ሕብረትሰብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ሽወደን ሓንቲ ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ። እዚ፡ ኵሉ መንግስታዊ ስልጣን ካብ ህዝቢ ይብገስ ማለት እዩ። እቲ ህዝቢ፡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ንኽውስኑ መሰል ዘለዎም ሰልፍታት ወይ ሰባት ብምምራጽ የመሓድር። እቶም ዝተመረጹ ሰባት ፖለቲከኛታት ይብሃሉ። ንሶም ኣብ ባይቶ ሃገር፡ ቤት ምኽሪ ዞባን ቤት ምኽሪ ኮሙንን ይውስኑ።

ሓደ ሓደ ኣገደስቲ መሰረታውያን ኣብ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ

  • ናጽነት ሕትመትን ርእይቶን – ኵሉ ሰብ ሓሳባቱ፡ ርእይትኡን ስሚዒታቱን ብቓልን ጽሑፍን ክገልጽ ክኽእል ኣለዎ።
  • ናጽነት ማሕበራት – ኵሎም ሰባት ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ክኾኑ ወይ ሓደ ማሕበር ከቑሙ መሰል ኣለዎም።
  • ናጽነት ሃይማኖት ወይ ናጽነት እምነት – ኵሎም ሰባት ሓደ ሃይማኖት ከዘውትሩ ዝደልዩ እንተ ኮይኖም ናጻ ኮይኖም ክውስኑ መሰል ኣለዎም። ናጽነት ሃይማኖት ሓደ ካብቶም ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝቝጸር።
  • ውሕስነት ሕጊ – ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክኾኑ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ቅድሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ምፍራዱ፡ ንሱ ወይ ንሳ ከም ንጹህ ክርኣ ኣለዎ።

ሽሽወደን ብመንግስቲ፡ ዞባን ኮሙናትን ኣቢላ እያ መሓደር።

ብሃገር ደረጃ (ባይቶን መንግስትን)

  • ባይቶ ሕጊ ክሕግግ ስልጣን ኣለዎ።
  • ባይቶ ንህዝቢ ብሃገር ደረጃ ይውክል።
  • መንግስቲ ናይ ባይቶ ውሳኔ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ብምርግጋጽን ናይ ሓደሽቲ ሕግታትን ለውጢ ኣብ ሕግታትን ሓሳብ ብምቕራብን ንሽወደን የመሓድራ።
  • ንመንግስቲ ኣብ ስርሑ ዝሕግዝዎ ቤት ጽሕፈት መንግስትን ኣስታት 350ን ብዓል መዚን ኣለዉ።

ብደረጃ ዞባ

  • ሽወደን ኣብ 21 ዞባታት ዝተመቕለት እያ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ዞባ ሓደ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ዞባ ዝጽዋዕ መንግስታዊ ዞባዊ ብዓል መዚ ኣሎ።
  • 21 ዞባታት ኣለዋ። ዞባታት ብህዝቢ ብዝተመረጹ ፖለቲከኛታት ይምራሕ። ምምሕዳር ዞቦ ብቐንዱ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ክሰርሕ ኣለዎ። እተን ዞባታት መብዛሕትኡ ምስ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሓለዋ ጥዕናን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዝተተሓሓዘ እየን ዝሰርሓ።
  • ዞባታት ሓደ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ይሽፍና፡ በዚ ምኽንያት ኣዚ ድማ ሰብ ነዚኣቶም ከም ዞባዊ ደረጃ ገይሩ ምርኣዮም የዘውትር። ቤት ምኽሪ ዞባ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ኣካል እዩ። ኮሙናላዊ ሕጊ ነቲ ናይ ዞባ ስራሕ ይመርሖ።

ብደረጃ ኣከባቢ (ኮሙናት)

  • ሽወደን 290 ኮሙናት ኣለዋ።
  • እተን ኮሙናት ኣብቲ ንነብረሉ ንዘሎ መብዛሕትኡ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ሓላፍነት ኣለወን። ንኣብነት፡ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሓልዮት ኣረጋውያንን።
  • እተን ኮሙናት ብህዝቢ ብዝተመረጹ ፖለቲከኛታት ይምርሓ። ባይቶ ኮሙን እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ኣካል እዩ።
  • ኮሙናላዊ ሕጊ ነቲ ናይ ኮሙናት ስራሕ ይመርሖ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU)

  • ሽወደን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕግታት ክትክተል ኣለዋ፡ ከምኡ'ውን ሓደሽቲ ሕግታት ኣብ ምውጻእ ትሳተፍን እያ።
  • መንግስቲ ንሽወደን ኣብ ኤውሮጳዊ ቤት ምኽርን ኤውሮጳዊ ሕብረት ቤት ምኽርን (መብዛሕትኡ ግዜ ብቤት ምኽሪ ምኒስተራት ወይ ብቤት ምኽሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ይውክላ።

ፊልም ብዛዕባ ሽወደን