መንበሪ ፍቓድ ይወሃብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 10 2023

መንበሪ ፍቓድ እንተ ተፈቒዱካ ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ሓደ ኣውንታዊ መልሲ ረኺብካሉ ኣሎኻ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ተፈቒዱካ ኣሎ ማለት እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነት መንበሪ ፍቓዳት

ከም ስደተኛ ሓደ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ እዚ ፍቓድ ንሰለስተ ዓመት የገልግል።

ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ መጠን መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ እቲ መንበሪ ፍቓድ ን13 ኣዋርሕ የገልግል።

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምምዝጋብ

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተወሃብካ ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ናይ ግድን ክትምዝገብ ኣሎካ። እዚ ኣብ ሓደ ካብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ቤት ጽሕፈታት ትገብሮ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ንኽትምዝገብ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ምሳኻ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ብዓል መዚ ግብሪ ክኸይድ ኣሎዎ።

ኣብቲ ህዝባዊ ምዝገባ፡ ብዛዕባ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጦም ሰባት ሓበሬታን ኣበይ ከም ዝቕመጡን ይምዝገብ። ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ከሎኻ እተን ኣርባዕተ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ ናይ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ እውን ትወሃብ።

ናይ ዕቝባ ጕዳይካ ይዕጾ

መንበሪ ፍቓድ ምስ ወሰድካ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ስርዓት ትወጽእ። ካብኡ ንንየው ምዓልታዊ ክፍሊት ኣይውሃበካን እዩ። ናትካ ናይ ባንክ ካርድ ምስራሕ የቋርጽ። ስለዚ እዩ ካብቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ስርዓት ቅድሚ ምውጻእካ ