ንጽገት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 2 2024

እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ እኹል ምኽንያት የብልካን ኢሎም ሓሲቦም ኣሎዉ ማለት እዩ።

ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ብዛዕባ ኵነታትካን ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ብኸመይ ከም ትሓስብን ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ትዛረቡ።

እንተ ተነጺግካ ክልተ ኣማራጺታት ኣሎዉኻ፡

  • ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብሎ።
  • ናብ ሃገርካ ወይ ናብ ካልእ ንኽትቕመጥ ፍቓድ ዘሎካ ሃገር ክትምለስ።

እቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳኔ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ምንጻግ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ዕጉብ ምዃንካ ምግላጽ ይብሃል። ዕጉብ ምዃንካ እንተ ገሊጽኻ ዳሕራይ ግዜ ነቲ ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ጕዳይካ ብልክዕ ኣገባብ ኣይገምገሞን ዝብል ኣተሓሳስባ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ነቲ ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ መሰል ኣሎካ።

ይግባይ ምባል፡ ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ጽሒፍኩም ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ከም ዘይትሰማምዓሉ ምንጋር ማለት እዩ።

ይግባይ ንምባል ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ ኣብቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ሰፊሩ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ውሳነ ካብ ዝተሓበረካ ዕለት ጀሚሩ ሰለስተ ሰሙን እዩ።

ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ እንተ ደሊኻ፡ ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ምስ እቲ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ ክትዘራረቡ ኣሎኩም። እቲ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ ብልክዕ ኣገባብ ይግባይ ንኽትብል ክሕግዘካ እዩ።

ይግባይ ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን

ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ እንተ ደሊኻ እቲ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓንቲ ደብዳቢ ይልእኽ። ኣብቲ ደብዳቤ እዚ ዝስዕብ ክሰፍር ኣሎዎ፡

  • ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነየናይ ውሳነ ክልውጥዎ ከም ትደሊ።
  • ስለምንታይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ክልውጥዎ ከም ትደሊ።
  • ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ።
  • ናትካ ናይ ጕዳይ ቍጽሪ። እቲ ናይ ጕዳይ ቍጽሪ ኣብ ናትካ ኤልኤምኣ ካርድ ኣሎ።
  • ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ እቲ ቤት ፍርዲ ክረኽበካ ዝኽእለሉ ቍጽሪ ተለፎንን ኣድራሻን።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ውሳነ ዝልወጥ እንተ ኾይኑ ክርእይዎ እዮም። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ጌጋ ውሳነ ወሲንና ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ ነቲ ውሳነኦም ክልውጥዎ እዮም። እዚ ንኣብነት ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ክውስንዎ ከለዉ ዘይፈለጥዎ ምኽንያት ዕቝባ እንተ ነይሩ ኾይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ንምልዋጡ ምኽንያት የለን ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ እቲ ይግባይ ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ይሓልፍ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ክልውጦ ወይ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክሰማማዕ ይኽእል እዩ።

ይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን

በቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግራሽን ውሳኔ እንተ ዘይዓጊብካ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ካብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ውሳኔ ካብ ዝረኸብካላ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ናይ ግድን ይግባይ ክትብል ኣሎካ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንሓደ ሓደ ጕዳያት ጥራይ እዩ ዝርኢ። እዚ፡ ነቲ ጕዳይ ይምርምርዎ ይብሃል። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንሓደ ጕዳይ ክምርምሮ ዝኽእል፡ መምርሒ ዝኸውን ናይ ቅድሚ ሕጂ ብይን ዘየለ እንተ ኾይኑ ወይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ጕዳይ ብጌጋ ኣገባብ እንተ ርእይዎ ኾይኑ እዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንመብዛሕትኦም ጕዳያት ንኸይምርምሮም እዩ ዝውስን። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ይግባይ ንኸይምርምሮ እንተ ወሲኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን ብቐጥታ ከገልግል ይጅምር።

ይግባይ ክበሃል ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኵነት ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፡

  • ነቲ ውሳነእንተ ተቐቢልካዮን ኣብቲ ናይ ዕግበት መግለጺ ዝብሃል ፈሪምካ እንተ ኾንካን።
  • ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ናትካ ጕዳይ ንኸይምርምሮ እንተ ወሲኑን።
  • ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑን።

ናይ ምጥራዝ ውሳኔ እንተ ተዋሂቡካ፡ ናብ ዓድኻ ወይ ካልእ ንኽትነብረላ መሰል ዘሎካ ሃገር ናይ ምምላስ ጕዕዞ መደብ ንኽትገብሩ ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዙሕ ግዜ ናብ ኣኼባ ክትጽውዑ ኢኹም።

ኣብቲ ኣኼባ ንተሓዝ ጕዳይ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሕቶታት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ምምላስ ጕዕዞ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ፡ ክትበጽሕ ከሎኻ ዝቕበለካ ሓደ ወላዲ፡ ካልእ ዘመድ ወይ ውዱብ ክህሉ ኣሎዎ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምእንቲ ክራኸቦም ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ስምን ቍጽሪ ተለፎንን ናይ ወለድኻ ወይ ኣዝማድካ ክትህቡ ኢኹም።

ብድልየትካ ክትምለስ እንተ መሪጽካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ጕዕዞ ክሕግዙኻ እዮም። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ምምላስ ኣይትተሓባበርን ኣሎኻ ዝብል ርእይቶ እንተ ኣሎዎም ኾይኑ፡ እቲ ጕዕዞ ባዕልኻ ከተዳልዎ ኣሎካ።

ልዕሊ 18 ዓመትን ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምዓልታዊ ክፍሊት ትወሃብን እንተ ዄንካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ምምላስ ኣይትተሓባበርን ኣሎኻ ዝብል ርእይቶ እንተ ኣሎዎም ኾይኑ፡ ነቲ ምዓልታዊ ክፍሊትካ ክንክይዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ምስ ምምላስካ ዝተተሓሓዘ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ናበይናይ ሃገር ትምለስ ከም ዘሎካ እዩ ዝውስኖ። ቅድሚ ካብ ሽወደን ምውጻእካ ቍጠባዊ ሓገዝ ንኽወሃበካ ከተመልክት ኣሎካ።

መዓስ ኢኻ ካብ ሽወደን ትወጽእ?

እቲ ናትካ ውሳኔ ምስ ተዋህበካ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ውሱን ግዜ ይወሃበካ። ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ ኣብቲ ውሳኔ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኣብቲ ውሽጢ እቲ ግዜ እንተ ዘይተመሊስካ፡ ተመሊስካ ንኽትኣቱ ፍቓድ ንኽወሃበካ ዘሎ ዕድል ኣብ ሓደጋ ተእትዎ ኣሎኻ። እዚ ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኾነት ሃገር ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ስቪጸራ፡ ሊኽትንሽታይን፡ ሩመንያ ወይ ቡልጋርያ ክትኣቱ ኣይፍቀደካን ማለት እዩ። ኣብቲ ናትካ ውሳነ እቲ ክልከላ ንኽንደይ ንውሓት ግዜ ከም ዘገልግል ሰፊሩ ኣሎ።