ቤት ትምህርቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 5 2023

ቤት ትምህርቲ፡ ንዂሎም ቆልዑን ንኣሽቱ መንእሰያትን ብዝተኻእለ መጠን ብዝበለጸ መገዲ ብኸመይ ከተዕብዮም ከምዘለዋ መምርሒ ዘቐመጠ ዝተፈላለየ ሕግታት ኣለዎ። ቤት ትምህርቲ፡ ንኣብነት፡ ንዝተፈላለየ ድሌታት ተማሃሮ ኣብ ግምት ዘእተወ ኪከውን ይግባእ። ከምኡውን፡ ተማሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ትምህርትን ክፍልን እንታይ ክምሃሩ ከምዝግብኦም መምርሒ ዚህብ ዝተፈላለየ ካሪክለም ኣሎ። ኣብዚ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሽወደን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንቤት ትምህርቲ ዝተፈላለየ ዝተሰርዐ ሸቶታት ኣሎ። ብሓፈሻ ንመባእታ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ሓደ ሸቶ ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ተምሃራይ ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ሓሊፉ እንተ ኾይኑ ዝውስን ሓደ ሸቶ ኣሎ። ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርትታት እንታይ ክትምሃር ከም ዘሎካ፡ ከምኡ'ውን ትምህርቲ ክትውድእ ከሎካ እንታይ ክትክእል ከም ዘሎካ መግለጺታት ኣሎ።

ናብ ሓደ ውሱን ደረጃ ንኽትበጽሕን ንኽትቅጽል ክትክእልን እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘሎካ፡ኣብቲ ስርዓተ ትምህርቲታት ናይ መባእታ ቤት ትምህርትን ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን ዝብሃል ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ 1-5 ክፍሊ እቲ ተምሃራይ ናይ ነፍስ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ሓደ ገምጋም ይወሃብ እዩ። እቲ ገምጋም ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎኻ ንኽትፈልጥ እዩ።

ካብ 6ይ ክፍሊ ጀሚሩ ሓንሳብ ኣብ ክፍሊ-ዓመት፡ ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ክትወሃብ ኢኻ። ኵሎም ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ትምሃሮም ዓይነት ትምህርትታት ናይ ፍልጠት ጠለብ ኣሎዎም። እቲ ናይ ፍልጠት ጠለባት እቲ ተምሃራይ ሓደ ውሱን ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ንኽረክብ እንታይ ክኽእል ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ ዘሎ። እቲ ወረቐት ምስክር ትምህቲ ሽዱሽተ ደረጃታት ኣሎዎ፡ ካብ A-F። ሓሙሽተ ናይ ምሕላፍ ደረጃታት ኣሎዋ፡ A፡ B፡ C፡ Dን Eን። F እቲ ተምሃራይ ኣይሓለፈን ማለት እዩ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ እቲ ተምሃራይ ናይ ነፍስ ወከፍ ዝተዛዘመ ዓይነት ትምህርቲን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዕዮን ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ይወሃቦ እዩ። ኵሎም ኣብ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ዘሎዉ ዓይነት ትምህርትታት ናይ ፍልጠት ጠለብ ኣሎዎም። እቲ ናይ ፍልጠት ጠለባት እቲ ተምሃራይ ሓደ ውሱን ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ንኽረክብ እንታይ ክኽእል ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ ዘሎ። እቲ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ፡ ነቲ ናይ ምምራቕ ጠለባት እንተ ኣማሊእካዮ ሓደ ናይ መመረቕታ ወረቐት ምስክር ትወሃብ። እንተ ዘይኮነ እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ወረቐት ምስክር የዳሉ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ መባእታ ትምህርቲ ንኽትመሃር ግዴታ እዩ። ናይ ትምህርቲ ግቡእነት ከም መሰልን ግዴታን ይውሰድ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ክትምሃር መሰል ኣሎካ ግን ከኣ ኣብቲ እቲ ቤትትምህርቲ ዚእዝዞ ኩሉ ክትሳተፍ ድማ ኣሎካ።

እቲ ቈልዓ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ክሳብ እቲ ቈልዓ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝውድእ ወይ 18 ዓመት ዝመልእ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ኣለዎ።

