ኣልኮሆል፡ ዕጸፋርስ፡ ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒት፡ ትምባኾን ቁማርን ኣኤንደተኤስ (ANDTS)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 8 2023

ናይ ሂወት ኣመላት ኣብ ጥዕናና ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣመላት እዮም። ሽጋር ምትካኽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን ንሕማም ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብገንዘብ ምጥላዕ እውን ናብ ጸገማትን ሕማምን ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ትምባኾ ትሕዝቶ ናይ ብዙሓት መርዛማት ንጥረ-ነገራት ኣሎዎ። ካልእ ገዲፍካ እቲ ኣብ ፍርያት ትምባኾ ዝርከብ ወልፊ ዘትሕዝ ንጥረ-ነገር ኒኮቲን። ሽጋራ ምትካኽ ብዙሓት ሕማማት ንኽሕዙኻ ዘሎ ተኽእሎ የዕብዮን ሰባት ቅድሚ ግዚኦም ከም ዝሞቱ ይገብርን እዩ። ኣዝማ መንሹሮ፣ ናይ ሳምቡእ ሕማማት፣ ሕማማት ልብን ሰራውር ደምን ከምኡ'ውን ቁስሊ ከስዓ ኣብነታት ናይ ሽጋራ ከስዕቦም ዝኽእል መጕዳእትታት እዮም።

ስኑስ (ወዲ ዓኻር) ኣብ ትሕቲ ከንፈርካ ተእትዎ ትምባኾ እዩ። ስኑስ ጕድኣትን ሕማማትን ኣብ ኣፍካ ከምጽኣልካ ይኽእልን መንሹሮ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኤለክትሮናዊ ሽጋራ ብሓደ ትሕዝቶ ናይ ዝተፈላለዩ መጥዓሚ ንጥረ-ነገራትን ከሚካላትን ዘለዎ ፈሳሲ ዝሓዘ መትሓዚ ዝቖመ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኒኮቲን ኣብኡ ይኣቱ እዩ ብኣንጻሩ ትምባኾ ግን ኣይኣቱን እዩ። ኤለክትሮናዊ ሽጋራ ምትካኽ ንጥዕናኻ ክጎድኦ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ናብ ናይ ትምባኾ ሽጋራ ምትካኽ ናይ ምስግጋር ሓደጋ እውን ኣሎዎ።

ኣብ ሺሻ መጥዓሚ ዝተገብሮ ትምባኾ ወይ ትሕዝቶ ናይ ጥረ-ሽኮር፣ ተወሰኽቲ ቀመማትን መመቀርን ዘለዎ ብዙሕ ትኺ ተትክኽ። ጥረ ሽኮር ትሕዝቶ ናይ ትምባኾ ወይ ኒኮቲን የብሉን። ሽሕ'ኳ ዝፈኾሰ ጨናን መቐረትን ይሃልዎ፡ እቲ ትኺ ልክዕ ከም ናይ ትምባኾ ትኺ ትሕዝቶ ናይ ካርቦን ሞኖክሳይድን መንሽሮ ዘስዕብ ንጥረ-ነገራትን ኣሎዎ።

ምስ ዘትክኽ ዘሎ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ እንተ ኣሎኻ ዄንካ ነቲ ትኪ ናብ ውሽጥኻ ተተንፍሶ ኢኻ። እዚ ልኡም ምትካኽ ይብሃልን ልክዕ ነቲ ዘትክኽ ዘሎ ሰብ ዝሕዝዎ ሕማማት ድማ ከም ዝሕዘካ ክገብር ይኽእልን እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ሽጋራ ምትካኽ ወይ ስኑስ ምውሳድ ምግዳፍ ንጥዕና ዓቢ መኽሰብ እዩ። ካብ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ክትገድፎ ክትደሊ ከለኻ ጽቡቕ ሓገዛት ክኾኑ ዝኽእሉ መድሃኒታት እውን ኣሎዉ። ንሓኪምካ ብዛዕባ መድሃኒት ምኽሪ ክህበካ ሕተቶ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መስመር ሽጋራ ግደፎ (Sluta Röka-linjen) - ብዛዕባ ትምባኾ ካብ ሰራሕተኛታት ብናጻ ብተለፎን ምኽሪ ትረኽበሉ ሓደ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ። ሽጋራ ወይ ስኑስ ንግዳፍ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 020-84 00 00 ደውል።

ኣልኮል ኣስካሪ ውጽኢት ኣሎዎ፡ ንኣካላትካ ድማ ሳዕቤን የምጽኣሉ እዩ። ጽቡቕ ስሚዒት ክህበካ ይኽእል እዩ ከምኡ'ውን ሕጉስን ዝተዛነካን ኾይኑ ይስምዓካ። ቁሩብ ኣልኮል ምስታይ ሓደገኛ ክኸውን ኣየድልዮን እዩ፡ ብዙሕ ኣልኮል ግን ንዅሉ ሰብ ጎዳኢ እዩ። ሓንጎልን ልብን ብኣልኮል ክጕድኡ ይክእሉ እዮም። ኣልኮል ሓደ ሓደ ናይ መንሽሮ ሕማማት ንኽሕዙኻ ዘሎ ተኽእሎ ከዕብዮ ይኽእል እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣልኮላዊ መሰተ ምስታይ ናብ ጓሂ፣ ጭንቀትን ድቃስ ምስኣንን ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ኣልኮል ነቲ ሰብ ወልፊ ከም ዝሕዞ ክገብር ይኽእል እዩ። ናይ ኣልኮል ወልፊ፡ ምስታይ ምቍራጽ ከሸግረካ ወይ ዋላ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይ ኣልኮል ይሃሉ ዝወሓደ ንምስታይ ከሸግረካ ኸሎ እዩ። እዚ ነቲ ኣልኮል ኣብ ስራሕን ርክብ ምስ ስድራኻን የዕሩኽትካን ከም ዝጸልዎ ክገብር ይኽእል እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ናይ ኣልኮል ልምድታትካ ክትቅይሮ ንእትደሊ፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዛት ኣሎ። ካብቲ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጕዳያት ሓገዝን ምኽርን ሕተት። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ናትካ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ኣልኮል ኣመላት የተሓሳስበካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ዝተማህሩ ኣማኸርቲ ክትዛረብ ትኽእል። ናብ ኣልኮሆልሊንየን ብናጻን ብስመ-ስውር (anonymt) ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ። ብቝጽሪ ተለፎን 020-844 448 ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) ድውል።

ኣብ ሽወደን ኵሉ ዓይነት ናርኮቲካ ክልኩል እዩ። ድሮጋ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክንዲ ናርኮቲካ ዝጥቀም ካልእ ቃል እዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት ድሮጋ ኣሎዉ፡ ንኣብነት ከም ኣምፈታሚን፣ ኮከይን፣ ሄሮይንን ካናቢስን። ካናቢስ (ሓሽሽን ማሪዋናን) እቲ ብብዝሒ ዝዝውተር ናርኮቲካ ኣብ ሽወደን እዩ። ጫት እውን ከም ናርኮቲካ እዩ ዝቝጸር። ከም ናርኮቲካ ዝምደቡ መድሃኒት እውን ኣሎዉ። እዚኦም ብመሰረት ናይ ሓኪም ትእዛዝ ጥራይ ክውሰዱ ዘለዎም እዮም።

ናርካቲካ ወልፊ ዘትሕዝ እዩ። ናርኮቲካ ትጥቀም እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትገድፎ ከቢድ እዩ። ነቲ ድሮጋ ብዙሕ ግዜ ወይ ብብዝሒ ትወስዶ እንተ ዂንካ፡ ወልፊ ንኽሕዘካ ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ። ወልፊ እንተ ሒዙካ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕክምናውን ማሕበራውን ጸገማት ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምጥቃም (Doping) ብዛዕባ ንናይ ጭዋዳታት ሓይልን ብርታዓን ንኽዓቢ ንሆርሞን መሸባሸቢ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም እዩ። ኣብ ሽወደን ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምጥቃም (Doping)ክልኩል እዩ። ምጥቃም ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ (AAS)፡ ኣብነት ምጥቃም ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት እዩ። ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ ዝጥቀም ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ብርቱዕ ፈጸጋ፣ ምልውዋጥ ጠባይ፣ ልምሰት፣ ጸገም ፍርያምነትን ከበድቲ ናይ ልብን ሰራውርን ሕማማት ዝኣመሰሉ ጐድናውያን ሳዕቤናት ይገብረሎም እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

መብዛሕትኦም ናይ ናርኮቲካ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ካብ ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጕዳያት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ክንክን ወልፊ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ቤተ ክርስትያንን ወለንታውያን ውድባትን እውን ደገፍን ሓገዝን የወፍያ እየን።

Cannabishjälpen ንዓኻ ካናቢስ ምጥቃም ክትገድፎ ትደሊ ሞያዊ ሓገዝን ፍወሳን ወይ ንዓኻ መቕርብ ዝኾንካ ሓገዝ ዝህብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ኣብ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ካልእ ሰብ ምጥቃም ናይ ሓይሊ ዝብህ መድሃኒት ትሻቐል እንተ ዄንካ እውን ምስ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብቝጽሪ ተለፎን 020–546 987 ናብቲ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ናይ ምኽሪ ብተለፎን ብስመ-ስዉር ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካን ክንደይ ግዜ ብገንዘብ ጠላዕ ኣብ ምጽዋት ከም ተጥፍእን ክትቈጻጸሮ ይኸብደካ ማለት እዩ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ንዝምድና፣ ቍጠባን ጥዕናን ክጎድኦም ይኽእል እዩ። እቲ ጸገም ነቶም ብዙሕ ዝጻወቱ፣ ግን ንስድርኦም፣ የዕሩኽቶምን ነቲ ሕብረተ ሰብ እውን ይብዛሕ ይውሓድ የጥቅዖም እዩ።

ብዙሕ ምጥላዕ ናብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ከም ሻቕሎት፣ ጭንቀት፣ ጓሂን ሓሳባት ነብሰ ቅትለትን ከምርሕ ይኽእል እዩ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ቍጠባዊ ሳዕቤናት ኣሎዎ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ፋክቱራ ምኽፋል የጸግሞን፣ ኣብ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ይኣትዉ ከምኡ'ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብዙሕ ዕዳ ይኣትዉ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ንስኻ ባዕልኻ ወይ ገለ ትፈልጦ ሰብ ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ኣለኩም ድዩ? ናይ ጠላዕ ምጽዋት ልምድታትካ ክትቅይሮ እንተ ደልኻ ካብ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጕዳያት ሓገዝን ምኽርን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Stödlinjen ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ንዘለዎም ሰባት ደገፍን ሓገዝን ዘወፊ ሓደ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ዘመድ ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ዘለዎ ሰባት እውን ካብ Stödlinjen ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ። መን ምኳንካ ከይነገርካ ናብ Stödlinjen ብቝጽሪ ተለፎን 020–819 100 ደዊልካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Spelpaus.se ኣብቶም ምዝገባ ዝሓቱ ኣብ ሽወደን ብገንዘብ ጠላዕ ከጻውቱ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ጠላዕ ትካላት ከም ዘይትኣቱ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።