ክኢላታት ማሕበራውን ባህርያውን ስነ-ፍልጠት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

ክኢላታት ማሕበራውን ባህርያውን ስነ-ፍልጠት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ንክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ፍወሳ ስነ-ኣእምሮን እንተዘይኮይኑ፡ ክትትል ዝግበረሎም ሞያተኛታት ኣይኮኑን፣ ኣብ ትሕቲ ሞያ ጥዕናን ሕክምናዊ ክንክንን ዚብል ሓበሬታ ብዝያዳ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ትምህርቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ

ቅልጡፍ መስመር ንናይ ማሕበራዊ ስራሕ ዲግሪ ዘለዎም ሓደሽቲ መጻእቲ፣ ሓደ ጸዓት ነዓኻ ሓዲሽ መጻእን ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ምዝጉብ ዝኾንካን እዩ። ቅልጡፍ መስመር ብቐዳምነት ንዓኻ ወጻኢ ካብ ኤውሮጳዊ ኮም/ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ምትሕብባርን እትመጽእን፣ እብ ዝሓለፋ 36 ኣዋርሕ እንተወሓደ ሓደ ናይ ማሕበራዊ ስራሕ መስመር ናይ ሕጹይ ክኢላ ዲግሪ ሒዝካ ዝምመጻእካን እዩ። ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተወሓደ ሓደ ናይ ማሕበራዊ ስራሕ ናይ ካንዲደይት ዲፕሎም ዘለዎም ሰብ እውን ክምልከቶም ይኽእል።

እቲ ትምህርቲ ብመቀራረቢ ክፋል ኣብኡ ኣካደሚካዊ ሽወደን እትመሃረሉን ሓደ ዕይነት ልምምድ እትገብረሉን፣ እዚ ማለት ኣብ ጎድኒ ሓደ ናይ ማህበራዊ ሰራሕተኛ ትኸይድ ማለት እዩ። ስዒቡ 26 ሰሙናት ሰለስተ ናይ ኣካደሚካዊ 30 ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ነጥብታት ዝመጣጠን ትመሃር። እዘን ትምህርቲታት እዚአን ከም መመላእታ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲግሪኻ ይረኣያ። ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ርክብ ግበር።

ቅልጡፍ መስመር ንፈላጥ ህብረተሰብ ብዝወሓደ ናይ 3 ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ናብ ናይ ህብረተሰብ ሳይንስ፣ ቁተባ ወይ ስነ-ሕጊ ኣትኵሮ ዘለዎ ትምህርቲ፣ እውን ኣሎ። እቲ ኣሰራርርዓ ናይቲ ትምህርቲ ነቲ ናይ ህብረተሰብኣዊ ይመሳሰል፣ ግን ኣብዚ ቅልቱፍ መስመር እዚ ልምምድ የልቦን። መቀራረቢ ኣካደሚካዊ ሽወደን ትመሃር፣ ስዒቡ 26 ሰሙናት ሰለስተ ናይ ኣካደሚካዊ 30 ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ነጥብታት ዝመጣጠን ትመሃር። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ን4-6 ኣዋርሕ ልምምድ ትገብር። ዕላማ ቅልጡፍ መስመር ኣብ ሓደ ዓቢ ትካል መንግስቲ፣ ብሕልፊ ፍልጠት ቋንቋታት ካብ አውሪሮጳዊ ኮም/ቁጠባዊ ምትሕብባር አውሮጳ ዘለዎም ዘድልዩዎም፣ ከም በዓል መዚ ኮይንካ ንኽትሰርሕ እዩ።

ተወሳኺ ትምህርቲ

ዘለኩም ብቕዓት ገምጋም ምስዝግበረሉን ሓቅነቱ ምስዝረጋገጽን፡ ብቐጥታ ኣብ ዕዳጋ ዕዮ ክትኣትዉ ወይ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልኩም ንኽዓቢ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

መመላእታ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ይዳለው። ንናይ ትምህርቲ ቁጠባዊ ደገፍ የብቅዑን 1-2 ዓመት እዩ ዝወስድ።

ስሩዕ ትምህርቲ

ናይ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲ ንናይ ወጻኢ ሃገር ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ ንኣርባዕተ ክፍለ-ትምህርት (ሰሚስተር) ዝከይድ ናይ መመላእታ ትምህርቲ ዕድል ይህብ እዩ።