ግዳይ ናይ ዓመጽ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 5 2023

ዓመጽ ምጥቃም፡ ምፍርራሕን ንኻልኦት ምጕዳእን ክልኩል እዩ። እቲ ዓማጺ ናይ ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ይግህስን ገበን ይፍጽምን። ንዓመጽ እንተ ተቃሊዕካ ናትካ ጌጋ ኣይኮነን። ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣለካ

ዓመጽ እንታይ እዩ?

ዓመጽ ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወሲባዊ፡ ቍጠባዊን ንዋታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ኣብነታት ናይዚ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌኺ እዚ ዝስዕብ ምስ ዝፍጽም እዩ፡

  • ይሃርመኪ፡ ይረግሓኪ ወይ ይደፍኣኪ
  • ገለ ሕማቕ ጸርፊ ይጸርፈኪ ወይ ሕማቕ ኢኺ ይብለኪ
  • የፈራርሓክን ክትገብርዮ ዘይትደልዪ ነገር ክትገብሪ የገድደክን፡ ወይ ገለ ክትገብርዮ ትደልዪ ነገር ንኸይትገብርዮ ይኽልክለኪ
  • ኣብ ልዕሊ እቲ ትገብርዮ ይቆጻጸር፡ ንኣብነት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ) እንዳ ሰደደ እንታይ ትገብሪ ከም ዘለኺ ወይ ኣበይ ከም ዘለኺ ክፈልጥ ይደሊ ናትኪ ሞባይል፡ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ይፍትሽ
  • ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ይጭቕጭቐኪ። ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ከለኺ ኣንጻር ድልየትኪ ይስእለኪ ወይ ፊልም የልዕለኪ። ኣንጻር ድልየትኪ ስእሊ ናይ ክዳን ከይገበርኪ ወይ ጾታዊ ርክብ እንዳ ፈጸምኪ ክዝርግሖ። ንዝተፈላለየ ናይ ጾታዊ ርክብ ተግባራት ክትገብሪ የገድደኪ። ጾታዊ ዓመጽ።
  • ኣብ ልዕሊ ናትኪ ቍጠባን ገንዘብን ይውስን። ናትኪ ናይ ባንክ ካርድን ውልቃዊ ቍጽርን (ፒንኮድ) ይወስድ።
  • ናትኪ ንብረት ንኣብነት ናትኪ ተንቀሳቓሲት ተለፎን ይሰብር
  • ንናትኪ ናይ ገዛ እንስሳ ክጎድእ ወይ ክቐትል እየ ኢሉ የፈራርሓኪ።

መን እዩ ዝዕምጽ?

መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኡት እዮም ዓመጽ ዝጥቀሙ። ሰብኡት እውን ዝበዝሕ እዋን ካብ ገዛ ወጻኢ ብዘይፈልጥዎም ሰብኡት ንዓመጽ ይቃልዑ እዮም። እዚ ነተን ኣብ ገዛን ኣብ ደገን ኣብ ክልቲኡ ዓመጽ ክፍጸም ዝኽእል ኣዋልድን ኣንስትን ፍሉይ ይመስል። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ኣንስትን ዘተግብርዎ ዓመጽ ካብ ናይ ቀረባ ዘመድ እዩ። እታ ሰበይቲ ኣብ ገዛ ካብ ትፈልጦን ካብ ጽግዕተኛ ክትኮነሉ ትኽእል ሰብን ግዳይ ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዓመጽ ዝፍጽሞ ሓደ ብጻይ እዩ፡ ግን ሓደ ቈልዓ፡ ሓደ ሓዊ ወይ ካልኦት ኣዝማድ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣዋልድን ኣንስትን ካብ ገዛ ወጻኢ ብዘይፈልጠኦም ሰብኡት ንጾታዊ ምስርጣይ ክቃልዓ ወይ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ክኾና ይኽእላ እየን።

ስልጣንን ቁጽጽርን

ጐነጻዊ ተግባራት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ቁጽጽርን ስልጣንን ክደሊ ከሎ ይፍጸም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ናይ ጐነጽ ውገዳ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ጽሑፋዊ መፍለጢ፡ ዓመጽ ብስነኺ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ዘይምህላው እዩ ኢሉ ይጽሕፍ። ዘይማዕርነት፡ ሰብኡት ከም ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ክፍጽሙን ንዓመጽ ከቃልዕወንን ሓይሊ ኣለዎም ማለት እዩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ንማዕርነት ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ናይ ሰብኡት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ዕላማ ኣለዎ።

