ናብ ሽወደን ምምጻእ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 12 2022

ናብ ሽወደን ምስ መጻእካ ሽዑ ሽዑ ንዕቝባ ከተመልክት ኣሎካ።

ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ተራኺብካ

ናብ ሽወደን ክትጓዓዝ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ተራኺብካ፡ ዕቝባ ክትሓትት ከም ትደሊ ንዕኦም ክትሕብሮም ኣሎካ። ፖሊስ ዶብ ኣብ መቈጻጸሪ ፓስፖርት ኣህጕራዊ መዕርፎ ነፈሪቲ፡ ኣብ መዓሸግ መራኽብን ኣብ ባቡር ምድርን ኣውቶቡሳትን ናብ ሽወደን ዝመጻሉ ቦታን ይርከቡ። እቶም ፖሊስ ዶብ ሓደ ሓደ ሕቶታት ክሓቱኻ እዮም። ድሕሪኡ ነቶም ሕቶ ዕቝባኻ ዝቕበሉካ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትረኽቦም ኢኻ።

ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከለኻ ምስ ፖሊስ ዶብ እንተ ዘይተራኺብካ

ድሮ ኣብ ሽወደን እንተ ኣሊኻ ኾንካ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ባዕልኻ ክትራኸቦም ኣሎካ።

ዕቝባ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ዮተቦርይ፡ ማልሞ፡ ስቶኮልም፡ ቡደን፡ ኖርሾፒን፡ ሱንድስቫል፡ ኡመኦ፡ ኡፕሳላን ኦረብሩን ከተመልክት ትኽእል።