ወላዲ ምዃን
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 3 2025
ወለዲ ንምዕባለን ጥዕናን ቈልዑ ኣገደስቲ እዮም። ንስኻ ወላዲ ዝኾንካ ወይ ወላዲ ክትከውን ዝኾንካ፡ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲን መውዓሊ ህጻናትን፡ ውላድካ ኣብ ሽወደን ምስ ዝውለድ ብዛዕባ እንታይ ክትሓስብ ከም ዘለካን መንበሪ ፍቓድካ ምስ ተዋህበካ ኣብ ወላዲ ምዃንኻ ኣየናይ ካልእ ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእልን ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ንኽረክብ ኣመልክት
ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣብያተ ትምህርቲ ንኹሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑ ተባሂሉ ዘሎ እዩ። ውላድካ ካብታ 6 ዓመት ዝመልኣሉ እለት ጀሚሩ ክሳብ እቲ ቆልዓ 9ይ ክፍሊ ዝውድእ ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ቆልዓ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክመሃር ክመርጽ ይኽእል እዩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣማራጺ እኳ እንተ ኾነ ስራሕ ንምርካብ ግን ኣገዳሲ እዩ - መብዛሕትኡ ስራሕ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዲፕሎማ ይሓትት እዩ።
ካብ 1 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ውላድካ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ ትደሊ እንተ ዄንካ ናይቲ ቈልዓ ክፍሊት ምኽፋል ከድልየካ እዩ።
ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ንኽወሃቦ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን ተራኸብ። ሽዑ እቶም ሰራሕተኛታት ኮሙን ብዛዕባ እተን ዘለዋ መውዓሊ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ሓበሬታ ክህቡኻን ከመይ ገይርካ ከም ተመልክት ክነግሩኻን እዮም። ኣብ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ክትርክብ ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል፡ ውላድካ ቦታ ንኽረክብ ብዝተኻእለ መጠን ብኣግኡ ኣመልክት።
ውላድካ ኣብ ሽወደን እንተ ተወሊዱ
ኣብ ሽወደን ዝውለዱ ቈልዑ ከም ናይ ወለዶም ዜግነት ይወሃቡ። ንስኻ ወላዲ እትኸውን ናይ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ እትርከብ ሃገር ዜጋ እንተኾንካ፡ ንውላድካ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ኣለካ። እቲ ቈልዓ ዋላ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ይኹን መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦ ከተመልክት ኣለካ።
ንስኻን መጻምድትኻን ዘይተመርዓኩም ምስ እትኾኑ፡ አቦ ምዃንካ ክረጋገጽ አለዎ
እቲ ቈልዓ ክውለድ ከሎ ንስኻን መጻምድትኻን ምርዕዋት እንተ ነይርኩም፡ ብዓል መዚ ግብሪ ብቐጥታ ንኽልቴኹም ከም ወለዲ ይምዝግበኩም። ምርዕዋት እንተ ዘይኮንኩም ግን ካባኹም እቲ ነቲ ቈልዓ ዘይወለደ (ኣቦ) ወላዲ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ።
ወላዲነት ብሓደ ካብዞም ዝስዕቡ መንገድታት ገርካ ኣረጋግጽ፦
- ነቲ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ”Digital föräldraskapsbekräftelse” (ዲጂታል ምርግጋጽ ወላዲነት) ዝብል ተጠቀም።
- ምስ እቲ ቈልዓ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገበሉ ኮሙን ዘሎ ሽማግለ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተራኸብ።
እቲ ቈልዓ ምስቲ ካባኹም ዘይሓረሶ ወላዲ ምእንቲ ሕጋዊ ምትእስሳር ክህልዎ፡ መረጋገጺ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ሕጋዊ ምትእስሳር ማለት፡ እቲ ቈልዓ ካልእ ገዲፍካ ንውርሻ፡ መናበዪ፡ ስምን ዜግነትን መሰል ይህቦ ማለት እዩ።
ምስ ውላድካ ኣብ ገዛ ንኽይህሉ ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
ወላዲ ምስ ኮንካ ምስ ውላድካ ኣብ ገዛ ንኽትህሉ ካብ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ዕረፍቲ ክትወስድ መሰል ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ምህላው ይበሃል። ክልቲኦም ወለዲ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ (föräldrapenning) ዝብሃል ቍጠባዊ ክፍሊት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ንጥፈታት ንዓኻ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ወሲድካ ዘለኻ
