ኣድራሻ-ኢንተርነት ምስ ሓበሬታ፡ ምኽርን ደገፍን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 12 2023

ቴራፈም'፡ ነተን ኣብ ልዕሊአን ዓመጽን-መውቃዕትን ዘጋጠመን ኣንስት ኣውላድን ኣብ ምሕጋዝ፤ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኩሮ ዘሎዎ እዩ። ንሳተን ብብዙሕ ቋንቋታት ክዛረባ ይኽእላ እየን።

Unizon ኡኒዞን 130 ናይ ደቀንስትዮ መጸግዒ ናይ ኣዋልድ መጸግዒ ከምኡውን ንምዕሩይን ካብ ዓመጽ ናጻ ዝኾነ ካልእ ናይ ሓገዝ ንጥፈታት ይጥርንፍ።

Kvinnofridslinjen፡ ነተን ምፍርራህን ዓመጽን ዘጋጥመን ደቀኣንስትዮ ዜገልግል ሃገራዊ መስመር ተሌፎን ሓገዝ እዩ።

Killfrågor.se ናይ ዕላል ወይ ናይ ቻት ገጽ ኮይኑ ኣብኡ ድማ ካብ 10 ክሳዕ 18 ዝዕድመኦም ኣወዳትን ኣጉልጾታ ኣወዳትን (ትራንስጀንደር) ብሕቡእ ምስ ወለንተኛታት የዕልሉ።

1000 ተኽእሎታት ነቶም ትሕቲ 25 ዕድመ ዘለዎምን ናይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተጓነፎምን ዝጓነፎምን ሓገዝን ደገፍን ይህብ።

እዚ FPES, Full Personality Expression Sweden ዝተባህለ ናይ "ትራንስ ማሕበር"፤ ናይቶም "ትራንስ" ዝዀኑ ሰባት፤ ንመሰሎም ኣብ ሕብረተሰብ ዚቋመት እዩ። እዚ ማሕበር'ዚ፤ ብዛዕባ "ትራንስ" ንዝልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ይህብ።

ROKS, ኣስታት 120 ናይ ተረኛ ኣገልግሎታት ዘሎዎ፤ ነቶም ብሰብኡት ዓመጽን መውቃዕትን ዘጋጥሞም ኣንስትን፡ ኣዋልድን ቆልዑን፤ ደገፍን ዑቕባን ዚህብ እዩ። ኣብ "ለስቢየን" ዝምድና ንዘሎዋ ውን ይሕግዝ'ዩ።

ናይ ሬዳ ባርነን ናይ ሓገዝ ቴለፎን ንንኣሽቱን መንእሰያትን ዝኸውን ብብዙሕ ቋንቋታት ዘገልግል ናይ ሓገዝ መስመር ቴለፎን እዩ። ብሚስጢር/መን ምዃንካ ከይተፈለጥካ ክትድውል እውን ትኽእል ኢኻ። እቶም ቴለፎን ዝምልሱ ዓበይቲ ናይ ስራሕ ልምዲ ዘለዎም ኮይኖም ንስኻ ከኣ ብቋንቋኻ ትዛረብ፣ ምኽርን ደገፍን ከኣ ትረክብ።

እቶም ዕድሚኦም ክሳዕ 18 ዓመት ዝገበሩ ቆልዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን፡ ካብ ዓቢ ሰብ ደገፍ ዘድልዮም እንተኾይኑ፡ መንነቶም ከይሓበሩን ዝኾነ ወጻኢ ገንዘብ ከይገበሩን ንBRIS ክውከሱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብኡ: ብዛዕባ ርክብ ስጋ: ብዛዕባ ጥዕናን ዝምድናታትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ከተንብብን ፊልም ክትርእን ትኽእል።

ክፉት መስመር ደቀንስትዮን ኣዋልድን: ነተን ንዓመጽ ዝተቓልዓ ደቀንስትዮ ስቱር መንበሪ ይህብ፤ ከምኡ'ውን ብቴለፎን ምኽርን ደገፍን ይህብ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዛረቡ።

ማሕበር ጾታዊ ትምህርቲ - RFSU - ኣብ ጾታዊ ትምህርትን ጾታዊ ፖሊሲታትን ዚሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ።

RFSL፡ ግብረ-ሰዶማውያን፣ ክልተ-ዝጾትኦምን ጾታ ዝቐየሩ ሰባትን፡ ከም ካልኦት ሓደ ዓይነት መሰላት፡ ዕድላትን ግዴታትን ከምዝህልዎም ንምግባር ዚሰርሕ እዩ።

ኣብቲ "kollpasoc.se" ዚብል ኣድራሻ ኢንተርነት፤ ብዛዕባ ቤትስልጣን "ማሕበራዊ-ኣገልግሎት" ደገፍን ሓበሬታን ዝህበካ ሓገዛት፤ ከምኡ ውን ምስ "ማሕበራዊ-ኣገልግሎት" ክትራኻ ከሎኻ ከጋጥሙኻ ንዚኽእሉ ከበድቲ ቃላት፤ ንምርድኦም ዘቃልለልካ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።