ግዱድ ትምህርቲ ምስ ኣብቀዐ ነቲ ናይ ፍልጠት ጠለብ ምስ ዘይትውድኦ ነቲ ትምህርቲ ንምውዳእ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ንኽትምሃር መሰል ኣሎካ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ እቲ ግዱድ ትምህርቲ ተናዊሑ ማለት ኣይኮነን። ናብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ መተኣታተዊ መደብ ንምውሳድ ክትመርጽ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ንኽትጸንሕ ወይ ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘሎ ናይ መተኣታተዊ ስልጠና ንኽትጅምር ባዕልኻ ኢኻ እትመርጽ። ግዱድ ትምህርቲ ንኻልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣይምልከትን፡ ንስኻ ናይ ካልኣይ ደረጃ መደብ ትወስድ ዘሎኻ ግን ኣብቲ ትምህርቲ ክትሳተፍ ትጽቢት ይግበረልካ እዩ።

እንተ ወሓደ ሓንሳብ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ-ዓመት እቲ መምህር፡ ተምሃራይን (ንስኻ) ናትካ መጕዚ ወይ ወላዲ ሓደ ናይ ምዕባለ ዝርርብ ኣሎኹም። ኣብቲ ናይ ምዕባለ ዝርርብ፡ ብዝበለጸ ንኽትምዕብል ከመይ ጌርካ ከም ትሕገዝ ትዘራረቡ። ብዛዕባ ናይ ፍልጠት ምዕባለን ናይ ማሕበራዊ ምዕባለን ኢኹም ትዘራረቡ።

ከም ተምሃራይ መጠን ነቲ ናይ ፍልጠት ጠለብ ኣብ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነት ትምህርቲ ክትበጽሖ ዘስግእ እንተ ኾይኑ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ሓገዝ ጻዕርታት ንምርካብ መሰል ኣሎካ። እዚ ኣድላይነት ናይ ብዝያዳ ምስምማዕ ወይ ፍሉይ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዝያዳ ምስምማዕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ንቡር ትምህርቲ ናእሽቱ ናይ ሓገዝ ጻዕርታት ምግባር እዩ።

ሓደ ዝያዳ ምስምማዕ ዝተገብረሉ ተምሃራይ ናብቲ ናይ ፍልጠት ጠለብ ንኽበጽሕ ዘስግእ እንተ ኾይኑ፡ እቲ መምህር ነዚ ንርእሰ መምህር ክሕብሮ ኣሎዎ። ሽዑ እቲ ርእሰ መምህር እቲ ተምሃራይ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ክምርምሮ ኣሎዎ። እቲ መርመራ፡ እቲ ተምሃራይ ፍሉይ ሓገዝ ከም ዘድልዮ እንተ ኣርእዩ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ንጥፈት መደብ ምድላው ኣሎዎ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምምሃር ብወለንታ እዩ ዝግበር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ወይ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ፡ ሞያዊ መደብን ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንምእታው መቀራረቢ መደብን ኣለዉ።

ኣብ ሞያዊ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ንኽትክእል ናይ ሽወደኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ተወሰኽቲ ካልኦት ሓሙሽተ ዓይነት ትምህርትታትን ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድልየካ እዩ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ሸሞንተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መቀራረቢ መደብ ክትምሃር ንኽትክእል፡ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ካልኦት ተወሰኽቲ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲን ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ናብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ መላለዪ መደባት ትምህርቲ ዝምልከት ፍጥነት ትምህርቲ፡ መጠንን ትሕዝቶን ተዓጻጸፍቲ እዮም። እዞም መደባት ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረካ ፍልጠትን ሕጂ ምስ ዘድዩኻካ ነገራትን ከም ዝሰማምዑ ክኾኑ ዘለዎም እውን እዮም።

ካብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ክትረክብ እንተ ዘይክኢልካ፡ ካልኦት ኣማራጽታት ኣሎዉ።

ብዛዕባ ገለ ነገር ንትምህርትኻ ዝምልከት ርእይቶ ኣሎካ ኾይኑ ወይ ዘይዕጉብ ኴንካ፡ ብቐዳምነት ምስ ሓደ መምህር ወይ ርእሰ መምህር ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ክትገብር ኣሎካ።

እቲ መምህር ወይ ርእሰ መምህር ዘይሰምዑኻ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ ናይታ ቤት ትምህርቲ ሓላፊ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓደ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ሓላፊ እቲ ኮሙን እዩ። ከምኡ'ውን እቶም ሽማግለታታ ንናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ። ገና እቶም ናትካ ርእይቶታት ብዕቱብ ዘይተታሕዙ ኾይኖም እንተ ተሰሚዑካ፡ ናብ ተቘጻጸርቲ ቤት ትምህርቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ተቘጻጸርቲ ቤት ትምህርቲ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝቈጻጸር ብዓል መዚ እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ኵሎም ውሕስነት ክስምዖም መሰል ኣሎዎም። ከምዚ ክንሱ ብሕማቕ እንተ ተታሒዝካ ወይ ተዳሂልካ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ግድን ክሕግዘካ ኣሎዎ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብኻልኦት ተምሃሮ ወይ ዓበይቲ ብሕማቕ እንተ ተታሒዝካ ንናይ ቈልዑን ተምሃሮን ተሓላቓይ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ።

