ናይ ቆልዓ መሰላት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 3 2023

ውዕል መሰላት ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ወይ - ከምቲ ብኻልእ ስም ዚጽውዖ - ውዕል ቆልዑ፡ ኣብ 1989 ከምዝርዕም ተገይሩ። እዚ ውዕል መሰላት ቆልዑ፡ ነፍስወከፍ ቆልዓ ክህልዎ ዝግባእ መሰላት የጠቓልል፣ ነቶም ኣብዛ ሃገር ዝቕመጡ ዘለዉ ወይ ንምብጻሕ ዝመጹ ዕድሚኦም ክሳዕ 18 ዓመት ዝገበሩ ቆልዑ ዚምልከት እዩ። ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ፡ ቆልዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን፡ ከም ቆልዑ ተጠቒሶም ኣለዉ።

መሰላት፡ ዓንቀጻት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ እተፈላለየ ሕጥቦ-ጽሑፋት ተዘርዚሩ ኣሎ። ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ 54 ዓንቀጻት ኣለዉ፣ እቶም 41 ካብኣቶም ድማ ብዛዕባ መሰላት ይዛረቡ። እቲ ዝተረፈ ዓንቀጻት፡ ሃገራት ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ኽገብራኦ ብዛዕባ ዘለወን ይዛረብ።

ዓንቀጻት 2፡ 3፡ 6ን 12ን፡ እቲ ቀንዲ መትከላት ውዕል መሰላት ቆልዑ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኻልእ ዓንቀጻት ኣብ ምርዳእ ድማ ይሕግዘኩም። ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ዘሎ ኲሉ ዓንቀጻት ድማ ብሓደ ዚኸይድ እዩ።

መሰል ንኣሽቱን መንእሰያትን ዝጣበቕ መንግስታዊ ትካል ንኽትርድኦ ብቕልል ዝበለ መገዲ ጽሑፍ ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ብቕልል ዝበለ መገዲ ክትርእዮ ምእንቲ ኣብ 10 ከባቢታት ዝተኸፋፈለ እዩ።

12. ንዓኹም ኣብ ዝጸሉ ኲሉ ጉዳያት ርእይቶኹም ንኽትህቡ መሰል ኣለኩም። ዓበይቲ ድማ ንዓኹም ክሰምዕኹም ንርእይቶታትኩም ኣብ ግምት ከእትዉን ኣለዎም። በዓል-ስልጣን መንግስቲ ወይ ቤት ፍርዲ፡ ንዓኹም ኣብ ዝጸሉ ጉዳይ ትእዛዝ ወይ ውሳኔ ኣብ ዝህበሉ እዋን፡ ንእትብልዎ ኽትስምዑ ኽትክእሉ ኣለኩም።

13. ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣለኩም። እዚ ድማ ሓበሬታን ርእይቶን ንኽትሓቱ፡ ኽትቅበሉን ንኻልእ ንኽትህቡን መሰል ኣለኩም ማለት እዩ።

14. ከምዝደለኽሙዎ ኽትሓስቡን ዝደለኽሙዎ ንኽትውስኑን መሰል ኣለኩም። ንእትደልይዎ እምነት ንኽትክተሉን እትደልይዎ ዝኾነ ሃይማኖት ንኽትስዕቡን መሰል ኣለኩም። ወለድኹም፡ ሓባሪ መምርሒታት ክህብኹም ይኽእሉ እኳ እንተኾነ፡ ንስኹም ንእትሓስብዎ ግን ብፍጹም ክውስንልኩም ኣይክእሉን እዮም።

15. ኣባል ኮማዊ ውድብ ንኽትኮኑ ወይ ካብ ኮማዊ ውድባት ድማ ንኽትወጹ ንኽትውስኑ መሰል ኣለኩም። ሰላማዊ ክሳዕ ዝኾነ ድማ ኣብ ዝኾነ ኣኼባታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።

7. ስም ክህልወኩምን ናይ ዝኾነ ሃገር ዜግነት ክህልወኩምን መሰል ኣለኩም። እንተተኻኢሉ ድማ ወለድኹም በዓል ምዃኖም ንኽትፈልጡን ኣብ ትሕቲኦም ንኽትእለዩን መሰል ኣለኩም።

8. መንነት ንኽህልወኩም መሰል ኣለኩም። መንነትኩም፡ ኣብ ሃገርኩም ንዘለኩም ዜግነት፡ ስምኩምን ምስ ስድራኹም ንዘሎ ርክባትን ዜጠቓልል እዩ። መንነትኩም እተሓደግኩም እንተዄንኩም፡ ንዕኡ ንምምላስ ሓገዝ ንኽትቕበሉ ኽትሓቱ ኣለኩም።

