ምንዋሕ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ኣገልግሎቱ ክውድእ ከሎ ንምንውሑ ከተመልክት ተኽእሎ ኣሎካ። ጌና ዕቝባ የድልየካ ኣሎ እንተ ኾይኑ ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ካልኦት ምኽንያታ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም እውን መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ብኸምዚ ኣገባብ ንዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ተመልክት

ናይ ግድን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ኣሎካ። እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እቲ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ኣመልክት

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ መንበሪ ፍቕድ ንምንዋሕ ተመልክተሉ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት (e-tjänst) ኣሎ። እዚ ኣገልግሎት ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን እዩ። ናይ ግድን ባንክ-ኢደ ጌርካ ኢኻ ናብኡ ክትኣቱ ዘለካ።

እቲ መንበሪ ፍቓድ ንኽናዋሕ ኣብ ግዜኡ እንተ ዘይኣመልኪትካ

እቲ ናይ ቀደም መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ኣገልግሎቱ ምውድኡ ንሓድሽ መንበሪ ፍቓድ እንተ ዘይኣመልኪትካ፡ ውሳነ እንዳ ተጸባኻ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን እዩ። ከምኡ'ውን ሓደ ሓደ ረብሓታት ክትከስሮም ተኽእሎ ኣሎ፡ ንኣብነት ክፍሊት መትከሊ እግሪ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ወይ ክፍሊት ዕረፍቲ ወለዲ።

ብደረጃ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ትምሃር እንተ ኾንካ

ብደረጃ ናይ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ንምምሃር ንዝወሃበካ መንበሪ ፍቓድ ምእንቲ ክትዕቅቦ፡ ናይ ግድን ኣብ ትምህርትካ ብንጡፍ ከም ዝተሳተፍካ ብቐጻሊ ከተርኢ ኣሎካ። ናይዚ ጸብጻብ ተቕርበሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምሳኻ ርክብ ክገብሩ እዮም።

ብደረጃ ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ፡ ነብስኻ ንምኽኣል ዘኽእለኻ እኹል ገንዘብ ከተእቱ እንተ ኽኢልካ፡ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምምልካት

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ ኣለካ፤

  • ቀጻሊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘድሊ ጠለባት ዘማላእካ፡
  • እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ፡
  • ነብስኻ ባዕልኻ ክትናብያ ከም ትኽእል፡
  • ጥቁው ሂወት ከም ትነብር።