ጥንሲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 9 2 2023

​ኣብዚ ብዛዕባ ጥንሲ ኣብ ዘለዎሉ እዋንን ድሕሪ ጥንሲን ምስ መን ከም ትራኸቢ ብዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዘይተደልየ ጥንሲ።

ጥንሲን ክንክን ኣዴታትን

ማእከል-ጥዕና ኣዴታት - MVC

ማእከል-ጥዕና ኣዴታት Mödravårdscentralen ክፋል ካብቲ ናቱ ዕዮ፤ ጥኑሳት ንምእላይ እዩ። ኣብቲ ምሉእ ናይ ጥናስኺ ግዜ፤ ናብዚ ማእከል-ጥዕና ኣዴታት ብምምልላስ፤ ናይቲ ጥንሲን ናትኪን ናይ ጥዕና ሃለዋት ምክትታል ይግበረልኪ። ናብ ማእከል-ጥዕና ኣዴታት ምኻድ ብነጻ እዩ። ማእከል-ጥዕና ኣዴታት፤ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥንሲ፤ ሕርሲን ምጥባውን ንምሃብ፤ ኣኼባታት የዳልዋ እየን። እቲ ኣቦ ናይቲ ጥኑስ ሕጻን ውን፤ ናብቲ ማእከል-ጥዕና ኣዴታት ምብጻሕን፤ ኣብ ኣኼባታት ምስታፍን ልሙድ እዩ። ሰብኡት ኣብ ግዜ ሕርሲ ክህልዉ፤ ኣብ ሃገር ሽወደን ልሙድ እዩ።

ሕርሲ

ኣበየናይ ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ክትሓርሲ ከም ትደልዪ ባዕልኺ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብቲ ዝመረጽክዮ ቦታ እንተ ዘየለ ኾይኑ ናብ ካልእ ክትመሓላለፊ ትኽእሊ ኢኺ።

ማእከል-ጥዕና ሕጻናት - BVC

ኣብዚ ከም ወላዲ ሓገዝ ትረኽበሉ ቦታ እዩ። ኣብዚ ማእከል-ጥዕና ሕጻናት Barnavårdscentralen፤ ብዛዕባ ናይ ቆልዓ ምዕባለ፤ ምጥባው፤ መግቢን ሕማማትን ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ። ካብ ሕርሲ ምስ ተመለስኪ፤ ባዕልኺ ምስ ማእከል-ጥዕና ሕጻናት ርክብ ብምግባር፤ ነታ ናይ መጀመርታ ቆጸራ ውሰዲ። እታ ቀዳመይቲ ርክብ፤ መብዛሕትኡ ኣብ ገዛኺ እዩ ዚግበር። እታ ነርስ ድማ ብዛዕባ ማእከል-ጥዕና ሕጻናት ሓበሬታ ትህበኪ፤ ጥዕና ናይቲ ሕጻን ውን ከመይ ከም ዘሎ ትርኢ።

ዘይተድልየ ጥንሲ

ካብ ጥንሲ ምክልኻል

ንነብስኺ ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ ዝተፈላለየ ትከላኸልሉ ኣገባባት ኣሎ። እቶም ዝተፈላለዩ ኣገባባት መብዛሕትኡ ግዜ መኸልከል ጥንሲ ወይ መዕገት ጥንሲ ተባሂሎም ይጽውዑ። ንመከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ክሊንክ መንእሰያት፣ ክሊኒክ መወልዳን ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ከተመልክቲ ትኽእሊ። ኮንምዶም ኣብ ቤት መድሃኒት ወይ ድኳናት ምግቢ ክግዛእ ይከኣል።

ምንጻል ጥንሲ ማለት ንሓደ ጥንሲ ምቍራጹ ማለት እዩ።

ሕጊ ምናጻል ጥንሲ፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ምውዳእ ሰሙን 18 ምኽንያት ከይሃበት ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ይህባ። እታ ነፍሰ-ጾር ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ባዕላ ትውስን።