ክብሪ ዝመበገሲኦም ዓመጽን ጸቕጥን

ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽ፡ ኣንጻር እቲ ናይ ስድርኡ ወይ ኣዝማዱ ልምድታትን ባህልታትን ዝሰብር ዝቀንዐ እዩ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነዋልድን ኣንስትን የጥቅዕ፡ ግን ኣወዳትን ሰብኡትን እውን ግዳይ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ክብሪ ዝመበገሲኦም ዓመጽን ጸቕጥን፡ ብዛዕባ ናይ እታ ስድራን ኣዝማድን ክብሪ ንምሕላው ገደብ ምግባርን ቁጽጽር ምትግባርን እዩ። ንኣብነት፡

  • ኣዋልድ ኣብ ሓደ ሓደ ዓይነት ትምህርትታት ክሳተፋ ኣይፍቀደንን
  • ኣዋልድ ድሕሪ ትምህርቲ ናይ ግድን ብቐጥታ ናብ ገዛ ክኸዳ ኣለወን
  • ኣዋልድ መሓዙተን ክመርጻ ኣይፍቀደንን
  • ኣወዳት ንኣዋልድ ኣሕዋቶም ናይ ግድን ካብ ገዘኦም ወጻኢ ክሕልውወን ኣለዎም
  • ጐራዙን ኣባጽሕን ባዕሎም ናይ ፍቕሪ ዝምድናን ናይ ጾታዊ ርክብ ዝምድናን ክመርጹ ኣይፍቀዶምን
  • መንሰያት ስድርኦም ምስ ዝመረጽሎም ገለ ሰብ ብዘይድልየቶም ክመርዓዉ ይግደዱ
  • ኣዋልድን ኣንስትን ናይ ትምህርቲ ወይ ክሰርሓ መሰል ኣይህልወንን።

እቲ ቀንዲ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዝ ልምዲ ብዛዕባ ናይ ኣዋልድን ኣንስትን ጾታውነት እዩ። ሓደ ልምዲ፡ ሓንቲ ጓላንስተይቲ ክትምርዖ ከላ ድንግል ክትጸንሕ ኣለዋን ባዕላ ናታ ብጻይ ኣይትመርጽን ኣይፍቀደላን እዩ። ስድራ ቤትን ኣዝማድን ንዓኣ ይሕልውዋን ይቆጻጸርዋን። እቲ ዓመጽን ጸቕጥን ነቶም ናይ ኣዝማድ ክብሪ ዝግህሱ ኣወዳትን ሰብኡትን እውን ከጥቅዕ ይኽእል እዩ ። ግብረሰዶመኛ ሰባትን ስግረጾታ ሰባትን ብፍላይ ይጥቅዑ።

እታ ናይቲ ስድራ ልምዲታትን ክብርታትን ትጥሕስ፡ ብምፍርራሕ፡ ብምግፋዕን ምስ ስድራ ቤትን ኣዝማድን ከይትሕወስ ምኽልካልን ክትቅጻዕ ትኽእል። ኣብ ሕሉፍ ኵነት እቲ ዓመጽ ንሞት ዘቃልዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንሓደ ሰብ ናይ ምቕጻዕ ውስኔ ብሓባር በታ ስድራ ወይ ኣዝማድ ይውሰንን ብኽልቲኦም ሰብኡትን ኣንስትን ይትግበርን።

ግዱድ መርዓ

ክትምርዓዊ ትደልዪ እንተ ኴንኪን ምስ መን ክትምርዓዊ ከም ትደልዪን ባዕልኺ ክትውስኒ ምሰል ኣለኪ። ኣብ ሽወደን ንሓደ ሰብ ንክምርዖን ምስ መን ከም ዝምርዖን ከተገድዶ ክልኩል እዩ። እቲ ንሓደ ሰብ ከመርዑ ዝቀራረብ ወይ መደብ ዘውጽእ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ንሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ሃገር ከተመርዑ ናብ ወጻኢ ሃገር መገሻ መደብ ምውጻእ ገበን እዩ።

