ዝተፈላለዩ ትምህርትታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 14 12 2023

ክትምህር ንእትደሊ፡ ብመሰረት እንታይ ክትምሃር ከም ትደሊ፡ ቅድሚ ሕጂ ትምሃር እንተ ኔርካ ዄንካን ንኽትምሃር ኣየናይ ሜላ ከም ዝሰማምዓካን፡ ካብ መንጎ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ንዓበይቲ ሓበሬታ ኣሎ።

ኮሙን ብናይ መባእታ ደረጃን ናይ ካልኣይ ደርጃን ናይ ኣባጽሕ ትምህርቲ የዳሉ፡ እዚ ኮምቩክስ ይብሃል። ኮምቩክስ ንዓኻ ትምህርትታት ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትምሃር ትደሊ ግን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃር ልዕሊ ዕድመ ዝኾንካ እዩ።

20 ዓመት እንተ መሊእካ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ወይ ክትምዝገብ እንተ ዄንካን እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህቦ ፍልጠታት ዝጎድለካ እንተ ዄይኑን ኣብ ኮምቩክስ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

እቲ ትምህርቲ ኣብ ልክዕ ደረጃ ምእንቲ ክጅምር ክኽእል ፍልጠታትካ ኣቐዲሙ ይግምገሙ እዮም። ኣብ ኮምቩክስ ሓደ ወይ ብዙሓት ኮርሳት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ምሉእ ግዜ ወይ ክፋል ግዜ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ኣብ ኮለጅ፡ ሞያዊ ኮለጅ ትምህርትኻ ክትቅጽል ወይ ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ክፍሊት ኣብ ኮምቩክስ ክትምሃር ከለኻ

ኣብ ኮምቩክስ ትምሃር እንተ ዄንካን ንኣብነት ናይ መትከል እግሪ ክፍሊት ዘይትወሃብ ዄንካን፡ ካብ ሲኤስኤን ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ክትሓትት ትኽእክ ኢኻ።

ምርግጋጽ ብቕዓት ፍልጠታትካ

ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩኻ ፍልጠታት ኣብ ኮምቩክስ ብቕዓቶም ከተረጋግጾ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቶም ፍልጠታትካ ተመርምሮም፡ ተገምግሞምን ተሰንዶምን ማለት እዩ። እዚ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዘጥረኻዮም ፍልጠታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ። እቲ ምርግጋጽ ብቕዓት ስራሕ ንኽትረክብ ወይ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ዘሎካ ዕድል የዛይዶ። እቲ ምርግጋጽ ብቕዓት ብመሰረት ዘለዉኻ ኵነትን ድልየትን ክፍጸም ኣሎዎ።

ክትምህሃር ወይ ምርግጋጽ ብቕዓት ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዘለካ ነቲ ኣብ ኮምቩክስ ዝሰርሕ ናይ ትምህርትን ሞያን ኣማኻሪ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ብመገዲ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ናይ እግሪ ምትካል መደብ ትሳተፍ እንተ ዄንካ ድማ ንናትካ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ።

ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ንዓኻ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለካ ወይ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ዘጋጠመካ ሰብ ዝኸውን እዩ። እዚ ትምህርቲ ሓደ ሓደ ግዜ “ሴርቩክስ (Särvux)” ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ሌርቩክስ (Lärvux)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኮሙን ነዚ ትምህርቲ ብደረጃ መባእታን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን የዳልዎ። ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ኤስኤፍኢ፡ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት እውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

20 ዓመት እንተ መሊእካ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ወይ ክትምዝገብ እንተ ዄንካን እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህቦ ፍልጠታት ዝጎድለካ እንተ ዄይኑን ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ልክዕ ደረጃ ምእንቲ ክጅምር ክኽእል ፍልጠታትካ ኣቐዲሙ ይግምገሙ እዮም።

ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ ናይ ሓደ ፍሉይ ሞያ ትምህርቲ እዩ። ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ኮምቩክስ ወይ ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕ ክትምሃሮ ትኽእል። ከምኡ'ውን ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ገለ ካብቶም ናይ ሞያ ኮለጃት ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ምስ ብዙሓት ትካላት ርክብ ክትገብር ኢኻ። ንኣብነት ልምምድ ክትገብር ክትክእል ኢኻ። እዚ ድሕሪ ትምህርቲ ምውዳእካ ስራሕ ንኽትረክብ ዕድልካ የዛይዶ።

ትምህርቲ ተልመዴን ኣብ ኮምቩክስን ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕን ዝወሃብ ሓደ ዓይነት ሞያዊ ትምህርቲ እዩ። ሓደ ትምህርቲ ተልመዴን መባእታዊ ሞያዊ ትምህርቲን ተወሳኺ ተመኩሮን ናይ ሓደ ሞያ ንምርካብ ክትምሃሮ ትኽእል። ከምኡ'ውን ብሓገዝ ናይ ሓደ ዓላማይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ተወሳኺ ፍልጠት ናይ ሓደ ዓውዲ ሞያ ክትርክብ ትኽእል።

ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንኣባጽሕ ተምሃሮ እዩ። ኣብኡ ናይ መባእታዊ ደረጃን ካልኣይ ደረጃን ትምህርታት ትምህርቲ ትምሃር። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትምሃረሉ እዋን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክትቕመጥ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ትምህርትታት ወይ ፍሉይ ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል። ኣብ ክንዲ ትምህርትታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሓደ ሓደ ግዜ እውን ኣብ ክንዲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲን ሓፈሻዊ ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓደ ፍሉይ ኣርእስቲ ዝዓለሙ ፍሉያት ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ሙዚቃ ወይ ስነ-ጥበብ ክትምሃር ትኽእል። ከምኡ'ውን ሓደ ፍሉይ ሞያ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ነፍስ ወከፍ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መን ከም ዝመሃር ይውስን። እተን ህዝባውያን ቤት ትምህርትታት ናይ ባዕለን ስርዓት ወረቐት ምስክር ኣሎወን። ትምህርትታት ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ዘእቱ መባእታዊ ብቕዓት የውህበካ እዩ። መባእታዊ ብቕዓት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትምሃር ንኽትክእል ዘድልይኻ ፍልጠታት ኣሎዉኻ ማለት እዩ።

ናይ ሽወደን ዘይኮነ ናይ ካልእ ሃገር ናይ ሓደ ሞያ ትምህርቲ እንተ’ለካ ኾይኑ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ብሓደ ሞያ ሰሪሕካ እንተ ኔርካ ዄንካ፡ መማልእቲ ትምህርቲ ክትምሃር ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ብሓደ ሞያ ንክትሰርሕ ዝጠልቦ ክትምሃሮ ዘለካ ሓደ ትምህርቲ እዩ።

መማልእቲ ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ኣለዉ። ንኣብነት ናይዞ ዝስዕቡ ትምህርትታት ኣለዉ፡

  • ስነ-ቍጠበኛ
  • መሃንድሳት
  • ኣለይቲ ሕሙማት
  • ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት
  • ክኢላታት ተክኖሎጂ ሓበሬታ
  • ሓኻይም
  • መማህራን

እቶም ትምህርትታት ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ንውሓት ኣለዎም። እቲ ትምህርቲ ኣብ ትምሃረሉ እዋ ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ ሲኤስኤን ደገፍ ትምህርቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ ናብ ዋሕዲ ብዙሓት ዝተማህሩ ሞያተኛታት ዘሎዎ ስራሕ ዝተኮረ ትምህርቲ እዩ። ኣየኖት ትምህርትታት ከም ዘለዉ እቲ ስራሕ ዕዳጋ ኣብቲ እዋን እቲ ከመይ ከም ዘሎ እዩ ዝጸልዎ።

ሓደ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ እንተ ተማሂርካ ብርግጽ ኣይኮነን ሓደ ስራሕ ክትረክብ፡ ግን እቲ ትምህርቲ ብምምሃርካ ሓደ ስራሕ ንኽትረክብ ዕድልካ ይዛይድን ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብዝያዳ ሰሓቢ ትኸውንን።

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ

ሓደ ኣገባብ ናይ ምምሃር ብርሕቀት ምምሃር እዩ። ብርሕቀት ትምሃር እንተ ዄንካ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ወይ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ንኽትምሃር ኣይትኸይድን ኢኻ። ኣብ ክንድኡ ኣበይ ኴንካ ከም ተጽንዕ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ወይ ቤት ንባብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ሓደ ትምህርትታት ሰብ ኢንተርኔት ጥራይ ይጥቀም። ካልኦት ትምህርትታት ንኣብነት ኣብ ዓመት ምስ መምህርን ካልኦት ተምሃሮን ትራኸበሉ ገለ ኣጋጣሚታት ኣሎዎም።ኣብ መንጎ እቲ ርክባት ዘሎ ግዜ ብመንገዲ ኢንተርኔት፡ ኢ-መይል ወይ ተለፎን ርክብኩም ትቕጽሉ።

ብዙሃት ዝተፈላለዩ ብርሕቀት ዝወሃቡ ትምህርትታት ኣሎዉ። ሓጸርቲ ኮርሳትን ነዋሕቲ መደባት ትምህርትን ብርሕቀት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናይ ርሕቀት ትምህርትታት ብምሉእ ግዜ ወይ ብኽፋል ግዜ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን

ንዓኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትመሃር ትደሊ

ኣብ ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትምሃር ንኽትክእል ሽወደናዊ ዜጋ ወይ ኣብ ሽወደን ተቐማጢ ምዃን ኣየድልየካን እዩ። ናይ ትምህርቲ ክፍሊታት ምኽፋል ንኽተርፈልካ ናይ ግድን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም/ስዊዘርላንድ ዜጋ ክትከውን፡ ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድ (ብምኽንያት ትምህርቲ ዘይኮነ) ዘሎካ ክትከውን ኣሎካ።

ንስኻ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ትደሊ ዘሎኻ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንጽል ኮርሳት ወይ ምሉእ መደብ ክትመሃር ዕድል ኣሎካ። ክትመርጾ እትኽእል ብዙሕ ኮርሳትን መደባትን ኣሎ። ግን ኣብኦም ንኽትጅምር ዝተፈላለየ ናይ መእተዊ ጠለባት እዩ ዘሎ። እተን ዝተፈላለያ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን፡ ዝተፈላለየ መደባትን ኮርሳትን ይቕርባ። ኣየኖት ኮርሳትን ትምህርትታትን ኣበየኖት ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ከም ዝቕረቡን ንነፍስ ወከፍ ኮርስ ወይ ትምህርቲ ኣየኖት ናይ መእተዊ ጠለባት ክማልኡ ከም ዘለዎምን ንምርካብ ነብዞም ዝስዕቡ መርበብ ሓበሬታ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡

ብቕዓት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ንምምሃር

ኣብ ኮለጅ ክትምሃር ንኽትኽእል ገለ ኣቐዲምካ ዘጥረኻዮ ፍልጠት የድልየካ እዩ። ሓደ መባእታዊ ብቕዓት ብመንገዲ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ወይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ዝረኸብካዮ ምሉእ ወረቐት ምስክር የድልየካ እዩ። ነቲ ተለብ ናይ መባእታዊ ብቕዓት ንኸተማልእ ብተወሳኺ ሓደ ሓደ ፍሉያት ኮርሳት ዝተመሃርካ ክትከውን የድሊ እዩ።

እቶም መብዛሕትኦም ትምህርትታት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ክፈላሊ ዝኽእል፡ ፍሉይ ብቕዓት ይጠልቡ እዮም። እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓደ ፍሉያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርሳት ዝተምሃርካን መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸብካን ማለት እዩ። ግን ጠለብ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ምፍታን ናይ ስራሓት ወይ ናይ ኮለጅ ኮርሳት ማለት ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።

ኣማልእ

ነቲ ንስኻ ትደልዮ ኮርስ ወይ ትምህርቲ ንኽትምሃር ብቑዕ እንተ ዘይኴንካ፡ ከተማልእ ተኽእሎ ኣሎካ። ኣብ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ወይ ትምህርትታት ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ጌርካ ከተማልኦ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ትምህርቲ ደረጃታት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን

ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ኵሎም ኮርሳትን መደባትን ኣብ ሰለስተ ደረጃ ይምቀሉ እዮም። እዞም ደረጃታት፡ መባእታዊ ደረጃ፡ ዝለዓለ ደረጃን ናይ ምርምር ደረጃን እዮም። ኵሎም እቶም ደረጃታት እቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ደርጃ እዮ መሰረቶም። ንስኻ ንመጀመርታ ግዜኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትምሃር ዝኾንካ፡ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ኢኻ ትጅምር።

መባእታዊ ደረጃ

ኣብ ሓደ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትምህርትታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ዘይሓትት ኮርስ ናይ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ዓውዲ ምምሃር ትጅምር። እቶም ኣዚዮም መብዛሕትኦም ኣብ መባእታዊ ደረጃ ዝወሃቡ መደባት፡ ብምሉእ ግዜ ትምሃር እንተ ዄንካ ናይ ሰለስተ ዓመት እዮም።

ዝለዓለ ደረጃ

ኣብ ሓደ መደብ ብዝለዓለ ደረጃ ክትምሃር ንኽትክእል፡ ናይ ግድን እንተ ወሓደ ብናይ ሰለስተ ዓመት ናይ መባእታ ደረጃ ዲግሪ ወይ ምስኡ ዚመጣጠን ናይ ወጻኢ ሃገር ዲግሪ ወይ ተመጣጣኒ ብቕዓት ክህልወካ ኣሎዎ።

ዝተፈላለየ ናጻ ኮርሳት ኣብ ናይ ዝለዓለ ደረጃ እውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ኣብ ማባእታ ደረጃ ዝተመሃርካ ክትከውን ይጠልብ እዩ። ዲግሪ ንኽህልወካ ኣይጠልብን እዩ።

ናይ ምርምር ደረጃ

ኣብ ናይ ምርምር ደረጃ ክትምሃር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናይ ዝለዓለ ደረጃ ዲግሪ ይሓትት እዩ።