17. ኣብ ሃገርኩም ከምኡውን ኣብ ዓለም እንታይ ይኸውን ከምዘሎ፡ ብእትርድእዎ ንኣብነት ብመገዲ ጋዜጣታትን ተለቪዥንን ኽትፈልጡ መሰል ኣለኩም። እቲ እትረኽብዎ ሓበሬታ፡ ንኽትዓብዩን ጥዕና ዚመልኦ ህይወት ንኽትነብሩን ክሕግዘኩም ይግባእ።

5. ወለድኹም፡ ናትኩም ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ውዕል መሰላት ቆልዑ ዝሃበኩም መሰል ንኽትረኽቡ ገለ ነገር ኣብ እትገብርሉ እዋን ምኽርን ሓባሪ መምርሕን ክህብኹም ይግባእ።

9. ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉን ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ረብሓ እንተልይዎም እንተዘይኮይኑ ካብ ወለድኹም ዝፈልየኩም ኣካል ክህሉ የብሉን። ንኣብነት፥ ወለድኹም ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ምስዘይገብርልኩም፡ ከምኡ ኺግበር ኣድላዪ ይኸውን። ንዓኹም ጐዳኢ ምስዘይከውን ግን ምስ ክልቲኦም ወለድኹም ንኽትራኸቡ መሰል ኣለኩም።

10. ንስኹምን ወለድኹምን ድሕሪ ምፍልላይ ዳግማይ ክትጽንበሩ እንተደሊኹም፡ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ክትሓቱን ብዝተኻእለ መጠን ድማ ካብታ እትቕመጡላ ዘለኹም ሃገር ሓገዝ ኽትቕበሉን ይግባእ። ወለድኹም፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ይቕመጡ እንተልዮም፡ ንስኹም ድማ ኽትረኽብዎም እንተደሊኹም፡ ካብታ እትቕመጡላ ዘለኹም ሃገር ሓገዝ ክትረኽቡ ይግባእ።

18. ወለድኹም፡ ንዓኹም ኣብ ምእላይን ምዕባይን ሓበራዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ንዓኹም ብዝበለጸ ንዝረብሕ ነገር ኲሉ ግዜ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም። ወለድኹም፡ ደገፍ ዘድልዮም እንተኾይኖም፡ ሕብረተሰብ፡ ንኣብነት፡ ክንክን ጥዕና ወይ ኣገልግሎት መውዓሊ ህጻናት ንኽረኽቡ ደገፍ ኽህቦም ኣለዎ።

20. ምስ ስድራኹም ኽትቕመጡ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም። ንዓኹም ዝጥዕም ኣተሓሕዛ ንኽትተሓዙ መሰል ኣለኩም።

21. እተን ምርዓም ቆልዓ ዘፍቅዳ ሃገራት፡ እቲ ምርዓም ቆልዓ ብትኽክል ይትግበር ከምዘሎን እቶም ዝርዓሙ ቆልዑ ድማ ንዕኦም ምሹው ከምዝኾነን ከረጋግጻ ኣለወን።

2. ውዕል መሰላት ቆልዑ፡ ንዓኹምን ንኻልኦት ኲሎም ቆልዑን ሓደ ዓይነት መሰላትን ማዕረ ክብርን ይህብ። ዝኾነ ሰብ ድማ ኣንጻርኩም ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። እዚ ድማ ዝኾነ ሰብ ንኻልእ ሰብ ካብ ዝህቦ ኣተሓሕዛ ዚኸፍአ ኣተሓሕዛ ኽገብረልኩም ኣይክእልን'ዩ ማለት እዩ። በቲ ወለድኹም ዝኾንዎ ወይ ዝገብርዎ ነገር ድማ ኣድልዎ ክግበረልኩም ወይ መቕጻዕቲ ክበጽሓኩም የብሉን።

23. ዋላ'ውን ስንክልና ይሃልውኩም፡ ጽቡቕ ናብራ ንኽትነብሩ መሰል ኣለኩም። ልክዕ ከምቲ ኻልእ ሰብ ድማ ስምዒት ሓበንን ርእሰ-ምትእምማንን ክስምዓኩም ይግባእ። ኣብ ሕብረተሰብ ብንጥፈት ንኽትሳተፉ ድማ ኽትክእሉ ኣለኩም። ፍሉይ ክንክንን ተወሳኺ ደገፍን ንኽትረኽቡ ድማ መሰል ኣለኩም።