ኣብ ሽወደን ምስ ቈልዓ ምምርዓው ክልኩል እዩ። ሓደ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተገብረ መርዓ እውን ኣብ ሽወደን ቅቡል ኣይኮነን። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ቈልዓ ኣብ መንጎ 0-18 ዓመት እዩ። ደገፍን ሓለዋን ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ። እዚ ንኣብነት ምኽርን ሓገዝን ንምርካብ ምስ ገለ ሰብ ምዝራብ፡ ሓገዝ ንኽትፋትሒ ወይ እቲ ኵነት ህጹጽ እንተ ኾይኑ ሓደ ውሑስ መዕቆቢ (skyddat boende) ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምኽንሻብ ናይ ኣዋልድን ኣንስትን።

ኣብ ልዕሊ ኣካላትኽን ናትኪ ጾታውነትን ባዕልኺ ክትውስኒ መሰል ኣለኪ። ምኽንሻብ ገለ ሰብ ኣብ ናይ ሓንቲ ጓል ወይ ሰበይቲ ብልዕቲ ይቖርጽ ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ክልኩል እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ሽወደን ትነብር እንተ ዄንካ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትገብሮ ክልኩል እዩ።

ኣብነት ናይ ምኽንሻብ፡ ክሳብ ክትሸኒ ከለኺ፡ ኣብ እዋን ጻግነን ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብን ኣዚዩ ቃንዛ ዝገብረልኪ ሓደ ሰብ ንብምልኡ ወይ ክፋል ጉድበን ከናፍር ርሕሚን ክኣልዮ ከሎ እዩ።

ሕክምናን ደገፍን ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ። ከምኡ'ውን እቲ ጸገም ምእንቲ ክንኪ ሓደ መጥባሕቲ ክግበር ይከኣል እዩ።

ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት

ኣብ ሽወደን ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ክልኩል ኣይኮነን። ግን ጾታዊ ርኽብ ምግዛእ ወይ ንኻልእ ሰብ ብኽፍሊት ጾታዊ ርክብ ንኽገብር ምግዳድ ገበን እዩ።

ጾታዊ ርክብ ፈጺምካ ወይ ጾታዊ ተግባራት ጌርካ ኣብ ክንድኡ ገለ ነገር እንተ ተዋሂብካ ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት እዩ። ጾታዊ ርክብ ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፡

  • ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ካሜራ ነብስኻ ምርኣይ
  • ሓደ ሰብ ግብረ ሕቡእ ክገብር ከሎ ምርኣይ ወይ ኣብ ቅድሚ ሓደ ሰብ ግብረ ሕቡእ ምግባር
  • ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ወይ ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ተግባራት ምግባር።

እቲ ኽፍሊት ገንዘብ ምኳን ኣየድልዮን እዩ። እዚ ሓንቲ ተንቀሳቓሲይ ተለፎን፡ ክዳውንቲ፡ ሽጋራታት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ዕጸ ፋርስ ወይ ኣብ ገለ ቦታ መደቀሲ ምርካብ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።

ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት ትፍጽመሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ገንዘብ ወይ ነገራት ንምርካብ ክኸውን ይኽእል። እዚ ሰብ ስለ ዘጋገየካ፡ ስለ ዝተገደድካ ወይ ሰሃቢ ኾይኑ ስለ ዝተሰምዓካን መረጋገጺ ስለ ትረክብን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕጊ፡ እቲ ጾታዊ ርክብ ብድልየት እንተ ዘይኮይኑ ዘይሕጋዊ እዩ ይብል። ሕማቕ እንተ ኣለኺ ዄንክን ጾታዊ ርክብ ብኽፍሊት ክትፍጽሚ ከተቋርጽዮ ትደልዪ ኣለኪ ዄንክን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ።

