ዜና
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 1 2023
ኣብዚ መላግቦ ናይ ዜና ብቐሊል ሽወደንኛን ዜና ናይ ሽወደን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ዝተተርጐሙን ክትረክብ ትኽእል። ከምኡ'ውን እቶም ዳሕረዎት ዜና ካብ ራድዮ ሽወደን ክተንብብ ትኽእል።
ዜና ካብ ራድዮ Sveriges
እዋናዊ ዜና ራድዮ Sveriges ኣብዚ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቛንቋኹም እንተዘየልዩ ድማ ንቀጥታዊ ዜና ስዌድንኛ ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ Sveriges ንዝርከብ ዜና ንኽተንብቡ፡ ኣብ ዝርዝር ኣርእስታት ጠውቑ። እዚ ሊንክ'ዚ፡ ኣብ ሓድሽ ዊንዶን ኪኽፈት እዩ።
-
ብኣብ ደገ ዝነብሩ ሽወደናውያን ዝግበር ምትላላት ደገፍ ብዝተሓሓዙ ዝያዳ ጥርዓናት ንፖሊስ ይቐርቡ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ በዓል መዚ ውሕስነት ካሳ (ፎርሸክሪንግስካሳን)፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ዝበጽሕ ገንዘብ ንካብ ሽወደን ወጻኢ ዝነብሩ ሽወደናውያን ብምትላል ተኸፊሎም ኢሉ ከምዝጥርጥር ገሊጹ፡፡ ብዛዕብኡ ድማ ንፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪቡ ኔሩ።እዚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ይዛይድ።እዚ ንኣብነት ኣበል መዕበይ ቆልዑ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ንወለዲ ዝኽፈል ደገፍ ከምኡ ` ውን ደገፍ መንበሪ ገዛ ብጌጋ ዝተኸፍሉ ዝምልከት እዩ። -
ኣብ ሽወደን ዘሎ ዘይዕግበት ኣብ ክንክን ሕክምና ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ይዓቢ
ካብ ሰለስተ ሽወደናውያን እቲ ሓደ ጥራይ` ዩ ስሩዕ ርክብ ምስ ሓደ ሓኪም ጥራይ ዘለዎ።እዚ ምስተን ካልኦት ኣብቲ መምዘኒ ዝተኻተታ ሃገራት ዝሓመቐ ምዃኑ እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።ብኣንጻሩ ብኢንተርነት ዝግበር ክንክን ጥዕና ሽወደን ዝበለጸ ውጽኢት ትረክብ። -
ኣብ ስኮነ ሓደ ሰብ ብቫይረስ ንፍዮ ይልከፍ
ኣብ ስኮነ፡ ሓደ መልከፍቲ ንፍዮ ስለ ዝተራእየ፡ ዝርግሐ ንምርኣይ፡ ምክትታል ኣሰር ዝርግሐ ኣብ ምክያድ ይርከብ፡፡ኣብ’ቲ ዞባ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝርአ ዘሎ ናይ ፈለማ መልከፍቲ እዩ፡፡እቲ ዞባ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ኩሉ ዝግባእ ኣሰራርሓን ቅጥዕን ምክትታል ይግበር ምህላው ኣገንዚቡ፡፡ -
ማልመ ኣሸጊረንኣ ዘለዋ ኣናጹ ንምጥፋእ ኣኽላባትን ዓበይቲ ምጹታትን ትጥቀም
ከተማ ማልመ ኣብቲ ኣንጻር ኣናጹ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ክረኽቦ ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ይቕበል ከም ዘሎ ፐ4 ማልሞሁስ ጸብጺባ።ነጋዲት ሞና ጋላይኒስ፡ ትውንኖ ትካል፡ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣናጹ ንምጽራይ ካብ ምምሕዳር ዕማም ተዋሂብዎ ኣሎ፣ ብሓገዝ ኣኽላባትን ስጋ ብዝምገቡ ዓበይቲ ምጹታት ተባሂሎም ብዝጽውዑ (ምጽጹላይ መሰል) እንስሳን፡፡`ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ኣናጹ ክንሕዝ ክንፍትን ኢና፡` ኢና ትብል ሞና። -
ኮሚተ ሽወደን ንኣፍጋኒስታን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝህቦ ዝነብረ ሓገዝ ደው የብል