30. መበቆላዊ ውሁዳን ካብ ዝኾኑ ጉጅለ እንተዄንኩም ወይ ካብ ደቀባት እንተዄንኩም፡ ኣብ ጉጀለኹም ምስ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ብሓባር ንእትውንንዎ ቛንቋ፡ ባህልን ሃይማኖትን ብሓባር ንኽትክተሉ መሰል ኣለኩም።

3. ዓበይቲ፡ ንቖልዑ ዝጸሉ ውሳኔታት ኣብ ዝውስንሉ እዋን፡ እቲ ውሳኔታት "ንዝበለጸ ረብሓ ቆልዑ" ከምዝኾነ ከረጋግጹ ኣለዎም። እዚ ድማ ዓበይቲ፡ ንዓኹም ጽቡቕ ኣብ ዝኾነ ነገርን ውሳኔኦም ንዓኹም ብኸመይ ከምዝጸሉን ኲሉ ግዜ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም ማለት እዩ። እቲ ዘድልየኩም ጸግዕን ክንክንን ኽትረኽቡ ይግባእ። ዓበይቲ፡ እቲ ውሳኔኦም ንብዙሓት ቆልዑ ዝጸሉ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባ "ዝበለጸ ረብሓ ቆልዑ" ክሓስቡ ድማ ብማዕረ ኣገዳሲ እዩ።

6. ንኽትነብሩን ንኽትዓብዩን መሰል ኣለኩም። ሃገርኩም ድማ እዚ ነገር'ዚ ከተተግብር መታን ኽትክእል፡ እትኽእሎ ኲሉ ነገር ኽትገብር ኣለዋ።

22. ስደተኛ ኴንኩም ብገዛእ ርእስኹም ወይ ምስ ካልእ ሰብ ናብዚ ሃገር ዝመጻእኩም እንተዄንኩም፡ ጸግዕን ሓገዝን ኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም። ምስ ስድራኹም ንኽትጽንበሩ ሓገዝ ኽትቕበሉ ድማ ኣለኩም።

24. ብዝተኻእለ መጠን ጥዕና ንኽትረኽቡ መሰልኩም እዩ። ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን ድማ ጥዕና ንኽትረኽቡ፡ ክንክን ጥዕና ኽትረኽቡን ምውስዋስ ኣካላት ኽትገብሩን መሰል ኣለኩም። ንዓኹም ጉዳኢ ኪኸውን ካብ ዝኽእል ባህላዊ ልምድታት ድማ ክትሕለዉ መሰል ኣለኩም።

25. ክንክን ወይ ሓለዋ ኣብ ዝግበረልኩም እዋን፡ እቲ ኣባኹም ዝግበር ነገር ቅኑዕ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ዝግበረልኩም ኣተሓሕዛ መርመራ ንኽግበረሉ መሰል ኣለኩም።

26. ማሕበራዊ ውሕስነት ንኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ሕብረተሰብ፡ መንበሪ ገዛ፡ ምግብን ክዳውንትን ንኽትረኽቡ ክሕግዝ ኣለዎ።

27. ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ መንፈሳዊ፡ ሞራላውን ማሕበራውን ዕብየት ንኸተምጽኡ ዕድል ዝህበኩም ዓይነት ናብራ ንኽትነብሩ መሰል ኣለኩም። ወለድኹም፡ ነዚ ንኽትረኽቡ ቀንዲ ሓላፍነት ይወስዱ፣ ሓገዝ ኣብ ዝደለይውሉ እዋን ድማ ነቲ ክረኽቡ ይግባእ።

39. ዝኾነ ዓይነት ዕሽሽታ፡ ምዝመዛ ወይ ካልእ ዓመጽ ምስዝረኽበኩም፡ ናብ ንቡር ህይወትኩም ንምምላስ ሓገዝ ናይ ምቕባል መሰል ኣለኩም። እዚ ድማ ስቓይ ወይ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ጭካነ፡ ዘይሰብኣዊ ወይ ውርደት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ እትረኽቡ እንተዄንኩም ወይ ኣብ ውግእ እተሳተፍኩም እንተዄንኩም ዚምልከት እዩ።

11. ብዘይ ፍቓድ ናይ ክልቲኦም ወለድኹም ናብ ካልእ ሃገር ክትውሰዱ ኣይከኣልን እዩ።

16. ኣብ ውልቃዊ ህይወትኩም ካብ ዘጋጥም ዘይሕጋዊ ጣልቃ ክትሕለዉ መሰል ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ እትቕመጥሉ ወይ ንግዚኡ እትጸንሕሉ ቦታታት ዚምልከት እዩ። ንኣብነት፡ ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ፍቓድኩም ንደብዳቤታትኩም ወይ መዘከርኩም ከንብብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባኹም ዚምልከት እተታሕዘ ሓበሬታ ንዚምልከት ኲሉ ካልእ ኲነታት ዜካትት እዩ። ዝኾነ ሰብ፡ ንዘለኩም ክብሪ ወይ ዝና ከበላሹ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሕጊ ድማ ካብዚ ኲሉ ዓይነት ጥሕሰት ጽኑዕ ሓለዋ ኽገብረልኩም ኣለዎ።

