ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ (CSN)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 2 2023

ኣብ ሽወደን ክትምሃር መብዛሕትኡ ግዜ ብናጻ እዩ። ኣብ ትምሃረሉ እዋን ወጻኢታትካ ንምሽፋን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሓትን ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ CSN ምሕታት ትኽእል ኢኻ ።

መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ ኾይኑ ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነየኖት ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሓትን ከተመልክት ከም ትኽእል፡ ኣብ ዕድሜኻን ኣበየናይ ደረጃ ከም ትምሃርን ዝተመርኮሰ እዩ።

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሓትን፡ ፊልም ካብ ሲኤስኤን ርኣ

ሓገዝ ትምህርቲ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ትምሃር እንተ ዄንካ ክሳብ እታ 20 ዓመት ትመልኣላ ዘላ ናይ ጽድያ ክፍለ-ትምህርቲ ሓገዝ ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓገዝ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ቍጠባዊ ሓገዛት፡ ንኣብነት ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲን ዝያዳ መወሰኽታን ዝቖመ እዩ።

16 ዓመት ምስ መላእካን ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ክትምሃር ምስ ጀመርካን ንቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናይ ግድን ምሉእ ሰዓታት ክትምሃር ኣለካ።

ዝያዳ መወሰኽታ፡ ስድራኻ ውሑድ ገንዘብ ዘእትዉ እንተ ኾይኖም ከተመልክቶ ትኽእል ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ። ትሕቲ 18 ዓመትን ናብ ሽወደን ብዘይ ወለድኻ መጺእካ እንተ ዄንካን፡ ክንደይ ገንዘብ ከም ተእቱ እዩ ዝቝጸር።

መብኰሪ እንተ ዄንካ ነቲ ቝጠባዊ ሓገዝ መሰል የብልካን። ኣብ ከምዚ ኵነት ሲኤስኤን ነቲ ምኽፋል ጠጠው የብልዎን ተመሊስካ ገንዘብ ክትከፍል ከድልየካ ይኽእል ይኸውንን እዩ። ንዓኻን ስድራኻን ዘለውኹም ካልኦት ቍጠባዊ ሓገዛት፡ ንኣብነት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝወሃብ ሓገዝ ክራይን መወሰኽታ ንዝያዳ ቈልዑን እውን ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም።

መናበሪ ተምሃራይ

ካብታ 20 ዓመት ዝመላእካላ ዕለት 1 ወርሒ ሓምለ ጀሚርካ ፡ ንመናበሪ ተምሃራይ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ድሕረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር እንተ ዄንካ ዕድሜኻ ካብ 20 ዓመት ንታሕቲ እንተ ኾነ እውን ንመናበሪ ተምሃራይ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

መናበሪ ተምሃራይ ብቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ዝቖመ እዩ። ናይ ግድን ገንዘብ ክትልቃሕ የብልካን። እንተ ደሊኻ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ጥራይ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። መሰል ናይ ደገፍ ትምህርቲ ንኽህልወካ ናይ ግድን ዝተፈላለዩ ኵነት ከተማልእ ኣለካ፡ ንኣብነት እንተ ወሓደ ናይ ግድን ብፍርቂ ግዜ ክትምሃር ኣለካ።

ናብዮት ናይ ቈልዓ እንተ ኣለካ ኾይኑ ተወሳኺ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መወሰኽታ ቍጠባዊ ሓገዝ ይብሃል።

ገንዘብ እንተ ተለቂሕካ፡ ናይ ግድን ተመሊስካ ነቲ ገንዘብ ክትከፍሎ ኣለካ። ዋላ'ውን ካብ ሽወደን እንተ ገዓዝካ ናይ ግድን ነቲ ገንዘብ ተመሊስካ ክትከፍሎ ኣለካ። ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካን ንኽንደይ ግዜን፡ ካልእ ገዲፍካ ብዝሒ ዝተለቃሕካዮን እቲ ወለድ ክሳብ ክንደይ ልዑል ምኳኑን እዩ ዝውስኖ።

ደገፍ ፈለማ ትምህርቲ

ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ኴንካ ኣለኻን፡ ስራሕ ንምርካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃር የድልየካ ኣሎን ድዩ? ኣብ ከምዚ ኵነት ንደገፍ መጀመሪ ትምህርቲ (studiestartsstöd) መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ( ኮምቩክስ) ወይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃር ክወሃበካ ዝኽእል ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ። ንደገፍ መጀመሪ ትምህርቲ መሰል ንኽህልወካ፡ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦን ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 25ን 60ን ዓመት ክከውን ኣሎዎ። ከምኡ’ውን ከተማልኦም ዘለካ ብዙሓት ጠለባት ኣለዉ።

ኣብቲ ትቕመጠሉ ኮሙን ኢኻ ንደገፍ ፈለማ ትምህርቲ ተመልክት። ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ወይ ኮሙን ምስ መን ክትራኸብ ከም ዘለካ ክሕብረካ ይኽእል እዩ።