ዝተፈላለያ በዓል መዝታት እንታይ ይገብራ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ብዓል መዝታት ኣለዋ። ብዛዕባ ገለ ካብተን ክትራኸበን ዘድልየካ ብዓል መዝታት ዝገልጽ ሓበሬታ እንሆ።

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ናይቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ኪበጽሑ፡ ኪቕመጡ ወይ ዕቝባ ኪሓቱ ወይውን ዜግነት ዚደልዩ ሰባት ዘቕርቡዎ መጠየቕታ ይቕበልን ይምርምርን።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንሓደ ብጽቡቕ ዝሰርሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ከበርክት ዘሎዎ ብዓል መዚ እዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፣ ስራሕ ንኽረኽቡ፡ ወሃብቲ ስራሕ ድማ መሳርሕቲ ንኽረኽቡ ይሕግዝ።

ገሊኦም ሓደስቲ መጽእቲ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽኣትዉ መደብ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ኣለዎም። እዚ፡ መደብ መትከል እግሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ናይ መብዛሕትኡ ክፋል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ሓላፍነት ኣለዎ። ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ህይወት ቍጠባዊ ውሕስና ይህብ።

ከም ናይ ወለዲ መተካእታ ደሞዝ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ፡ ክፍሊት መትከል እግሪን ካብ 14 መዓልታት ንላዕሊ ክትሓምም ከለኻን ዝኽፈለካ ክፍሊትን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ክፍሊታትን ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ንምልክታኻ ተቐቢሉ መሰል ንኽፍሊት እንተ ኣለካ ኾይኑ ይውስን። ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ሓገዛትን ክፍሊታትን ይኸፍሉኻ።

ግብሪ ምእካብን ግቡእ ግብሪ ትኸፍል ከም ዘለኻ ምቍጽጻርን ገለ ካብቲ ብዓል መዚ ግብሪ ዘለውዎ ዕማማት እዮም። ብዓል መዚ ግብሪ ሓላፍነት ናይ ህዝባዊ ምዝገባ ኣለዎ። እዚ መዝገብ ኣየኖት ሰባት ኣብ ሽወደን ከም ዝነብሩ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩን እንታይ ዓይነት ቤተ ሰባዊ ዝምድና ከም ዘለዎምን ዝምዝግብ እዩ። ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሽወደን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ወረቐት መንነት ይህቡ።

ፖሊስ ንገበን ይምርምሩን ይቃለሱን። ድሕንነት ንምስፋሕን ገበን ንምውጋድን እውን ይጽዕሩ። ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍስ ወከፍ ኮሙናት ናይ ሽወደን ኣሎ። ነቶም ዘድልዮም ተቐማጦ ናይታ ኮሙን ደገፍን ሓገዝን ይህቡ። ዕማም ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብከም ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ብዝተፈላለዩ ሕግታት እዩ ዝቕየድ። ኣብ ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣብነት መን ንቝጠባዊ ሓገዝ መሰል ከም ዘለዎን ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓልዮትን ሰፊሩ ኣሎ።

ንርእስኻ ወይ ንስድራ ቤትካ ምንባይ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ ቍጠባዊ ሓገዝ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኮሙንካ ብዝያዳ ኣንብብ።

ናይ ቤትጽሕፈት ትራፊክ ዕማም እቲ መገድታት ጥዑይ ምዃኑ ምክትታል፡ ባቡር ብሰዓታ ምምጻኣ፡ ናይ ትራፊክ ሓበሬታ ድማ እዋናዊ ምዃኑ ምርግጋጽ እዩ። ንሱ ነቲ ናይ ምምራሕ ማኪና ዚወሃብ ፈተናታትን መኣስ ናይ ምምራሕ ማኪና ፍቓድ ከም ዚወሃብን ንዚብሉ ጉዳያት ሓላፍነት ይወስድ።

ናይ መኪና መምርሒ ፍቓድ ዝህብ በዓልመዚ መጓዓዝያ (Transportstyrelsen) እዪ። ኣብ ዕዮ ናይ በዓልመዚ መጓዓዝያ ውሕስነት ትራፊክን ምቛም ሕጊ ትራፊክን እውን ይጠቓለሉ እዮም።

ትካል "ክሮኖፎግደን" (Kronofogden)፡ ዝበዝሕ እዋን፡ "ክሮኖፎግደን" ጥራይ ተባሂሉ ይፍለጥ'ዩ። "ክሮኖፎግደን"፡ ንዘይተኸፍሉ ዕዳታት ምምሕዳር እዩ ስርሑ። ሓደ ሰብ፡ ዝግባኣኩም ገንዘብ ምስ ዝኣብየኩም፡ እዚ ትካል እዚ፡ ገንዘብኩም ንኽወሃበኩም ይሕግዘኩም። እዚ ትካል'ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕዳታት ምጽራይ (skuldsanering) 'ውን ይሰርሕ'ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቶም ብዙሕ ዕዳ ዘሎዎም፡ ቊጠብኦም ከስተኻኽሉ ይሕግዞም።

ብዓል መዚ ትምህርቲ ኵሎም ተመሃሮ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ንምግባር ይዓዪ። ብዓል መዚ ትምህርቲ ነቲ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ንቤት ትምህርቲ ዝምልከት ዝወሰንዎ ኣብ ምትግባር ይሕግዙ። ብዓል መዚ ትምህርቲ ንኣብነት ተመሃሮ እንታይ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዕላም ኮርሳትን ዓይነት ትምህርትን (kurs- och ämnesplaner) የዳሉ።

ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ሽወደን ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝዓያን ነቲ ዘሎ ሕግታት ይስዕብኦ ምህላወንን ይቈጻጸር። እቲ ሸቶ ኵሎም ተመሃሮ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ንምግባር እዩ። ኵሎም ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ ነገር ጽቡቕ ከም ዘየለ ኮይኑ እንተ ተሰሚዕዎም ናብ ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

መንግስታዊ ማእከል ኣገልግሎት ናይ’ቲ ሓያሎ ብዓል መዝታት ዝተሓባበርሉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣለዎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ካልእ ገዲፍካ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም፡ ቅጥዕታትን ምልክታታትን ንኽትመልእ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጕዳያትካ ሓበሬታ ክህቡኻን ዝተፈላለየ ምስኽር ወረቓቕትን መርትዖታትን ሓቲምካ ከተውጽእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣርበትስፎርመድሊኘን ሓበሬታ ክትረክብን ንዕኡ ንኽትጥቀመሉ ሓገዝ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ንወረቐት መንነት ከተመልክትን ካብኡ ክትወስዶን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብጀካ ብሽወደንኛ ኢንግሊዝኛን ብብዙሕ ካልኦት ቋንቋታት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት ይሰርሑ።