19. ካብ ኲሉ ዓይነታት ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ፡ ዕሽሽታ፡ ክፉእ ኣተሓሕዛ፡ መጥቃዕቲ ወይ ካልእ ምዝመዛ ሓለዋ ኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም።

32. ንዓኹም ኪጐድእ ካብ ዝኽእል፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽትከዱ ካብ ዝኽልክለኩም ወይ ብዝኾነ መገዲ ጽቡቕ ንኸይትዓብዩ ካብ ዝገብረኩም ስራሕ ካብ ምስራሕ ሓለዋ ኽግበረልኩም ይግባእ። ብፋይናንሳዊ መዳይ ድማ ምዝመዛ ክበጽሓኩም የብሉን፣ ንኣብነት፥ ሓደ ሰብ ስራሕ ኣስሪሒኩም ምስዘይኸፍለኩም ማለት እዩ።

33. እተን ዝምልከተን ሃገራት፡ ኣብ ዕጸ-ፋርሳትን ካልእ ዓይነት ድራጋትን ንኽሕልዋኹም ሓላፍነተን እዩ። እዘን ሃገራት፡ ኣብ ምምስራሕ ወይ መሸጣ ዕጸ-ፋርስ ከምእትነጥፉ ብምግባር ምዝመዛ ይበጽሓኩም ከምዘየለ ከረጋግጻ ኣለወን።

34. ካብ ኲሉ ዓይነታት ጾታዊ ምዝመዛን ጾታዊ መጥቃዕትን ሓለዋ ንኽ ግበረልኩም መሰል ኣለኩም። ንኣብነት፥ ኣብ ምንዝርናን ጽዩፍ ጾታዊ ርክባትን ብምስታፍ ምዝመዛ ንኸይግበረልኩም ሓለዋ ኽግበረልኩም ኣለዎ።

35. ክትጭወዩ ወይ ክትሽየጡ የብልኩምን። ሃገርኩም ድማ እዚ ነገር'ዚ ንኸየጋጥመኩም ክትሰርሕ ኣለዋ።

36. ንዓኹም ኽጐድእ ካብ ዝኽእል ኩሉ ዓይነታት ምዝመዛ ሓለዋ ንኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም።

37. ስቓይ ወይ ካልእ ዓይነታት ጭካነ ዚመልኦ ኣተሓሕዛ ኽግበረልኩም የብሉን። ናይ ሞት መቕጻዕቲ ወይ ናይ ምሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ክትፍረዱ ድማ የብልኩምን። ኣብ እተኣሰርክሙሉ፡ እተቐየድክሙሉ ወይ ብዘይ ፍቓድኩም ኣብ እተታሕዝክሙሉ እዋን፡ ከምኡ ምግባር ናይ መወዳእታ ምርጫ ኮይኑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ግን ንሓጺር ግዜ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኲሉ እዋን ግን ብኽብረት ክትትሓዙ ኣለኩም፣ ዓበይቲ ኣብ ዘለውዎ ቤት ማእሰርቲ ንኸይትእሰሩ ድማ መሰል ኣለኩም። ኣብ እተኣሰርክሙሉ እዋን፡ ምስ ስድራኹም ርክብ ንኽህልወኩምን ጉዳይኩም ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኽርኤን መሰል ኣለኩም። ብዘይ ፍቓድኩም ኣብ እተተሓዝክሙሉ እዋን ድማ እቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ዘሎ መሰላትኩም ክህሎ ኣለዎ።

38. ዕድሜኹም ትሕቲ 15 ዓመት እንተኾይኑ፡ ኣብ ውግእ ንኸይትኣትዉ ሓለዋ ኽግበረልኩም ኣለዎ። ብውግእ እተጸለኹም እንተዄንኩም ድማ እቲ ዘድልየኩም ሓለዋን ክንክንን ኽትረኽቡ ይግባእ።

