ህዝባዊ መጐዓዝያ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 5 2023

ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ንኹሉ ዘገልግል ሓባራዊ መጎዓዝያ ኣሎ። ንኣብነት ኣውቶቡሳት፡ ናይ ከተማ ባቡራት፡ ናይ ጋለርያ ባቡራት ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ እተፈላለየ መነሃርያታት ከተማ ዚመላለሳ መሰጋገርቲ ወይ ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዚመላለሳ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኪኾና ይኽእላ። ኣብ መንጎ ገለ ከተማታት ናይ ውሽጢ ሃገር ነፈርቲውን ኣለዋ። ካብቲ ቀንዲ መሬት ሽወደን ናብ ጎትላንድ ዘመላልሳ መርከባት ኣለዋ።

ናይ ጐደና ትርኢት ኣብ ዮተቦርይ። ሓንቲ ሰማያዊትን ጻዕዳን ስፖርቫግን ናብታ ካሜራ ገጻ ትጥወ ኣላ፣ ካልእ ሓንቲ ብጸጋም ወገን ካብቲ ስእሊ ትርሕቕ ኣላ። ሒደት ሰባት ፋሕ ኢሎም ኣብቲ ዙርያ ይረኣዩ ኣለዉ።

ስእሊ፡ ሚሳክ ናልባንድያን

ብሓባር ንምጕዓዝ ቲከት ክትዕድግ የድሊ። ኣብ www.resrobot.se ኣብ መንጎ እተፈላለየ መነሃርያታት ዘሎ ጕዕዞታት ክትርእይ ትኽእል። ንኹሉ ከተማታት ሽወደን ዘጠቓልል ቲከታት እውን ክትዕድግ ትኽእል።

ትኬት

ሓያለ ኩባንታት ባቡርን ኣውቶቡስን: ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣገልግሎት ትራፊክ መጐዓዝያ ይህባ።

ቅድሚ ኣብ ባቡር ወይ ኣብ ኣውቶቡስ ምድያብካ: ካብቲ እትጕዓዘሉ ዘለኻ ኩባንያ ትኬት ከም ትገዝእ ግበር። ዚበዝሕ ኣዋን ትኬት ኣብ ውሽጢ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ክትገዝእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብቲ ትኬት ኣብ ውሽጢ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ዚግዝኣሉ መስመራት: እቲ ዋጋ ዚበዝሕ እዋን ክቡር'ዩ።

ኣብ ዚበዝሕ ትኬት ባቡር ቍጽሪ ባጎንን ኮፍ እትብለሉ ቍጽሪ መንበርን ተመልኪቱ ይርከብ። ብስምካ ዝተገዝአ ውልቃዊ ትኬት እንተሎካ: ቍጽጽር ኪግበር ከሎ: እቲ ኣብቲ ትኬት ዘሎ ስም ናትካ ምዃኑ ብቕቡል ወረቐት መንነት ከተርኢ ክትክእል ኣለካ።

ቅቡል ወረቐት መንነት ማለት ንኣብነት: ከም ፓስፖርት: ሃገራዊ መንነት ወረቐት ወይ ኣብ ሽወደን: ኣብ ሃገራት ኑርድ ወይ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ሃገራት ኤውሮጳዊ ከባቢ ቍጠባ ዝተዋህበ መምርሒ ፍቓድ ማለት'ዩ። ኤለማ-ካርድ'ውን (ዕቝባ ክትሓትት ከለኻ ብቦርድ ሚግረሽን ሽወደን ዚወሃበካ) ኣብ ሽወደን ኣብ ዚግበሩ ጕዕዞታት የገልግል'ዩ። ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ሃገራት ኤውሮጳዊ ከባቢ ቍጠባ ወጻኢ ዚወሃብ ቅቡል መንነት ወረቐት ፓስፖርት ጥራይ'ዩ።

ኣውቶቡስ ክትስቀል ከለኻ'ዩ ቊጽጽር ትኬት ዚግበር። ብባቡር ትጐዓዝ እንተ ኾይንካ፡ ቊጽጽር ትኬት ኣብ ውሽጢ ባቡር'ዩ ዚግበር። ብዘይ ቅኑዕ ትኬት እንተ ተጓዒዝካ: ግድን ክፍሊት ትኸፍል ወይ ካብ ባቡር ትወርድ።