ስርዓት ቤት ትምህርቲ

ናይ ሽወደን ናይ ቤት ትምህርቲ ስርዓት ብዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ናይ ትምህርቲ ዓይነታት ዝቖመ እዩ። ኣብዚ ታሕቲ ሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ መግለጺ ይወሃብ።

መውዓሊ ህጻናት

መውዓሊ ህጻናት፡ ንህጻናት ካብ 1 ዓመት ክሳብ ትምህርቲ ዝጅምሩ ዝኸውን ሓደ ስነ-ምምህርናዊ ናይ ጕጅለ ንጥፈት እዩ። ቈልዑ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ይጅምሩን ንዝተፈላለየ ንውሓት ግዜ ይሳተፉን። እቲ ናይ መውዓሊ ህጻናት ንጥፈት ካልእ ገዲፍካ ንወለዲ፡ ተግባር ወላዲ ምስ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ከተሓሕዝዎ ከም ዝከኣል ክገብር ኣሎዎ።

ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ

ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ሓደ ግዴታዊ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኡላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ ናብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ይኸዱ። እቲ ትምህርቲ ናይቶም ቈልዑ ምዕባለ ከነቓቕሕን ንቐጻሊ ትምህርቲ ዝቐራርብን ክኸውን ኣሎዎ።

ናይ ናጻ ግዜ ቤት

ኮሙናት ክሳብ እቲ ቈልዓ 13 ዓመት ዝመልኣላ ወቕተ-ትምህርቲ ጽድያ ናይ ናጻ ግዜ ቤት ክቕርባ ግዴታ ኣሎወን። እተን ኮሙናት እቲ ቈልዓ ካብታ 10 ዓመት ዝመልኣላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ናጻ ግዜ ቤት ክፉት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ቀረብ ክህባ ይኽእላ እየን። እቲ ናይ ናጻ ግዜ ቤት መመላእታ ናይ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲን ቤት ትምህርትን ኾይኑ ንወለዲ፡ ተግባር ወላዲ ምስ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ከተሓሕዝዎ ከም ዝከኣል ክገብር ኣሎዎ።

ስነ-ምምህርናዊ ሓልዮት

ድልየት እንተ ኣልዩ ኾይኑ፡ እተን ኮሙናት ኣብ ክንዲ መውዓሊ ህጻናት ወይ ናይ ናጻ ግዜ ቤት ነቲ ቈልዓ ስነ-ምምህርናዊ ሓልዮት ክቕርባሉ ክጽዕራ ኣሎወን።

ትምህርቲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ

እቲ ቈልዓ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ክሳብ እቲ ቈልዓ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝውድእ ወይ 18 ዓመት ዝመልእ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ኣለዎ።

ፍሉይ ቤት ትምህርቲ

ግዴታ ትምህርቲ፡ ካብታ እቲ ቈልዓ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ክፍሊ-ዓመት ቀውዒ ይጅምር። ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ግዴታዊ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 10ይ ዓመተ ትምህርቲ (ክፍሊ) ትምህርቲ ኣለዎ።

ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ (anpassad grundskola)

ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ (Anpassad grundskola) ንዅሎም ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ፡ ምስ ኵነታት ነፍስ ወከፍ ቈልዓ ዝሰማማዕ ትምህርቲ ክህብ ኣለዎ።

ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ንቐጻሊ ትምህርትን ናይ ስራሕ ሂወትን መባእታዊ ፍልጠት ይህበካ እዩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ 18 ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ኣለዉ፡ ሽዱሽተ ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘቐራርቡ መደባትን 12 ናይ ሞያ መደባት ትምህርትን እዮም። ብተወሳኺ ሽዱሽተ ብሃገር ደረጃ ዝቕበላ ናይ ካልኣይ ደርጃ መደብ ትምህርትን (riksrekryterande gymnasieprogram) ኣርባዕተ መላለዪ መደብ ትምህርትን እውን ኣሎ።

ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (anpassad gymnasieskola)

ክትመርጾ እትኽእል ሃገራዊ መደባትን ናይ ውልቂ መደባትን ኣሎ። ሓደ ተምሃራይ ቅድሚ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምጅማሩ እታ ዝቕመጠላ ኮሙን እቲ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ነቲ ተምሃራይ ትኽክለኛ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ ሓደ ትምህርታዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ሕክምናውን ማሕበራውን ግምገማ ትገብር።