ኮሚቴ ሽወደን ንኣፍጋኒስታን፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ባይታ ከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት ደው ኣቢሉዎ።እቲ ካብ ብጣሊባን ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኮይኑ ሕጂ ድማ እቲ ትካል ብኸመይ ንጥፈታቱ ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣፍልጦ የብሉን፡ እዚ እንተላይ ንድሕነት ሰራሕተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።` ንሰራሕተኛታትና ሓደጋ ከስዕብ ናብ ዝኽእል ዝኾነ ነገር ከነቃልዖም ኣይንኽእል፡” ይብል፡ ዋና ጸሓፊ ኣንድርያስ ስቴፋንሰን። -
እማመ መንግስቲ - ኣንጻር ጉጅለታት ገበን ዝቃለሱ ፖላይስ ስመ-ስውራን ክኾኑ’ዮም
ኣብ ውሳነን ስጉምቲ ኣብ ዝውሰደሉ እዋንን፡ ብጉጅለታት ገበን ዝፈጸሙ ገበናት ንምቅላስ ዝሰርሑ ፖላይስ መንነቶም ክፍለጥ የብሉን፡፡እዚ፡ ትሕዝቶ እቲ መንግስቲ ትማል ሓሙስ ውሳነ ዝሃበሉ ኣካታዒ እማመ እዩ፡፡ኣንጻር ከበድቲ ብጉጅለታት ዝፍጸሙ ገበናት ዝሰርሑ ብዙሓት ፖላይስ፡ ግዳያት ምፍርራህን ግፍዕን ስለዝኾኑ፡ ዝሓሸ ምክልኻል ክግበረሎም ኣድላዪ ይኸውን፡ ይብል ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሩመር፡፡ -
መጠነ ዝቕባበ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ጎዲሉ
ኣብ ወርሒ የካቲት መጠነ ዝቕባበ፡ ብመሰረት እቲ ወለድ ኣልዩ ዝዕቅን መሐበሪ ዋጋ ሸማቶ፡ ኮ.ፐ.ኢ.ኤፍ 2,5% ኔሩ።ኣብ ወርሒ ጥሪ እቲ ዝቕባበ 3,3% ኔሩ። እቲ ኣብ ወርሒ የካቲት ዝተራእየ ምውራድ፡ ካብቲ ክኢላታት ትጽቢት ዝገበሩሉ ንላዕሊ እዩ ኔሩ። ብመስረት ተንታኒ ቁጠባ ራድዮ ኤኮት ክርስትያን ኦስትሮም፡ እዚ፡ ሃገራዊ ባንክ ነቲ ቀላሲ ወለድ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዝቕንሶ ክገብር ይኽእል'ዩ። -
ኣብ ሽወደን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ብዝሒ ይውሕድ
ቁጽሪ ናይ'ቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ብዝሒ፡ ብመንጽር ናይ ዝሓለፈ ትመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ'ቶም ናይ ፈለማ 10 ሳምንታት 2024፡ ብ26% ቀኒሱ፡፡ ”እዚ ኣገዳስን፡ ክቕጽል ዘለዎምን ምዕባለ እዩ፡” ኢላ ሚኒስተር ሚግሬሽን፡ ማርያ ማልመር ስተነርጋርድ፡፡ ኣብ'ዚ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ብዝሒ ዝቕንሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓፈሻ ወሲኹ'ዩ፡፡ -
ኣብ መዓስከራት ኢ.ኤስ ዝርከቡ ህጻናት ናብ ሽወደን ክመጹ ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም
ሽወደን፡ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ መዓስከራት ኢ.ኤስ ዝርከቡን ምስ ሽወደን ምትሕሓዝ ዘለዎምን ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣይክትሕግዞምን እያ።እዚ፡ ዋላ ንህጻናት እውን ሓዊስካ ንኹሎም ዝምልከት እዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ ቢልስትሮም ንቲቪ.4 ሓቢሩ።እቶም ሽወደናውያን ናብቲ ጨካን ግብረ-ሽበራዊ ውዱብ ኢ.ኤስ ንምጽንባር ብፍቓዶም መሪጾም እዮም ክብል ንሱ ንቲ.ቪ 4 ሓቢሩ። -
ሓደ ወዲ 21 ዓመት በቲ ኣብ ሄሰልቢ ዘጋጠመ ፍንጀራ ይፍረድ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ሄሰልቢ፡ ስቶክሆልም፡ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓያል ፍንጀራ፡ ሓደ ሓውሲ ቪላ፡ ራድሁስ፡ ምሉእ ብምሉእ ዕንወት ወሪድዎ።ሕጂ ሓደ ወዲ 21 ዓመት በቲ ፍንጀራ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተበይንዎ ኣሎ። ንሱ ነቲ ገበን ይኽሕዶ።እቲ ፍንጀራ፡ ሕነ ንምፍዳይ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይጥርጠር።