ምክንኻን ኣረጋውያን (Äldreomsorg)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 18 1 2023

ሓደ ሰብ ምስ ኣረገ ዝበዝሕ ግዜ ንግብራውያን ነገራት መዓልታዊ ሂወት ሓገዝ የድልዮ እዩ። ኣብ ሽወደን ደገፍን ሓገዝን ዘድልዮም ኣረጋውያን ካብ ሕብረተሰብ ድልየቶም ክረኽቡ ብመንጽር ሕጊ መሰል ኣለዎም።

ሓልዮት ኣረጋውያን (äldreomsorgen) መጠን ክሕጉዙኻ ዝኽእሉ ኣብ ኣበየናይ ኮሙን ትቕመጥ ይምርኮስ።

ሓልዮት ኣረጋውያን ኣብ ገዛእ ገዝኦም ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ኣረጋውያን(Äldreboenden) ሓገዝ ክህቡ ይኽእሉ።

ሞት ምስ ዘጋጥም

ምማት ምዕራፍ(ኣቭሊዳ፡ avlida) እውን ይበሃል እዩ። ሓደ ኣረጊት ሰብ ኣብ ገዛ እንተዓሪፉ ምስ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ተራኸብ። ሓደ ሓደ ግዜ ንሬሳ ናብ ሕክምና ናብ መብርሂ ምኽንያት ሞት ዝህብ ዶክቶር ይወስዱ እዮም። ፍሉይ ድልየት እንተኣለካ፣ ንኣብነት ካብ ሃይማኖት ዝተበገሰ፣ ምስ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕን ክትዘራረብ ይግብኣካ እዩ።

ብሂወት ናይ ዝተረፎ ሓባር

ቐረባኻ ሰብ ብሞት ክትስእን ኣዝዩ ፈታኒ ክኽውን ይኽእል እዩ፣ ነቲ ሓዘን ንክትኣሊን ነቶም ግብራውያን ሕቶታትን ሓገዝን ደገፍን ከድልየካ ይኽእል እዩ። ሓባር ብሂወት ንዝተረፉ (Efterlevandeguiden)፡ ቐረባኻ ምስ ዝሞተካ ንዘድልዩኻ ኣገደስቲ ነገራት ዝእክብ ዘይጽግዕተኛ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ደገፍ ብሂወት ንዝተረፉ

ምስ ዝዓረፈ ሰብ ሓባራዊ ቑጠባ እንተጸኒሑካ ቑጠባዊ ኩነታትካ ይቕየር። ንቑጠባኻ ክትምድብን ባጀት ክትገብርን ከድልየካ ይኽእል እዩ። ግና ቐረባኻ ምስ ሞተ ክትወሃቦ እትኽእል ቑጠባዊ ሓገዝ እውን ኣሎ እዩ።

ናይ ብሂወት ንዝተረፉ ጥሮታ(Efterlevandepension) ቐረባኻ ሰብ እንተሞይቱ ዝዕደል ቑጠባዊ ሓገዝ እዩ። ዕላማ ናይ ድሕሪ ሞት ጥሮታ እቲ መዋቲ ዝሕግዞ ዝነበረ ገለ ክፋል ንምሽፋን ተባሂሉ እዩ።

ውርሲ

ድሕሪ መዋቲ ህልው ገንዘብን ካልኦት ንብረታትን መን ከም ዝወርስ ኣብ ሕጊ ሽወደን ሰፊሩ ይርከብ፣ ናይ ውርሲ መሰል (arvsrätt) ድማ ይበሃል።