ክንክን እንተ ደሊኻ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 2 2023

ብዙሓት ዝተፈላለያ ዓይነት ክንክን ክትደልየለን ትኽእል ክሊኒካት ኣለዋ። ኣብዛ ገጽ እዚኣ ነቶም ዘለዉኻ ጸገማትን ድልየታትን ልክዕ ክንክን ንምርካብ ሓገዝ ትረክብ።

ክንክን ክትደሊ እንተ ኾንካ ክትፈልጦ ኣገዳሲ

ክንክን ክትደሊ ወይ መድሃኒት ከተውጽእ ከለኻ ወረቐት መንነትካ ከድልየካ እዩ።

ሓታት ዕቝባ ኣብ ሽወደን እንተ ዄንካ፡ ክንክን ክትደሊ ከለኻ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ምሳኻ ክትማልኦ ኣሎካ። ከምኡ'ውን ካብ ቤት መድሃኒት መድሃኒት ከተውጽእ ከለካ እቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ከተርኢ ኣሎካ። እቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ክትወሃቦ እንተ ዘይኣርኪቡ፡ ዕቝባ ናይ ዝሓተትካሉ ቅብሊት ከተርኢ ኣሎካ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ሰራሕተኛታት ክንክን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። እዚ፡ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኻ ነገራት ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ። ብኣገልግሎት ሕክምና ተመዚዞም ዝሰርሑ ኣስተርጐምቲ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። ዋላ እቶም ኣብ ቤት መድሃኒት ዝሰርሑ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም።

ጽቡቕ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ክትራኸብ ከለኻ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ዝብሉ ዘለዉ ክትርዳእ ከምኡ'ውን እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ትብል ዘለኻ ክርድኦም ኣገዳሲ እዩ። ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ክትራኸብ ከለኻ ክትጥቀመሎም ትኽእል ስእልታት ኣለዉ።

ብቑዕ ሕክምና ርኸብ

ናብ 1177 ቮርድጋይደን ደውል

ሕክምና ትደሊ ከም ዘሎካ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ናብ 1177 ቮርድጋይደን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። እቲ ቍጽሪ ተለፎን 1177 እዩ። ሽዑ ምስ ሓንቲ ብዛዕባ እቲ ጸገማትካ ምኽሪ ክትህበካ እትኽእል ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ኢኻ። ከምኡ'ውን እታ ኣላዪት ሕሙማት ኣበይ ብቑዕ ሕክምና ክትረክብ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትህበካ እያ። ናብ 1177 ቮርድጋይደን ለይትን መዓልትን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ

እንተ ሓሚምካ ወይ ገለ ጸገም ኣለካ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ኢኻ ርክብ ክትገብር ዘለካ። ኣብኡ ናይ መብዛሕትኡ ነገራት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ይስምዓካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቶም ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒካት ክትራኸብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177 ቮርድጋይደን፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ናይ ዘለዋ ማእከል ክንክን ጥዕና ናይ ርክብ ሓበሬታን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣሎ። ኣብኡ ናይ ካልኦት ዓይነት ክሊኒካትን ናይ ፍሉይ ክእለት ሕክምናን ሓበሬታ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ቅበላ ህጹጹ ረድኤት ተጓዓዝ

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ብብርቱዕ እንተ ሓሚምኩም ወይ ብኸቢድ ተጐዲእኩም፡ ካብ ሓደ ናይ ህጹጹ ረድኤት መቐበሊ ሓገዝ ክትሓቱ ኣሎኩም። እቲ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝርከብ ኾይኑ ኵለን መዓልታት፡ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣለኹም ኾንኩምን ብቑልጡፍ ሓገዝ ዘድልየኩም ኾይኑን፡ ናብ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከዱ ኣለኩም።

ናብ ናይ ህጹጽ ቍጽሪ ተለፎን 112 ደውል

ህጹጹ ኵነትን ናይ ሓደ ሰብ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እንተ ኾይኑ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣሎካ። ሽዑ ብቑልጡፍ ሓገዝን ናብ ቅበላ ህጹጹ ረድኤት ትወስድ ኣምቡላንስን ትረክብ። ኣብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ምስ ኣምቡላንስ፡ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን ክትራከብ ትኽእል።