ዩኒቨርሲቲ Linköpings፡ ዩኒቨርሲቲ Malmö፡ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም፡ ዩኒቨርሲቲ Umeå ከምኡውን ዩኒቨርሲቲ Örebro ኮይነን፡ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ድማ ብሃገር ደረጃ ንኸወሃህድ ሓላፍነት ወሲዱ ይርከብ።

ንዓኻ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ ዝኾንካ፡ ንመምህርን መምህር መውዓሊ ህጻናትን ሓደ ቅልጡፍ መስመር ኣሎ። እዚኣቶም ቅልጡፋት መስመር (Snabbspår) ኣብ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓይነት ትካል ትምህርቲ ይርከቡ። ብዛዕባ እቲ ቅልጡፍ መስመር (snabbsprår) ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ ወይ ነቲ ናትካ መራኸቢ ስራሕ ንተወሳኺ ሓበሬታ ሕተቶ።

ሓያሎ ዩኒቨርሲታት፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገር መምዘኒ ብቕዓት ምምህርና ንዝረኸቡ ሰባት፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ይህባ እየን።