መንእሰያት ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ኣብዞም ገጻት ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ሂወትን ሓበሬታ ትረክብ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣየኖት መሰላት ምስ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ደረት ከም ዝተኣሳሰሩ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኵሎም መንእሰያት ናይ ትምህርቲ፣ ጽቡቕ ንኽህልዉ፣ ናጻ ግዜ ክህልዎም፣ ባህሊን ጽልዋ ክገብሩን መሰል ኣሎዎም።

ኣብ ሽወደን መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ነብሶም ዝኸኣሉ እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ብነቐፈታዊ ኣረኣእያ ንኽትሓስብ ትምሃር። ኣብ ሽወደን ትምህርቲ ብናጻ እዩ። ምሉእ ግዜ ዝመሃሩ ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ትምህርቲ ደገፍን (studiestöd) ቍጠባዊ ሓገዝ ክራይ ገዛን (bostadsbidrag) ክወስዱ መሰል ኣሎዎም። እዚ ባዕልኻ ኣብ ሂወት ኣየናይ መገዲ ከም ትወስድ ክትመርጽ ጽቡቕ ዕድል ኣሎካ ማለት እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ምናልባት ኣብ ካልእ ከተማ ንኽምሃሩ ካብ ገዛ ኣቐዲሞም ይግዕዙ እዮም።

ነብስኻ ክትክእል ትጽቢት ኣሎ፣ ኾይኑ ግን ወለድኻ፣ ናትካ መጕዚት ወይ ዝተመዘዘልካ መጕዚት ክሳብ 18 ዓመት ትመልእን ዓቕሚ ኣዳም ትበጽሕን ናትካ ሓላፍነት ኣሎዎም። ከም መንእሰይ መጠን ባዕልኻ ብዙሕ ክትኽእል የድልየካ እዩ። ቍጠባኻ ክትኣሊ፣ ክትምሃር ወይ ክትሰርሕ፣ ክትሓጽብ፣ ከተጽሪ፣ መግቢ ክትሰርሕን ምስ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ርክብ ክትገብርን ኣሎካ። ነዞም ነገራት ምስ ወለድካ፣ ኣብ ሓደ መንበሪ ወይ ቤት ስድራ (familjehem) ኣብ ትነብረሉ ዝነበርካ እዋን ትለማመዶም ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምሃሮም ኢኻ፡ ካልኦት ባዕልኻ ክትመሃሮም ዘሎካ እዮም።

ኣገደስቲ ደረት ዕድመ ኣብ ሽወደን

ሓደ ሓደ ደረት ዕድመ ንቈልዑን መንእሰያትን ንኽከላኸልሎም ተባሂሎም ዘለዉ እዩም። ንኣብነት ቅድሚ 16 ዓመት ምምላእካ ልምምድ ምዝዋር ማኪና ክትገብር ኣይፍቀደካን እዩ።

ካልኦት ናይ ዕድመ ደረት ንመንእሰያት መሰል ንኽረኽቡ ተባሂሎም ዘለዉ እዮም። ንኣብነት ከም 18 ዓመት ምስ መላእካ ምምራጽ ክትጅምር ምኽኣል።

ወለድኻ ስም ኣቦኻ (efternamn) ክትቅይር እንተ ደልዮምኻ፣ መጀመርታ ንስኻ ከተፍቅድ ኣሎካ።

ዓሰርተ ክልተ ዓመት ዝመላእካ እንተ ዄንካ፡ ንስኻ ነቲ ምርዓም ከየፍቀድካ ክትርዓም (ዘይወለድኻ ከም ውላዶም ከዕብዩኻ) ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ዋላ ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምምላእካ ሓሳባትካ ክትዛረብ መሰል ኣሎካ።

  • ናይ ሓላፍነት ዕደመ በጺሕካ ኣሎኻ ። እዚ ንሓደ ዝፈጸምካዮ ገበን ክትቅጽዓሉ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።
  • ሞፐድ (ደረጃ 1) ክትዝውር ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ሲነማ ንቈልዑ ክልኩላት ዝኾኑ ፊልምትታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
  • በሽክለታኻ ወይ ሞፐድካ ብቑዕ ኮፍ መበሊ እንተ ኣሎዋ ኾይኑ፡ ሓደ ሰብ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ዕድሚኡ ካብ 10 ዓመት ንታሕቲ ክኸውን ኣሎዎ።
  • ጾታዊ ርክብ፡ እቲ ሕጊ ብመሰረቱ ምስ ዝኾነ ካብ 15 ዓመት ዝንእስ ሰብ፡ ጓል ትኹን ወዲ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ኣይፍቀድን እዩ ዝብል። እቲ ሕጊ ንኽልተ መሳቱ ወይ ዳርጋ መሳቱ ዝኾኑ ሰባት ምስ ሓድሕዶም ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጽሙ ንምኽልካል ኣይኮነን ወጺኡ። እንታይ ድኣ፡ ሓደ ዓቢ ሰብ ነቶም ካብኡ ዝንእሱ ሰባት ከይብለጸሎም ንምክልኻል እዩ።
  • ታሽዓይ ክፍሊ ምስ ወዳእካ እቲ ናይ ትምህርቲ ግዴታ የቋርጽ።
  • ሓደ መጠነኛ፣ ካብ ሓደጋ ናጻ ዝኾነ ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ፡ ማለት 40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ምስራሕ። ግን እቲ ወሃብ ስራሕ ካብቶም ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ መሳርሕትኻ ንላዕሊ ናትካ ገና ዓቕሚ ኣዳም ዘይበጻሕካ ቁሩብ ዝያዳ ሓላፍነት ኣሎዎ።
  • ናትካ ትካል ከተበግስ ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ልዕሊ እቶም ዘእተኻዮም ገንዘብ (ከም ደሞዝ) ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል።
  • ናይ ፈኳስ ሞተርሳይክልን ትራክተርን መዘወሪ ፍቓድ ከተውጽእ ትኽእል።
  • ናይ መኪና ምዝዋር ልምምድ ክትጅምር ይፍቀደካ።
  • ናይ ምግዓዝ ምልክታ ከተእቱን ነቲ ምልክታኻ ባዕልኻ ክትፍርመሉን ይፍቀደካ።
  • ወላድካ ካብዚ ግዜ እዚ ንንየው ነቲ ናትካ ዝቕበልዎ ዝነበሩ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ኣይወስዱን። ብ ክንድኡ ሕጂ ትምሃር እንተ ዄንካ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ (studiebidrag) ይወሃበካ።

ብመሰረት ሕጊ፡ ወለድኻ ንዓኻ ናይ ምንባይ ግዴታኦም 18 ዓመት ምስ መላእካ የቋርጽ እዩ። እዚ ካብኡ ንደሓር ንዓኻ ናይ ምንባይ ግዴታ የብሎምን ማለት እዩ። ግን ገና ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትኻ ዘይወዳእካ እንተ ዄንካ፡ ናይ ወለድኻ ግዴታ ምንባይ ይቕጽል እዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ክሳብ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለኻሉ ወይ ክሳብ 21 ዓመት ትመልእ ክናብዩኻ ኣሎዎም።

  • ዓቕሚ ኣዳም ትበጽሕ።
  • ክትምርዖ ትኽእል።
  • ከተድምጽ ትኽእል።
  • ሽጋራ ክትዕድግ ትኽእል።
  • ኣብ ቤት መግቢ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ዱኳን ድማ ቢራ ክትዕድግ ትኽእል።
  • ናይ ማኪናን ከበድቲ ሞተርሳይክልን መዘወሪ ፍቓድ ከተውጽእ ትኽእል።

ካብ ሲስተምቡላገት (Systembolaget) ኣልኮላዊ መስተታት ክትገዝእ ይፍቀደካ።