ክንክንን ጥዕናን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት እቲ ዘድልዮም ክንክን ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብዞም ዝስዕቡ ገጻት ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምና ስኒን ኣብ ሽወደን ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ። ከምኡ'ውን ጥዕናኻ ጽቡቕ ንኽህሉ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል።

1177 ቮርድጋይደን

ኣብ ሽወደን ናይ ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን ሓላፍነት ዘለዎም ዞባታት እዮም። ነፍስ ወከፍ ዞባ ወይ ዞባ ትሕዝቶ ናይ ብዛዕባ ኣብ ሆስፒታልን ማእከል ክንክን ጥዕናን ዘቕርብዎ ክንክን ዘለዎ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ኣለዎም። ከምኡ'ውን ሓደ ናይ ኵሎም ዞባታት ናይ ሓባር 1177 ቮርድጋይደን ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ኣለዎም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177 ቮርድጋይደን ኣየናይ ዓይነት ክሊኒክ ንጸገምካ ወይ ድልየትካ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣብኡ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ዝርከባ ዝተፈላለያ ክሊኒካትን ክሊኒካት ስኒን ናይ ርክብ ሓበሬታን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ትረክብ።

ክፍሊትታት ናይ ክንክን

ቈልዑን መንእሰያትን ትሕቲ 20 ዓመት ኣብቶም ዝበዝሑ ዞባታት ብናጻ ክንክን ጥዕናን ክንክን ስኒን ይወሃቦም። ልዕሊ 20 ዓመት እንተ ኾንካ መብዛሕትኡ ግዜ ክንክን ክትደሊ ከለኻ ሓደ ክፍሊት ምኽፋል የድልየካ እዩ። ክንደይ ከም ትኸፍል ኣብ መንጎ ዞባታት ይፈላለ እዩ።

ክንክን ብዙሕ ግዜ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ሓደ ገደብ ክፍሊት ኣሎ። እዚ ንዓኻ ልዑል ክፍሊታት ናይ ክንክንን መድሃኒትን ንኸይህልወካ ሓደ ውሕስነት እዩ።

ስንክልና

ሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ ዘለዎ እዩ። ሓደ ዓይነት ስንክልና እንተ ኣለካ ኾይኑ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ግዳይ ናይ ዓመጽ

ጎነጽ፣ ምፍርራሕ ወይ ንካልኦት ምጉዳእ ኩልኩል እዩ። ጎነጽ ዝተፈላለየ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ጾታዊ፣ ቑጠባዊ ወይ ንዋታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጎነጽ እንተተቓሊዕካ ንዑቕባን ደገፍን መሰል ኣለካ።