ክንክን-ስኒ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 9 12 2022

ኣብ ሃገር ሽወደን ህዝባዊን ግላውያንን ሕክምና-ስኒ ኣሎ። እቲ ህዛባዊ ክንክን-ስኒ፡ ብዞባዊ እዩ ዝእለ። ህዝባዊ ክንክን-ስኒ (Folktandvården) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ብዙሓት ውልቃውያን ሓኻይም-ስኒ ኣለዉ። ክንደይ ከም ትኸፍል ዚውስን ሕጊ ነንበይኑ እዩ። እቲ እትቕመጠሉ ቦታን፤ እቲ እትመርጾ ሓኪም-ስኒን ወሳንነት ኣሎዎ።

ክንክን-ስኒ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ናብ ምክላኻል ሕማም ዘድሃበ ክንክን-ስኒ እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ ኣብ ዘዝተወሰን ግዜ ናብ ሓኪም-ስኒ እናተመላለስካ፤ ኣስናንካ ብጥዕና ንምሕላው እዩ።

ኣብ ሽወደን ኩሎም ትሕቲ 23 ዓመት ናጻ ናይ ስኒ ክንክን ይግበረሎም፣ ኣብ ህዝባዊ ክንክን ስኒ (Folktandvården) ከምኡ እውን ኣብ ናይ ግሊ ሓኪም ስኒ። ኩሎም ቈልዑን መንእሰያትን ናብ ሓኪም ስኒ ብስሩዕ ንመርመራ፣ ክንክንን ምክልኻልን ይጽውዑ። መንእሰያት ባዕሎም ምስ ሓኪም ስኒ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም።