ፋርማስን መድሃኒታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

ገለ ገለ መድሃኒታት ናይ ሓኪም ትእዛዝ እንተለካ ጥራይ ክትገዝኦም ትኽእል። ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክግዝኡ ዝኽእሉ መድሃኒታት እውን ኣለው እዮም።

መድሃኒት ኣብ ፋርማሲ (Apotek) ክትገዝኦም ትኽእል። ገለ ገለ ትእዛዝ ሓኪም ዘይድልዮም ኣብ ካልኦት ድኳውንቲ እውን ክትገዝኦም ትኽእል፣ ንኣብነት ናይ መግቢ ድኳውንቲ።

ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማትን መድሃኒታትን ፍልጠት ኣለዎም። ንብዙሓት ሕቶታትካ ክምልሱልካ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ፋርማሲ እውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማት ሓበሬታን ብሮሸርን(broschyrer) ይርከብ።

መድሃኒት ካብ ፋርማሲን መሸጢ ብኢንተርነትን ክትገዝእ ትኽእል። ቕድሚ ምግዛእካ እቲ መርበብ ሓበሬታ መድሃኒት ንክሸይጥ ፍቓድ ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ። ካብ ፍቓድ መሸጢ ዘይብሎም መርበብ ሓበሬታታት እንተገዚእካ ናይ ሓሶት መድሃኒት ንምግዛእ ትቓላዕ። ነቲ ሓባራዊ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) - ምልክት ኢንተርነታዊ ዕድግን ሃገራዊ ምልክት ፋርማሲን ተቐጻጸር ወር ከም ዘሎዎ ርኣ።