ኣብ ሽወደን እቲ ሓድሽ ሂወትካ ጀምሮ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 20 6 2019
መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ እንታይ ክትገብር ከምዘድልየካን ነየኖት በዓል መዚታት ክትውከስ ከምዘለካን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
-
ናብ ሽወደን ምግዓዝ ኣመልክት
ናብ ሽወደን ክትግዕዝ ከለኻ ኣብዚ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ኣለካ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ንኽትክእል መጀመርታ ናይ ግድን ናብ ሽወደን ከም ዝገዓዝካ ከተመልክት ኣለካ። እዚ ናብ ሓደ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ ትገብሮ። ኵሎም ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ስድራ ቤትካ (ቈልዑ እውን) ምሳኻ ሒዝካዮም ምኻድ ከድልየካ እዩ።
-
Folkbokföring (ህዝባዊ መዝገብ)
ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ይምዝገቡ እዮም። ኣብኡ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ኣየኖት ሰባት ከም ዝቕመጡን ኣበይ ከም ዝቕመጡን ሓበሬታ ይምዝገብ።
ናብ ሽወደን ምግዓዝካ ምስ ኣመልከትካ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ኣለካ። እዚ ናብ ሓደ ካብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ ትገብሮ። ኵሎም ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ስድራ ቤትካ ቈልዑ እውን ምሳኻ ክህልዉ ኣለዎም። ብዓል መዚ ግብሪ ንዓኻን ስድራኻን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ መዝገብኹም፡ ናብቲ ግዒዝና ኢልኩም ዘመልከትኩሞ ኣድራሻ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትኩም ዝሓዘ ሓደ ደብዳቤ ይመጻኩም።
ናብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት እዚ ዝስዕብ ክህልወካ የድሊ፡
- ፓስፖርት
- ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ
- ምርዑውን ዘይምርዕውን ምዃንካ ዘረጋግጽ ሰነድ
- ቈልዑ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም ናይ ደቅኻ ወረቐት ምስክር ልደት
- ኣድራሻ
-
Personnummer (ቊጽሪ መንነት)
ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ንምርካብ ምስ ብዓል መዚ ግብሪ ርክብ ግበር። እቲ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ነዚ ዝስዕብ ክህልወካ የድሊ፡
- ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ክትቅበል ንኽትክእል።
- ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት
- ንወረቐት መንነት ንኸተመልክት
- ንኤለክትሮኒካዊ መንነት ንኸተመልክት።
- ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ መትከል እግሪ መደብ ንጥፈታት ንኽትካፈል።
-
Id-kort (ወረቐት መንነት)
ኢደ-ኩርት ኣሕጽሮት ናይ ወረቐት መንነት እዩ። ወረቐት መንነት፡ ዕድሜኻን መንነትካን ንምርግጋጽ (መን ሙዃንካ መርትዖ ምቕራብ)፡ ንኣብነት ካብ ቤት መድሃኒት መድሃኒት ክትወስድ ከለኻ፡ ኣብ ሓደ ድኳን ብካርድ ክትከፍል ከለኻ ወይ ኣብ ባንክ ጕዳይካ ከተሳልጥ ከለኻ ትጥቀመሉ። ወረቐት መንነት ንምውጻእ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተ ጽሕፈት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ቅድሚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ንወረቐት መንነት ከተመልክት ምብጻሕካ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ግድን ከተማልእ ኣለካ፡
- ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ሙኳን፡
- 13 ዓመት ዝመላእካ፡
- 400 ክሮና ናይ መመልከቲ ክፍሊት ዝተኸፈለን ከም ዝኸፈልካ ዘረጋግጽ ሓደ ቅብሊት ወይ ናይ ባንክ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከተርኢ ክትክእል ኣለካ።
- መን ሙኳንካ ከተርኢ ክትክእል (መንነትካ ከተረጋግጽ)። ቅቡል ዝኾነ ሰነድ መንነት (ንኣብነት ፓስፖርት) ወይ ብቑዕ መንበሪ ፍቓድ ምሳኻ ተማላእ።
- ናይ ወለድኻ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ (ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ)።
-
ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት
-
E-legitimation (ኤለክትሮኒካዊ ወረቐት መንነት)
ኤ-መንነት፡ ኣብ መርበብ (ኮምፕዩተር) ንስኻ ንስኻ ሙዃንካ ዘርኢ ወረቐት መንነትካ እዩ። ኣብ ኢንተርኔት ነቲ ኣገልግሎት ዝቕርብ ኣየናይ ብዓል መዚ፡ ኮሙን ወይ ትካል ( ንኣብነት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ብዓል መዚ ግብሪን) ሙዃኑ ብዘየገድስ ንብዙሕ ኣገልግሎታት ሓንቲ ኤ-መንነት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
ናይ ባንክ መንነትን (BankID) ተንቀሳቓሲ ናይ ባንክ መንነትን (Mobilt BankID) ካብቲ ዓሚል ዝኾንካሉ ባንክ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።
-
ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ርክብ ግበር
ናይ መንበሪ ፍቓድ ውሳኔ ምስ ተዋህበካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ትኽእል እንተ ዄንካ ይውስኑ። እቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝተዋህበካ ውሳኔ ምሳካ ሒዝካዮ ምኻድ ዘክር። ድሕሪኡ ጥራይ ኢኻ ንናይ እግሪ መትከሊ ክፍሊት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክትን ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝመርሑኻ ንጥፈታት ክትጅምር ትኽእልን።
-
ክፍሊት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት
ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ምስ ተመዝገብካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ተመልክት። ኣብ ወወርሒ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ተመልክት።