ንስኻ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለኻ ምስ ካልኦት ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ቤት ንባብ ናብ ናይ ወለዲ ርክባት፡ ናብ ናይ ወለዲ ካፈታት ወይ ናብቲ በይቢ ርይትሚክ ዝብሃል ህጻውንቲ ምስ ናይ ሙዚቃ ዓለም ዝላለይሉ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ዝውቱር ንጥፈት ክፉት መውዓሊ ህጻናት እዩ። ክፉት መዓሊ ህጻናት፡ ወለድን ቈልዑን ንኽጻወቱን ምስ ካልት ስድራ ንኽራኸቡን ዝኸድዎ መራኸቢ ቦታ እዩ። ገንዘብ ዘይክፈሎ ነጻ ኾይኑ ኣቐዲምካ ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ።
ኣብ ኢንተርነት ናይቲ ትነብረሉ ከባቢ ወይ ኮሙን ሽም ጽሒፍካ "ንጥፈታት ኣብ ዕረፍቲ ንዘለዉ ወለዲ" ወይ "ክፉት መውዓሊ ህጻናት" ኢልካ ብምድላይ ነዞም ንጥፈታት ክትፍትሾም ትኽእል ኢኻ።
ውሉድካ እንተ ሓሚሙ ወይ ካልእ ደገፍ ኣድልይዎ
ከም ወላዲ መጠን፡ ውላድካ እንተ ሓሚሙን ክንክን ኣድልይዎን ሓገዝ ክትረክብ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ውላድካ ምስ ትሻቐል ብቐዳምነት ናብ ሓበሬታ ጥዕና 1177 ወይ ናብ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ደውል። ከምኡ’ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.1177.se ብዛዕባ እተፈላለዩ ሕማምን ጸገማትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ወላዲ ምዃን ደገፍን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ወላዲ ምዃን ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ብዛዕባ ውላዳካ ምስ ትሻቐልን ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካን፡ ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትነብረሉ ኮሙን ንኣብነት ትምህርቲ ንወለዲ፡ ምኽሪ ብተሌፎን ወይ ብምብጻሕ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ዓይነት ንጥፈታት ክቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ ካብ ክፍሊት ናጻ ኾይኑ ስምካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ።
ስንኩልና ዘለዎም ቈልዑ ፍሉይ ደገፍ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።
ውላድካ ስንክልና ምስ ዝህልዎ ካብ ሕብረተ ሰብ ደገፍ ክረኽቡ መሰል ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ደገፍ ወይ መዓልታዊ ህይወቱ ንኽኣሊ ከም መስምዒ ወይ ዓረብያ ስንኩላ ዝአመሰሉ መሳለጥያታት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ኣየኖት ደገፋትን ክፍሊታትን ክረክብ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ዓይነት ስንክልና ናይቲ ቈልዓን፡ ነቲ ቈልዓ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸልዎን ዝተሞርኮሰ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንስኻ ከም ወላዲ ኢኻ ነቲ ንውላድካ ዝኸውን ደገፍ ከተመልክተሉ ዘለካ። ውላድካ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ።
ወላዲ ናይ ኣፍላ መንእሰይ እንተ ዄንካ
ወላዲ ኣፍላ መንእሰይ ምዃን በዳሂ ኾይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። መንእሰይ ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ልምምድ ንነብሱ ኣዝዩ ዘጨንቓ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ጸገም ዘለዎ ወይ ጽቡቕ ዘይመስል ናይ ባህሪ ለውጢ ዝገበረ ኮይኑ ምናልባት ክስምዓካ ይኽእል እዩ።። ርክብኩም ጽቡቕ ዘየለ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ ኣፍላ መንእሰይ ውላድካ ስክፍታ ምስ ዝህልወካ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦
- ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት፡ ንኣብነት ምስ ኣዕሩኽ፡ ኣዝማድ፡ መሳርሕትኻ ወይ ወለዲ ኣዕሩኽ ውላድካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
- ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘለዉ ናይ ወለዲ ጉጅለታት ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ።
- ምስ ክሊኒክ መንእሰያት፡ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውላድካ ምስ ዘሎ ጥዕና ተምሃራይ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
- ምስ ትነብረሉ ኮሙን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ገሊኤን ኮሙናት ብጕጅለ ወይ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ናይ ወለዲ ደገፍ ይህባ እየን።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ሕቶታትን መልስታቱን
አብ ሽወደን ሓደሽቲ ዝኾኑ ቈልዑ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ተወሳኺ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ውላድካ ምስ ዘድልዮ፡ ንኣብነት ካብ ሓደ ናይቲ ቈልዓ ቋንቋ ኣደ ዝዛረብ ተሓጋጋዚ ትምህርቲ (studiehandledare) ሓገዝ ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ተሓጋጋዚ ትምህርቲ፡ እቲ ቈልዓ ናይ ቋንቋ ሽወደንን ካልእ ትምህርትን ፍልጠት ንኸማዕብል ይሕግዞ።
ውላድካ ኣብቲ ስሩዕ ክፍሉ እና ተማህረ ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ መዳለዊ ክላስ (förberedelseklass) እውን ክምሃር ይኽእል እዩ። ኣብቲ መዳለዊ ክላስ እቲ ቈልዓ ቋንቋ ሽወደን ክለማመድን ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ክምሃርን ይኽእል እዩ። እቲ ዕላማ እቲ ቆልዓ ብዝተኽእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኵሎም ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ስሩዕ ክፍሉ ንኽምሃሮም እዩ። ሓለቓ ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ውላድካ ኣብ መዳለዊ ክላስ ክምሃር እንተ ኾይኑ ዝውስን።
ንስኹም ከም ወለዲ መጠን እንተ ወሓደ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ኵነት ምስ ተማልኡ ውላድካ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክምገብ ይኽእል እዩ፦
- እታ ነቲ ቈልዓ ዝወለደት ወላዲት ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝግብቲ ምስ እትኸውን።
- እቲ ነቲ ቈልዓ ዘይሓረስ ወላዲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብን ወላዲ ምዃኑ ዘረጋገጸን ምስ ዝኸውን።
እታ ነቲ ቈልዓ ትሓርስ ወላዲት ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝግብቲ ምስ እትኸውን፡ እታ መዋልዳን ናብ ብዓል መዚ ግብሪ ኣብ ትሕብረሉ ዝተተሓሓዘ እቲ ቈልዓ ብቐጥታ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ይምዝገብ።
ኣይፋልን፡ ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ዝተወልዱ ናጽላ፡ ወረቐት ምስክር ልደት ኣይወሃቦምን እዩ። ኣብ ክንድኡ ንውላድካ ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis) ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ክትእዝዘሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis) ካብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተቐድሐ እዩ።
እወ፡ ብኽፊል ሰዓታት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ብኸፊል ሰዓታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ምሉእ ሰዓታት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድኻ እንተ ኣለኻ ዄንካ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ኣይትኽእል ኢኻ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ህዝባዊ መዝገብ
ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ ማለት ከም ነባሪ ሽወደን ተመዝጊብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኵሎም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ይወሃቦም እዩ። ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) እዩ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ዘለዎ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ምዃን ምስ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ሓደ ኣይኮነን።
መናበዪ
መናበዪ ቍጠባዊ ሓገዝ (underhållsbidrag)፡ ሓደ ወላዲ ምስ ውላዱ ዘይነብር ምስ ዝኸውን ንውላዱ ክኸፍሎ ዘለዎ ገንዘብ እዩ። እቲ ገንዘብ ነቲ እቲ ቈልዓ ምስኡ ዝነብር ወላዲ ክኽፈል ኣለዎ።
ስንክልና
ሓደ ስንክልና ዘለዎ ቈልዓ፡ ዝነከየ ተግባራዊ ዓቕሙ ዘለዎን፡ ከም ካልኦት ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ንኽሳተፍ ደገፍ ከድልዮ ዝኽእልን እዩ። ስንክልና እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦
- ኣካላዊ፡ ንኣብነት ውላድካ ክንቀሳቐስ፡ ክርኢ ወይ ክሰምዕ ዘጸግሞ ምስ ዝኸውን
- ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ንኣብነት ውላድካ ኣእምሮኣዊ ሕማም ምስ ዝህልዎ
- ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ክእለት፡ ንኣብነት ውላድካ ሓድሽ ነገር ንምርዳእ ወይ ምምሃር ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ምስ ዝኸውን
- ልብወታዊ፡ ንኣብነት ውላድካ መምርሒታት ንምኽታል ወይ ግዜኡ ንምምዳብ ደገፍ ምስ ዘድልዮ እዩ።
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ንላዕሊ ካልኦት ዓይነት ስንክልና እውን ኣለዉ።