40. ገበን ፈጺምኩም ብምባል ጥርጠራ ኣብ እተገብረልኩም እዋን ወይ ገበነኛታት ከምዝኾንኩም ኣብ እተረጋገጸሉ እዋን፡ ብኣኽብሮትን ክብርን ክትትሓዙ ኣለኩም። እቶም ኣብ ግዜ ሕጋዊ መስርሕ እትረኽብዎም ሰበ-ስልጣናትን ትካላትን፡ ንቖልዑ ዝሰማምዑ ክኾኑ ኣለዎም። ካብ ጠበቓኹም ሓገዝ ኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም። ጉዳይኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክርኤ ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ፡ ብዛዕባ እትፈልጥዎ ነገር ንኽትሕብሩ ወይ ብዛዕባ ዘይገብረክሙዎ ነገር ንኽትኣምኑ ጸቕጢ ኽገብረልኩም የብሉን።

28. ትምህርቲ ንኽትረኽቡ መሰል ኣለኩም። ሰዋስው ኣብ እተምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃሩ መሰል ኣለኩም፣ እቲ ትምህርቲ ድማ ብናጻ ኪኸውን ይግባእ።

29. ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ብዂሉ መዳያት ንኽትዓብዩን ኣብ ናጻ ሃገር ሓላፍነት ዘለዎ ዓቢ ሰብ ንእትኾንሉ ህይወት ድማ እተዳለኹም ንኽትኮኑን ከኽእለኩም ይግባእ። ንሰብኣዊ ናጽነታትን መሰላትን፣ ንወለድኹምን ባህልኹምን ከምኡውን ንባህሊ ካልኦት ሰባትን ተፈጥሮን ንኸተኽብሩ ድማ ኽትምሃሩ ይግባእ።

31. ናጻ ግዜን ዕረፍትን ክህልወኩም መሰል ኣለኩም። ኣብ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ንጥፈታት ኽትሳተፉ ድማ መሰል ኣለኩም።

1. ውዕል መሰላት ቆልዑ፡ ነቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ሰባት ዚምልከት እዩ። ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ፡ ኲሎም ዓበይትን ንኣሽቱ መንእሰያትን፡ "ቆልዑ" ኢሉ ይጠቕሶም።

4. ኲለን ሃገራት፡ ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ተዘርዚሩ ንዘሎ መሰላት ንኸተግብራ ዝክኣለን ኲሉ ኽገብራ ኣለወን። እዚ ድማ ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ተዘርዚሩ ንዘሎ ክኽተላ ኲሉ ግዜ ክፍትና ኣለወን ማለት እዩ።

41. ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ሕግታትን መምርሒታትን፡ ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ተዘርዚሩ ካብ ዘሎ ንላዕሊ ወይ ዝሓሸ መሰላት ዚህብ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕግታትን መምርሒታትን ናይ ሃገርኩም ከምዚትግበር ይኸውን።

42. ሃገርኩም፡ ኲሎም ቆልዑን ዓበይትን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቆልዑ ተሓቢሩ ዘሎ ነገራት ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ኽትገብር ሓላፍነታ እዩ።

ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ሽወደን

ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ሽወደን ሕጊ እዩ። ውዕል መሰላት ቈልዑ ሕጊ እዩ ማለት፡ ኣብያተ ፍርድን ካልኦት ኲለን መንግስታውያን ትካላትን ንመሰላት ቈልዑ ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ንመንግስታውያን ትካላት፡ ወሰንቲ ኣካላትን ትካላት ፍትሕን ዝያዳ ተኽእሎታትን ግዴታትን ይህቦም፦

  • ኣብ ስርሖም ነቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ዘሎ መሰላትንኽጥቀምሉ።
  • ንቘልዑ ኣብ ዝምልከቶም ውሳነታት ከም ዝሳተፉ ምግባር።
  • ንቘልዓ ዝበለጸ እንታይ ምዃኑ ኣብ ምምርማርን ኣብ ምግምጋምን ንምቱኳር።

ኣብ ሽወደን ውዕል መሰላት ቈልዑ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕግታት፡ ንኣብነት ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሕጊ ትምህርቲን ሕጊ ስድራ ቤትን የገልግል እዩ።

ብውዕል መሰላት ቈልዑ ከም ሕጊ መጠን፡ ቈልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ዘለዎም ነብሶም ዝኸኣሉ ውልቀ-ሰባት ምዃኖም ንጹር ይኸውን። ስለዚ ንቘልዑ ከም ንብረት ናይ ወለዲ ወይ መጕዚ ዘይኮነስ ከም ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ዘለዎም ነብሶም ዝኸኣሉ ውልቀ-ሰባት ጌርካ ክትርእዮም ኣለካ።

ቈልዑ እንታይ መሰላት ከም ዘለዎም መንግስቲ እውን ቈልዑን ዓበይትን ከም ዝፈልጡ ክገብር ኣለዎ።