ጾታዊ ማዕርነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ጾታዊ ማዕርነት ብዛዕባ ማዕርነት ኣብ መንጎ ጾታ እዩ። እዚ፡ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ዝኾነ መሰላት፡ ዕድላትን ግቡኣትን ክህልዎም ኣሎዎ ማለት እዩ።

እዚ ሕብረተሰብ ማዕርነት ከም ዘይብሉ ዘርእዩ ብዙሓት ኣብነታት ኣሎዉ። ገለ ካብኣቶም ንጹራት ክኾኑ ከለዉ እቶም ካልኦት ንምርኣዮም ብዝያዳ ዘሸግሩ እዮም። ንኽትርእዮም ዝቐለሉ ሓደ ሓደ ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝተሓተ ኣታዊ ኣለወን። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ግዳያት ናይ ጾታዊ ዓመጽ ይኾና። ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሐ ግዜ ቈልዓ ንምእላይ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ እውን ይወስዳ። እዚ፡ ዚበዝሕ ግዜ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝተሓተ ጡረታ ከም ዝህልወን ይገብር።

ልምዲታት ብዛዕባ ጾታ

ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ ንናይ ደቂ ሰባት ሂወት ዝጸሉ ልምድታት ኣሎ። ልምዲታት፡ ትጽቢታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ከመይ ክኾኑ፡ ብኸመይ ክነብሩን ክርኣዩን ከም ዘለዎም፡ ዘሎ ሓሳባትን ዘይተጻሕፈ ሕግታትን እዩ። ልምድታት ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ የድልዩ እዮም። እዚኦም፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ምግቢ ድኳን፡ ኣብ ሪጋ እንታይ ዓይነት ጠባይ ከም ነርኢ ወይ ነንሕድሕድና ሰላም ንበሃሃል ይቈጻጸሩ። ልምድታት ንክትርእዮም ኣጸገምቲ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ሰብ ክጥሕሶም ከሎ ጥራይ ኢዮም ዝፍለጡ።

ልምድታት ንደቂ ሰባይ ገደብ ክገብሩሎምን ኣድልዎ ክፈጥሩን እውን ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ኣንስትን ሰብኡትን ከመይ ክኽደኑ ከም ዘለዎም፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ከም ዘለዎም፡ መን ኩሕሊ ክጥቀምን ክሓዝኑ ከለዉ መን ክበኪ ከም ዝፍቀዶን ልምድታት ኣሎዉ።

ኵሎም ሰባይ ወይ ኣንስቲ ወይ ሰብኡት እዮም ዝብል ልምዲታት ኣሎዉ። ግን ኵሎም ሰባት ነንብሶም ከም ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ኣይፈልጥዋን እዮም። ካብቲ ኣብ ዝተወለድሉ ግዜ ዝተዋህቦም ጾታ ካልእ ጾታ ዝኾኑ ሰባት እውን ኣሎዉ እዮም። ጾታ ብዘየገድስ ኵሎም ሰባት በቲ ናይ ኣንስትን ሰብኡትን ጕጅለ ልምድታት ይጽለዉ እዮም።

ንልምድታት ክትጸልዎምን ክትቅይሮምን ይከኣል እዩ ሽወደን ነቶም ንደቂ ሰባይ ገደብ ዝገብሩሎምን ኣድልዎ ዝፈጥሩን ልምድታት ኣብ ምቕያር ብዝተፈላለየ ኣገባብ ትሰርሕ እያ። ሓደ ኣብነት ናይዚ፡ እቲ ብናይ ሽወደን ባይቶ ዝተወሰን ናይ ጾታዊ ማዕርነት መርሓ እዩ።

ናይ ሽወደን ናይ ጾታዊ ማዕርነት መርሓ

ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት፡ ሽወደን እዚ ሕብረተሰብ ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ንኽህልዎ ትጽዕር እያ። ናይ ሽወደን ባይቶ፡ ሽወደን ሽዱሽተ ሸቶ ዘለዎ ሓደ ናይ ጾታዊ ማዕርነት መርሓ ክህልዋ ወሲኑ እዩ።

  • ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ኣገባብ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ ጽልዋ ከሕድሩ ክኽእሉ ኣሎዎም።
  • ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ዝኾነ ኵነት ገንዘብ ክረኽቡ ክኽእሉ ኣሎዎም።
  • ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብማዕረ ዝኾነ ኵነት ክምሃሩ ክኽእሉ ኣሎዎም።
  • ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንናይ ገዛ ስራሕን ቈልዑ ምሓዝን ብማዕረ ክመራቀሕዎ ኣሎዎም።
  • ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንጽቡቕ ጥዕናን ክንክን ምርካብን፡ ማዕረ ዕድላት ክህልዎም ኣሎዎ።
  • ጐነጽ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ደው ክብል ኣሎዎ።

ጾታዊ ማዕርነትን ኣንስትነትን

ናይ ሰባት ኵነት፡ ብጀኻ ብጾታ፡ ብብዙሓት ካልኦት ረቋሒታት ይጽሎ እዩ። እዚ፡ ኵለን ኣብ ጕጅለ ደቀንስትዮ ዝርከባን ኵሎም ኣብ ጕጅለ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከቡን፡ ሓደ ዓይነት ናይ ሂወት ተመኩሮ ወይ ኵነታት ናብራ የብሎምን ማለት እዩ።

ኣንስትነት፡ ነቲ ኣብዚ ሕብረተሰብ ደቀንስትዮ ብሓፈሻ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ይርከባን ንጾታዊ ማዕርነት ክጽዕር ይደሊን ዝብል ምንቅስቓስ ናይ ሓባር ኣምር እዩ። ብተግባር ጻዕሪ ንጾታዊ ማዕርነት፡ ንኣብነት ነቶም መዳለዊ ሕግታት ምቕያርን ጾታዊ ዓመጽ ደው ምባልን ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ኣብ ወሳኒ ቦታትት ከም ዝህልዋ ምግባርን ካልኦት ዓይነት ጭቈናታት ወይ ጸቕጢ ምስ ጾታ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዙ ኣቓልቦ ከም ዝረኽቡ ምግባር ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።