መሰላት ኣብ እዋን ዕቕባ ተሓቲትሉ ዘሎ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 25 1 2023
ዕቝባ ሓተትቲ ቈልዑ ከም ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ዘለዉ ካልኦት ቈልዑ ሓደ ዓይነት መሰላት ኣሎዎም።
እዚ ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡
- ትሓስቦን ዝስምዓካን ክትነግር መሰል ኣሎካ። ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ንዓኻ ዚምልከት ክውስኑ ኸለዉ ንዓኻን ንድልየታትካ ክሰምዑ ኣሎዎም።
- እንተ ኣድልዩካ ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒን መሰል ኣሎካ።
- ንኽትምሃር መሰል ኣሎካ።
ፍሉያት መሰላት ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ እዋን
ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ከም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ክትከይድ ሓደ ዓይነት መሰል ኣለካ።
ንስኻ ትሕቲ 18 ዓምት ዕድሜኻ ከም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ ሓደ ዓይነት መሰል ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኣሎካ። ዕድሚኡ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾነ ሕክምና ስኒ ብናጻ እዩ። ዕድሚኡ ትሕቲ 18 ንዝኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ብናጻ እዩ።
ገንዘብ እንተ ዘይብልካ ኾይኑ ወይ ሰሪሕካ ገንዘብ ዘይተእቱ እንተ ዄንካ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ትሕቲ 16 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እንተ ዄንካን ኣብቲ ናይ ዕቝባ ምምርማር እዋን መን ምኳንካ ንምርግጋጽ እንተ ተሓጋጊዝካን፡ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሕ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።
ነቲ ናትካ ናይ ዕቝባ ሕቶ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ንኽትሰርሕ ከም ዝተፈቕደካ መረጋገጺ ዝተዋህበካ ክትከውን ኣሎካ። እዚ ሕድገት ፍቓድ ስራሕ (AT-UBD) ይብሃል. ሕድገት ፍቓድ ስራሕ ካብ ብዓል መዚ ኢምግረሽን ክወሃበካ ይኽእል።
ንዓኻ ብኣካላ ወይ ብኣእምሮ ዝጸልወካ ድኽመት ተግባራዊ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እዚ ስንክልና ምህላው ይብሃል። ንስኻ ስንክልና ዘሎካ ዕቝባ ሓቲትካሉ ኣብ ዘሎካ እዋን ፍሉያት መሰላት ኣሎዉኻ።
- ዕቝባ ኣብ ትሓተሉ እዋን ምስ ተሓዝቲ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትዛረብ ከሎኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
- መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ ናብ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ንኽትኣቱ ዘቃልለልካ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ።
- ምዓልታዊ መነባብሮካ ንኽትክእል ናይቲ ዘድልየካ ሓገዝ ንኽትረክብ እቲ ትነብረሉ ኮሙን ከረጋግጽ ኣሎዎ።
ቈልዑ ምስ ስድርኦም ንኽኾኑ መሰል ኣሎዎም። እዚ ኣብቲ ሽወደን ዝፈረመትሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውዕል መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ኣሎ።
ብዘይ ስድራካ እንተ ዄንካ መጺእካ ስድራኻ ንኽትረክብ ሰበ ስልጣን ሽወደን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ወለድካ ወይ ካልት ኣዝማድካ ኣብ ሓደ ውሑስ ቦታ ኣብ ካልእ ሃገር እንተ ኣሎዉ ኾይኖም ናብኡ ንኽትገይሽ ክፍቀደካ ይኽእል እዩ።
"ወለድኻ ኣብ ሓደ ውሑስ ቦታ ኣብ ካልእ ሃገር እንተ ዘየለዉ ኾይኖም ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ይኽእል እዩ። እዚ ንኽኸውን ንስኻ ከም ስደተኛ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህብካ ክትከውን ኣሎካ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት እዚ ንዓካ ብምኽንያት ተኣፈፍቲ ኵነታት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ክምልከት ይኽእል እዩ።"
ናይ ዕቝባ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ፡ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ይጋብይ ክትብለሉ መሰል ኣሎካ።