ምንዝርናን ንጾታዊ ርክብ ዝዕላምኡ ምስግጋር ሰብን

ኣብ ሽወደን ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ክልኩል ኣይኮነን። ግን ጾታዊ ርኽብ ምግዛእ ወይ ንኻልእ ሰብ ንምንዝርና ምግዳድ ገበን እዩ። ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽሚ እንተ ኣገዲዱኪ፡ እዚ ምስግጋር ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስግጋር ሰብ፡ ንሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ንኽትምዝምዞም ብዝተወደበ ምጕዕዓዝ እዩ። ምናልባት ገለ ሰብ ናብ ሽወደን ክትመጺ ሓጊዙኪ ይኸውን፡ ንስኺ ድማ ነቲ መገሻን ዕዳኽን ንኽትከፍሊ ንምንዝርና ትግደዲ። ነንብስኽን ካልእ ሰብን ከተናብሪ እውን ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ ትግደዲ ትህልዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንጾታዊ ርክብ ዝዕላምኡ ምስግጋር ሰብ ገበን እዩ። ምስግጋር ሰብ ንኻልእ ዕላማ እውን ገበን እዩ። እዚ ንምስራቕ፡ ንምልማን ምግዳድን ሸቐጥ ኣካል ወዲ ሰብን ወዘተ ክኸውን ይኽእል።

ናይ ሓገዝን ውሑስ መዕቆቢን መሰል (skyddat boende) ኣለኪ። ናብ ሃገርኪ ክትምለሲ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምስ ዓመጽ ዝነብሩ ቈልዑን መንእሰያትን

ኣብ ሽወደን ብመሰረት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ኣካላዊ ኮነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጐነጽ ምጥቃም ክልኩል እዩ።

ቈልዑ ኣብ ዘቤታዊ ገበን ንዝፍጸም ገሊኡ ገበናት ክርእይዎ ወይ ክሰምዕዎ ምቅላዕ ገበን እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ኣብ መንጎ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ወይ ኣዝማድ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ምፍርራሕ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ኣየድልዮምን እዩ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ወለዲ ዝፍጸም ጐነጽ፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ እውን ይፍጸም ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ገበን፡ ገበን ጥሕሰት ናይ ቈልዓ ክብሪ (Barnfridsbrott) ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ብማእሰርቲ ድማ ከቕጽዕ ይኽእል እዩ። ናይ ዘቤታዊ ገበን ምስክራት ዝኾኑ ቈልዑ፡ ግዳያት ገበን እዮም፣ ንኻሕሳ ድማ መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ኣብ እዋን ገበን ጥሕሰት ናይ ቈልዓ ክብሪ (Barnfridsbrott)፡ እቲ ቈልዓ ናይ ከሳሲ ጠበቓ ብዝጽዋዕ ሓደ ናይ ሕጊ ክኢላ ወይ ጠበቓ ሓገዝ ይወሃቦም እዩ።

እቲ ፍርህን ሻቕሎትን ናይ ዓመጽ ናይቲ ቈልዓ ጥዕና ብቐጥታ ይጽልዎ እዩ። ግን ኣብ ገዛ ዓመጽ ዝተመኮሩ ቈልዑ ዳሕራይ ኣብ ሂወቶም ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገም እውን ከምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ቈልዑ ብዛዕባ ተመኩርኦም ክዛረቡ የሸግሮም ስለ ዝኾነ ነቲ ዓመጽ ክርድእዋን ከሰላስልዎን ይብርትዖም እዩ። እቲ ቈልዓ ንወለዲ ክከላኸለሎም ክፍትንን ናተይ ጌጋ እዩ ኢሉ ሓላፍነት ክስከምን ዘይንቡር ኣይኮነን።

ኣብ ዓመጽ ዘለዎ ቤት ዝነብሩ ቈልዑ ከተስተብህለሎም ኣገዳሲ እዩ። ፍሉይ ደገፍን ሓገዝን ከድልዮም ይኽእል እዩ።

እቲ ንእሽተይ ብወለዱን ኣሕዋቱን፡ ግን ብብጻይ ወላዲት ወይ ወላዲ እውን ግዳይ ዓመጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብዛዕባ ቁጽጽር ኣብ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን፡ ገሃስቲ ቃላትን ጾታዊ ዓመጽን ክከውን ይኽእል እዩ። ናእሽቱ ከም ጸገም ኣብቲ ዝምድና እምበር ከም ዓመጽ ዘይኮነ ገይሮም ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም።

