መሰላትን ግቡኣትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 5 2023

ኵሎም ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎዎም። በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ ወነንቲ መሰላት እዮም። መንግስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ሓላፍነት ኣሎዎ። ስለዚ መንግስቲ ተሰካሚ ሓላፍነት ናይቶም ሰብኣዊ መሰላት እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ግዴታ ናይ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን።

ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰብኣዊ ፍጡራት ሓላፍነት ኣሎዎ። እዚ ብተግባር፡ ሓደ ሰብ ጨሪሹ ነቲ ናቱ ሰብኣዊ መሰላት ንናይ ካልኦት ሰባት መሰላት ብዝግህስ ኣገባብ ክጥቀመሉ የብሉን ማለት እዩ። እዚ ንኣብነት ንናጽናት ዘረባ ይምልከት። ኵሎም ሰባት ርእይትኦም ንኽገልጹ መሰል ኣሎዎም። ኾይኑ ግን ነቲ ናትካ ናጽነት ዘረባ ንናይ ካልኦት ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ንኽትጥሕስ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሽወደን ንኣብነት ምልዕዓል ኣንጻር ሓደ ዓሌታዊ ጕጅለ ዝኽልክል ሕጊ ኣሎ። ምልዕዓል ኣንጻር ዓሌታዊ ጕጅለ፡ ብመሰረት ንኣብነት ሕብሪ ቈርበት፡ ሃይማኖት ወይ ጾታዊ ዝንባሌ/መንነት፡ ምዝርጋሕ፡ ምፍርራሕ ወይ ንዕቀት ምርኣይ ማለት እዩ።

ካልእ ኣብነት ድማ ናጽነት ሃይማኖት እዩ። ኵሎም ሰባት ሃይማኖት ወይ እምነት ንኽህልዎም መሰል ኣለዎም። ይኹን’ምበር እቲ ናጽነት ንኻልኦት መሰረታውያን ናጽነታትን መሰላትን ብዝግህስ ኣገባብ ክትግበር ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህልኻ ንምዝውታር እውን እዩ ዝምልከት። ሓደ ናይዚ ኣብነት፡ ኵሉ ዓይነት ምኽንሻብ ብልዕቲ ኣዋልድን ኣንስትን ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ክልኩል እዩ። ከምኡ’ውን ንኸምዚ ዓይነት ጐዳኢ ባህሊ ምውጣንን ከም ዝተወጠነ ኣፍልጦ ምህላውን እውን የቕጽዕ እዩ።

ካልኦት ኣብ ሽወደን ግዴታ ዘካትቱ ኣብነታት ናይ መሰላት፡ ንኣብነት እቲ ንዅሎም ሰባት ኣብ ተፈጥሮ ንኽጸንሑ መሰል ዝህብ መሰል ኵሉ ሰብ እዩ። ከምኡ ክንሱ ግዳ ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ዝጽንሓሉ እዋን ንተፈጥሮን ህያዋን መሮርን ሓልዮት ምርኣይ ናይ ኵሉ ሰብ ግዴታ እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ሽወደን ምስ መሰል ናይ መንበሪ ዝተተሓሓዙ ግዴታታት (ግዴታታት ከም ተኻራዪ)፡ መሰል ንስራሕ (ግዴታታት ከም ሰራሕተኛ)፡ ከምኡ'ውን መሰል ንማሕበራዊ ውሕስነትን ዘዕግብ ደረጃ መነባብሮን ማለት፡ ንኣብነት ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት (ግዴታታት ምስ ቍጠባዊ ሓገዝ ዝተተሓሓዙ) ኣሎዉ።