ሓታት ዑቕባ ምኳን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነዊሕ ተርታ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንስኻ ድማ ናብቲ ብዛዕባ ዕቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ትጽቢት ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ ንውሓት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኵሎም ናይ ዕቝባ ምርመራታት ዝተፈላለዩ እዮም። ስለዚ ንኽትምርምሮም ድማ ዝተፈላለየ ግዜ ይወስዱ።

ሕማቕ ክስምዓካ ንቡር እዩ

ነቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ውሳኔ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ፡ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እንታይ ከም ዘጋጥም ክትሻቐል ንቡር እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ኣብ ዓዶም ወይ ናብ ሽወደን ክስደዱ ከለዉ ሕማቕ ነገራት ስለ ዘጋጠሞም ሕማቕ ክስምዖም ይኽእል እዩ።

ኤልኤምኣ ካርድ

ኤልኤምኣ ካርድ "ሕጊ ምቕባል ሓተትቲ ዕቝባ" ማለት እዩ።

ኣብ ሽወደን ዕቝባ ክትሓትት ከሎኻ ክትሰኣል ኢኻ። ድሕሪኡ ሓደ ኤልኤምኣ-ካርድ ዝብሃል ክትወሃብ ኢኻ። እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግራሽን ኣሃዱ ቅበላ ናቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ከምጽኦ እዩ።

ኤልኤምኣ ካርድ፡ ሓታቲ ዕቝባ ምኳንካ ዘርኢ ስእሊ ናትካ ዘሎዎ ናይ ፕላስቲክ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ ሓደ ወረቐት መንነት ዘይኮነስ ውሳነ ክወሃበካ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ከም ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ከም ዝፍቀደካ ምስክር እዩ።

እዚ ኤልኤምኣ ካርድ፡ ነቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ከተእቱ ከሎካ ዝተዋህበካ ቅብሊት ይትክኦ። ነቲ ናትካ ኤልኤምኣ ካርድ ኵሉ ግዜ ምሳኻ ክትሕዞ ኣሎካ። እዚ ንኣብነት ናብ ሕክምና ክትበጽሕ ወይ መድሃኒት ክትወስድ ከለኻ ኣገዳሲ እዩ። ኤልኤምኣ ካርድኻ ምሳኻ እንተ'ሎ ኾይኑ ዝሓሰረ ዋጋ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ኤል.ኤም.ኣ ካርድ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን።

ምንጪ፦ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን

መርመራ ጥዕና

ኵሎም ሓተትቲ ዕቝባ ብናጻ ምርመራ ጥዕና ክገብሩ ዕድል ይውሃቦም እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ዘሎ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ናብ ምርመራ ክንክን ጥዕና ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ ዝብል ትሕዝቶ ዘሎዎ ሓደ ደብዳበ ናባኻ ክልእኩ እዮም።

ምርመራ ጥዕና ኣብ ትገብረሉ እዋን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ማለት ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማትን ሓደ ሓኪምን ክትረክብ ኢኻ። እታ ኣላዪት ሕሙማት ክሕከም ዘድልዮ ሕማም እንተ'ለካ ኾይኑ ንምርኣይ ብዛዕባ ጥዕናኻ ክትሓተካን ምርመራ ክትወስደልካን እያ። ከምኡ'ውን እታ ኣላዪት ሕሙማት ናይ ሽወደን ኣገልግሎት ጥዕና ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ክትገልጸልካ እያ። እንተ ኣድልዩ ኣካላዊ ምርመራ ክገብረልካ ዝኽእል ሓደ ሓኪም ክትረክብ ኢኻ።

ብዛዕባ ጥዕናኻ ሕቶ እንተ'ለካ ኾይኑ ነቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ሕተቶም። ንኣእምሮ ብዚምልከት ከመይ ይስምዓኻ ከም ዘሎ ሓብሮም። ጸቕጢ፡ ጓሂ፡ ሻቕሎት፡ ጭንቀት ይስምዓካ እንተ'ሎ ኾይኑን ዘባህርር ሕልሚ ትሓልም ወይ ምድቃስ ዝኣብየካ እንተ ኾይኑን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ። ከምኡ'ውን መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ክንክን ጥዕና ኣደታት ዘድልየኪ እንተ ኾይኑ፡ ምስ እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ።

እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣይሰርሑን እዮም። ከምኡ'ውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣሎዎም። እዚ ብዛዕባ ምብጻሕካ ወይ ንዕኦም እንታይ ከም ዝበልካዮም ንዝኾነ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ።

እቲ ምርመራ ጥዕና ነቲ ሕቶ ዕቝባኻ ኣይጸልዎን እዩ። እዚ ሕክምና ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ሓገዝ ንኽትረክብ ክትክእል ተባሂሉ እዩ።