ብፍሉይ ግዳይ ዝኾኑ ጕጅለታት

ድኹም ደግፍ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎም ጕጅለታት ካብቶም ካልኦት ንላዕሊ ግዳይ ዓመጽ እዮም። እቲ ብፍሉይ ግዳይ ዝኸውን ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጽግዕተኛ ናይ ካልእ ሰብ እዩ። እቲ ሰብ ካብ ሕብረተ ሰብ ኣየናይ ሓገዝን ኣየናይ ደገፍን ከም ዝረክብ፡ እቲ ኣንጻር እቶም ጕጅለ ኣቐዲምካ ከይፈለጥካዮም ዝበሃብ ፍርዲ ይጸልዎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ነፍስ ወከፍ ጕጅለ ፍልልያት ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ናይ ብዙሓት ጕጅለታት ክኽወን ይከኣል እዩ።

ዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ

ሓማም፡ ስንክልናን ጽምዋን ነታ ብዕድመ ዝደፍኣት ሰበይቲ ብዝያዳ ጽግዕተኛ ናይ ካልኦት ሰባት ይገብራ። ዘይተረኣይነትን ወልፍን ናብ ተኽእሎ ናይ ዝያዳ ዓመጽ የምርሑ።

እቲ ዓመጽ ዝተፈላለየ ዓይነት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ናይ ኣቓልቦ ዘይምርካብ እውን ይኾና እየን። እዚ ንኽሕጸባ ወይ መድሃኒተን ንኽወስዳ ሓገዝ ዘይምርካብ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዓመጽ ዝጥቀም ዘሎ ሰብ ሰራሕተኛ ሓልዮት ወይ ሃደ ዘመድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ወልፊ/ዘግቡእ ምዝውታር ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ

ዓመጽ ሓደ ንቡር ክፋል ምዓልታዊ ሂወት ናይ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ብዘይ ግቡእ ዘዘውትራ ደቂንስትዮ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ናይ ብዙሓት ገፋዕቲ ይኾና። እዚ ሓደ ብጻይ፡ ሰራሕተኛ ክንክን (ሓልዮት)፡ ፖሊስን ካልኦት ወልፈኛታትን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ወልፊ ዘለወን ኣንስቲ ሕማቕ ተመኩሮ ናይ ርክብ ምስ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ እዩ ዘለወን። እዚ ግዳይ ዓመጽ እንተ ኾይነን ዘየመልክታሉ ሓደ ምኽንያት እዩ። ወልፊ ከም ዘለወን እንተ ተፈሊጡ ደቀን ብመንግስቲ ንኣላይነት ከይውሰዱ ስለ ዝፈርሓ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስንክልና ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ

ንሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዘይተረኣይነት፡ ጽግዕተኛ ናይ ካልኦትን ሓደ ፍሉይ ተኣፋፍነትን ብሕልፊ ግዳይ ናይ ዓመጽ ይገብሮ። ተኣፋፍነት ኣብ ስንክልና ብዚምርኰስ ዝተፈላለየ ክመስል ይኽእል እዩ። እታ ጓልንስተይቲ ንነብሳ ክትከላኸልን ካብቲ ጐነጻዊ ዝምድና ክትወጽእን ክኸብዳ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ዘጋጠመ ክትገልጾን ሓደ ሰብ ክሰምዓን ነቲ ትብሎ ዘላ ክኣምናን የጸግማ ይኸውን። ከምኡ'ውን ብዙሓት ተገሊለን ይነብራ።

ናይ ወጻእተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለውን ደቂ ኣንስትዮ

ናይ ቋንቋ ጸገም፡ ተገሊለን ብዘይ ርክብ ምስ ካልኦት ሰባት ዝነብራን ሕማቕ ኣፍልጦ ብዛዕባ ናተን መሰላት ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ ኣውራ ግዳያት ክኾና ይኽእላ እየን። ሕማቕ ቍጠባን ጽግዕተኛነት ኣብቲ ዓመጽ ዝጥቀምን፡ ግዳይ ናይ ዓመጽ ንሙኳን ዘሎ ተኽእሎ እውን የዛይዶ እዩ።

ሕማቕ ፍልጠት ናይ መሰላት፡ እታ ጓልንስተይቲ ሓገዝ ከም ዘይትደሊ ይገብራ ይኸውን። ከምኡ'ውን እቲ ዓመጽ ብሓደ ባህሊ ክግለጽን ከም ዓመጽ ንኸይርኣይን ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ሕጊ እንታይ ይብል?

ንካልእ ሰብ ግዳይ ዓመጽ ምግባር ሓደ ገበን እዩ። ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዝምድና ዘለዎ ወይ ናይ ቀረባ ዝምድና ዝነበሮ ሰበይቲ ግዳይ ክገብራ ከሎ ከቢድ ምጥሓስ ክብሪ ጓለንስተይቲ ይብሃል። እቲ ምጥሓስ ክብሪ ብዙሕ ግዜ ክፍጸም ኣለዎ። እቲ መቕጻዕቲ ድማ ብማእሰርቲ እዩ። ዋላ እታ ጓልንስተይቲ እንተ ዘይደለየት ፖሊስ ነቲ ገበን ክምርምርዎ ኣለዎም።

ሓደ ምጥሓስ ክብሪ ንኣብነት ሓደ ሰብ ጐነጽ ክጥቀም ከሎን ወይ ክባኣሳን ነታ ሰበይቲ ክርብሻን ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን እታ ጓልንስተይቲ ጾታዊ ተግባራት ክትገብር ክትግደድ ወይ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ናይታ ጓለንስተይቲ ገዛ ምውጻእ ክኣቢ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስ ሓንቲ ሕራይ ዘይበለት ሰብ ወይ ንሳ ድያ ንሱ ብንጹር ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ወይ ክፍጽም ከም ዘይትደሊ ዘርኣየት ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ክልኩል እዩ። ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኵሉ ግዜ ብድልየት ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ሽወደን ጾታዊ ርክብ ምግዛእ ክልኩል እዩ። እቲ ጾታዊ ርክብ ዝገዝእ ብገንዘብ መቕጻዕቲ ወይ ንማእሰርቲ ይፍረድ።

ንሰባት ምሻጥ ወይ ምግዛእ ክልኩል እዩ። ንሓደ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ንኽዝሙ ወይ ብትሑት ወይ ብዘይ ደሞዝ ንኽሰርሕ ክግደድ ከሎ ምስግጋር ሰብ እዩ። ድኻታት ሰባት ንኽልምኑ ወይ ኣካላት ናይ ንብሶም ክሸጡ እውን ክግደዱ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ግዳይ ምስግጋር ሰብ ዝኾነ፡ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝገዓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሳተን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከይተረኣያን ብምፍርራሕን ዓመጽን ይነብራ። እቲ መቕጻዕቲ ብማእሰርቲ እዩ

ንሓደ ሰብ ብዘይ ናይቲ ሰብ ድልየት ንኽምርዖ ምግዳድ ገበን እዩ። እቲ መቕጻዕቲ ብማእሰርቲ እዩ

ንሓንቲ ሰብ ምእንቲ ብዘይ ድልየታ ክትምርዖ ናብ ወጻኢ ሃገር ኣታሊልካ ምጋሽ ክልኩል እዩ። እቲ መቕጻዕቲ ብማእሰርቲ እዩ

ኵሎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣካላቶም መሰል ኣለዎም። ኣብ ሽወደን ናይ ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ጾታዊ ኣካል ምእላይ ወይ ክፋሉ ምጕዳእ ክልኩል እዩ። እቲ መቕጻዕቲ ብማእሰርቲ እዩ

ግዳይ ዓመጽ ዝኾነ ገለ ሰብ ዶ ትፈልጢ ኢኺ? ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተራከቢ

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵለን ኮሙናት ኣሎ። ግዳይ ናይ ዓመጽ እንተ ዄንኪ ወይ ኵነታትኪ ጽቡቕ ዘየለ ኾይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ሓደ ገበን ግዳይ ኮይነ ኣለኹ ኢልኪ ትጥርጥሪ እንተ ዄንኪ፡ ንፖሊስ ብቝጽሪ ተለፎን 114 14 ክትራኸብዮም ትኽእሊ ኢኺ። ህጹጽ ሓገዝ እንተ ደሊኺ ናብ 112 ደውሊ።

ብሪስ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ንዝርከቡ ቈልዑ ይሕግዝ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ ናብ ብሪስ መይል ክትልእኽ ክትድውል ወይ ምስኦም ከተዕልል (chatta) ትኽእል ኢኻ።

