መሰላትን ግቡኣትን ውልቀ ሰብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 17 12 2018
እዚ ሓበሬታ ካብ መጽሓፍ ብዛዕባ ሽወደን እዩ።
ንምዕራፍ 4 ጸዓኖ (ዳውንሎድ) ግበሮ
ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነትን ማሕበራዊ ማዕርነትን፡ መሰላት ሕደ ጾታውያን፡ ድርብ ጾታውያንን ስግረ-ጾታውያንን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሕገ-ኣግልሎን ከተንብቡ ኢኹም።
ስእሊ: Colourbox
ብዛዕባ ናይ ምኽሪ ደገፍ ንስድራቤታት፡ ፍሉይ ማእከላት ደቀንስትዮን መሰል ህጻናት ኣብ ሕብረተሰብን (Barnen Rätt I Samhället, BRIS) ንዝብሉ ዛዕባታት ኣመልኪትኩም'ውን ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ከተንብቡ ኢኹም። መስል ህጻናትን መንእሰያትን ብመንጽር ሓላፍነት ወለዲ፡ ዓንኬላት ዓርከ መሓዛን ምትእስሳር ምስ ንጥፈታት ትርፊ ግዜን'ውን ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ተጠቒሱ ኣሎ።