ኣብ ባቡር/ኣውቶቡስ ምስ ተሰቐልካ ዘለዉ መምርሕታት

ንኻልኦት ተጐዓዝቲ ከይትርብሽ ሓልዮት ኣርእይ። ንኣብነት ኣብ ቦታ ካልኦት ክትኣቱ ወይ ሞባይል ቴለፎን ንሰብ ብዝርብሽ ኣገባብ ክትጥቀም የብልካን።

መምርሕታት እንተ ዘይተኸቲልካ: ሰራሕተኛታት ካብ ባቡር ወይ ካብ ኣውቶቡስ ኬውርዱኻ ኪውስኑ ይኽእሉ'ዮም። ንኣብነት ስርዓት ዘይምኽባር: ሰራሕተኛታት ዚብሉኻ እንተ ዘይምኽታል: ብዘይ ቅቡክ ትኬት ምጕዓዝ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ባልጃ ምምላእ ኪኸውን ይኽእል።

ክትሓስበሉ ዘድልየካ፡-

  • ቅድሚ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ምስቃልካ ትኬት ግዛእ
  • ካብ ክትስከሞ እትኽእል ንላዕሊ ባልጃ ኣይተብዝሕ
  • ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል'ዩ።

ባልጃ

ኣብ ዚበዝሓ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን: ክትስከሞ እትኽእል ብዝሒ ባልጃ ክትማላእ ጥራይ'ዩ ዚፍቀደካ። ኵሉ ባልጃ ንዕኡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ይቕመጥ፤ ንኣብነት: ኣብ መቐመጢ ባልጃ: ኣብ መቐመጢ ቈብዕ: ኣብ ትሕቲ ኮፍ መበሊ ወይ ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ፍሉይ መቐመጢ ባልጃ።

ሽጋራ ምትካኽ

ኣብ ኵላተን ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል'ዩ። ነዚ ከልካሊ ሕጊ እንተ ጥሒስካ: ጕዕዞኻ ኪቋረጽ ይኽእል'ዩ።

ድሕነት

ኣብ መንገዲ ባቡር ምእታው ሕጋዊ ኣይኮነን። መንገዲ ባቡር ብፍሉጥ እተመልከተ መሰጋገሪ ቦታ ዘሎዎ ጥራይ ኢኻ እትሰግር። መጋረዲ መንገዲ ንታሕቲ ኪወርድን ንላዕሊ ኪስቀልን: ከምኡ'ውን ምስ ወረደ: መጠንቀቒት ደወል ድምጺ ክትህብ ከላ: ደው በል ዚብል ምልክት እናተራእየ ከሎ ወይ ባቡር ኣብ እትቐርበሉ ወቕቲ: ኣብ መሰጋገሪ መንገዲ ክትኣቱ ኣይፍቀደካን'ዩ። ሓደ ዘይተፈቕዶ ሰብ ኣብ መንገዲ ባቡር (ሓዲድ) እንተ ኣትዩ ፖሊስ ይጽዋዕ።

ምክትታል ዶባት ንካብ ዴንማርክ ዝግበር መገሻ

ካብ ዴንማርክ ናብ ሽወደን እንተ ተጓዒዝካ: ኣብ ዶብ ሽወደን ንወረቐት መንነትካ ቍጽጽር ይግበሮ። ቅቡል ወረቐት መንነት እንተ ዘይብልካ: ዶብ ክትሰግር ኣይፍቀደካን'ዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ: ምስ ቅቡል ወረቐት መንነት ዘሎዎ በጽሒ ሰብ ዚጐዓዙ እንተ ኾይኖም: ቅቡል ወረቐት መንነት ኣየድልዮምን'ዩ።

ካብ ዴንማርክ ናብ ሽወደን ኣብ ዝግበር መገሻ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሰነድ ከም ኣብነት ፓስፖርት፣ ሃገራዊ መንነት ወረቐት፣ ኣብ ሽወደን ወይ ከኣ ኣብ ሃገራት ሰሜን ዝተሓትመ ናይ ምምራሕ መኪና ፍቓድ እዩ። LMA-ካርድ (ንሓተቲ ዑቕባ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሃብ ካርድ) ኣብ ቍጽጽር ዶብ ቅቡል ኣይኮነን