ተረኛ ሓጋዚ ግዳይ ገበን፡ ሓደ ግዳይ ገበናት ዝኾኑ ሰባት ሓገዝ ንኽረኽቡ ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ናብቲ ናይ ሓገዝ ተለፎን 116 006 ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ኪልፍሮጉር፡ ኣወዳት ብዛዕባ ዝምድና፡ ጺታዊ ርክብን ኣካላትን ስሞም ከይጠቐሱ ከዕልልሉ (chatta) ዝኽእሉ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ግዳይ ናይ ዓመጽን ምፍርራሕን እንተ ዄንኪ ናብ እቲ ሃገራዊ መስመር ደገፍ ብቍጽሪ ተለፎን 020 – 50 50 50 ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ግዳይ ዓመጽ እንተ ዄንክን ምስ ገለ ሰብ ክትዛረቢ እንተ ደሊኺ ወይ ውሑስ መንበሪ እንተ ደሊኺ፡ ምስ ሓደ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ (kvinnojour) ወይ መዕቆቢ ኣዋልድ (tjejjour) ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ክሊኒክ ሊና ካብ ስድርአን ወይ ኣዝማደን ግዳይ ናይ ቁጽጽር፡ ምፍርራሕን ዓምጽን ንዝኾና መንእሰያት ናይ ምኽሪ፡ ደገፍን መዕቆብን ዕድል ይህብ እዩ። ቍጽሪ ተለፎን ተረኛ፡ 020 – 40 70 40

ኣብ ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ባህሊ ትነብሪ እንተ ዄንኪን ሓገዝን ዕቝባን ዘድልየኪ እንተ ኾይኑን፡ ናብ ናይ ተራፈም (Terrafem) ንወጻእተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለወን ደቂኣንስትዮ ናይ ተረኛ ተለፎን 021 – 52 10 10 ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

TRIS ሓደ ኣንጻር ክብሪ ዝመበገሲኦም ዓመጽን ጸቕጥን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ትሪስ ሓደ ናይ ተረኛ ተለፎን ኣለዎ 0774 – 40 66 00። ንሶም ውሑስ መዕቆቢ እውን ኣለዎም

1000möjligheter ሓደ ብዛዕባ ግዳይ ናይ ዓመጽ፡ ትኽፈሎ ጾታዊ ርክብን ፖርኖግራፊ (ወሲባዊ ንጥፈት ዜርኢ ወይ ዚገልጽ ስእሊ ወይ ፊልም) ከተዕልልሉ (chatta) ትኽእሊ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ኣብ jagvillveta.se ዝብል ገጽ ብዛዕባ ኣየናይ እዩ ገበን ዝምልከት ሓበሬታ ኣሎ። ብዛዕባ እታ ግዳይ ገበን ዝኾነት ሰብ ከመይ ክስምዓ ከም ዝኽእልን ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊን ከተንቢቢ እውን ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ንዓኺ መንእሰይ ዝኺንኪ ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ብዛዕባ ክብሪ ዝመበገሲኦም ዓመጽን ጸቕጥን ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ ምስ ሆበተክዩን ( ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ ሕደ ወይ ድርብ ጾታዊ፡ ስግረጾታዊ ወይ ሰዶማዊ ስምዒታትን መምነትን እዩ።) ኣእምሮኣዊ ስንክልናን ዝተተሓሓዘ ግዱድ መርዓ፡ ምኽንሻብን ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ዓመጽን።

ኣብ ናይ ኤንሲኮ (NCK) ናይ ፍልጠት ባንክ ብዛዕባ ዓመጽ ካብ መቕርብ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ብፍሉይ ግዳይ ዝኾኑ ጕጅለታትን ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣርኤፍኤስኤል ሓደ ንናይ ግብረ-ሰዶመኛታት፡ ድርብ ጾታኘታታት፡ ድርብ ጾታ ዘለዎም ሰባትን ኵየር ሰባትን መሰላት ዝሰርሕ ውድብ እዩ።

ኣብ ዩሞ ብዛዕባ ዝምድናታት፡ ጾታዊ ርክብን ጥዕናን ብብዙሕ ቋንቋታት ከተንብብን ፊልምን ክትርኢን ትኽእል ኢኻ።