ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ኣብ ሽወደን መን ክጸንሕ ከም ዝፍቀዶ እቲ ናይ ወጻእተኛታት ሕጊ እዩ ዝቆጻጸሮ።

ኣየኖት ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ኣለዉ

ዝተፈላለዩ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ኣለዉ፡

  • ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎም መንበሪ ፍቓድ
  • ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ

ኣብ ሽወደን መብዛሕትኦም ሰባት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝወሃቦም። እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ነበረካ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ዕድል ኣለካ።

ከም ናይ ብጽሒት ስደተኛ (kvotflykting) ኴንካ ዝመጻእ፡ ብኡንብኡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዩ።

እቶም ዝተፈላለዩ መንበሪ ፍቓዳት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎም?

ስደተኛ - 3 ዓመት

ከም ስደተኛ ተቐባልነት ዝረከብካ፡ ሓደ ንሰለስተ ዓመት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ገና ዕቝባ የድልየካ እንተ'ሎ ኾይኑ፡ መንበሪ ፍቓድካ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ዝተናወሓ መንበሪ ፍቓድ ንኽልተ ዓመት እዩ ዘገልግል።

ከምኡ'ውን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ - 13 ኣዋርሕ

ብደረጃ ኣማራጺ ዕቝባ ተቐባልነት ዝረኸብካ፡ ናይ 13 ኣዋርሕ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ። ድሕሪ 13 ኣዋርሕ ገና ዕቝባ የድልየካ እንተ'ሎ ኾይኑ፡ መንበሪ ፍቓድካ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ዝተናወሓ መንበሪ ፍቓድ ንኽልተ ዓመት እዩ ዘገልግል።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ቤት ትምህርቲ ራድዮ ትምህርቲ (UR) ብዛዕባ ፍልልይ ኣብ መንጎ እቶም ዝተፈላለዩ መንበሪ ፍቓዳት ዝገልጽ ፊልም ገይሮም ኣሎዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ እዩ። እቲ ፊልም ብሽወደኛ፡ ዓረብኛ፡ ኩርደኛ፡ ፋርሰኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ተሕተ-ኣርእስቲ ኣሎዎ።