ባዕልኻ ነብስኻ ምእላይ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 12 2022

ስጉምቲ ናብ ጽቡቓት ልምድታትን ጥዕና ዘለዎም ናይ ሂወት ቕድታትን። ጽቡቓት ናይ መግቢ ልምድታት፣ ምንቕስቓስ፣ ጭንቐትን ድቓስን።

ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ

እቲ እትበልዖን እትሰትዮን ንጥዕናኻን ሃለዋትካን ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ጽቡቕ ምምጋብን ምንቅስቓስን ካብ ሓደጋ ናይ ብዙሕ ሕማማት ከም፤ ሕማም-ልቢን መገዲ-ደምን፤ ሕማም-ሽኮርን ገለ ዓይነታት ካንሰርን፤ ስነ-ኣእምሮእዊን ጸገማት ናይ ምንካይ ተራ ኣሎዎ እዩ።

ምንቅስቓስን ልምምድ-ኣካላትን

ሰባት ጽቡቕ ንክስምዖም ክንቐሳቐሱ የድልዮም። ምንቕስቕስ ንሓደጋ ዝተፈላለዩ ሕማማት የጉድል፣ ንኣብነት ሕማማት ልቢን-መትንታትን፣ ገለ ካብ ዓይነታት መንሽሮን። ምንቕስቓስ ጽቡቕ ከም ትድቕስ ይገብር፣ ጭንቐት ዝያዳ ትጻወርን ፣ ክብደትካ ክትሕሉን ይሕግዘካ። ምንቕስቓስ ሕጉስ ከም ትኸውን እውን ይገብር። እኹል ሰብ መዓልታዊ እንተሓጸረ 30 ደቒቕ ክንቐሳቐስ የድልዮ።

ጸቕጢ

ኩሎም ሰባት ኣብ ገለ ግዜ ይጭነቑ። ኣዚ ሓደገኛ ክኸውን ኣየድልዮን እዩ። ጭንቐት ከበድቲ ኩነታት ንምስጋር ዝያዳ ሓይሊ ክህብ ይኽእል እዩ። ግና ብዙሕ ጭንቐት ንጥዕና ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተተጨኒቕካ ስለምንታይ ምኻኑ ክትርዳእ ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ጭንቐትካ ብቐሊሉ ክትኣሊን ንኩነትትካ ክትቕይርን ትኽእል ኢኻ።

ድቃስ

ጽቡቕ መታን ክስምዓካ፤ ጽቡቕ ክትድቅስ የድልየካ እዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ ኣብ ሓደ ለይቲን-መዓልቲን፤ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ኣቢሉ ምድቃስ የድልዮ እዩ። መንእሰያት ካብኡ ንላዕሊ ምድቃስ የድልዮም እዩ።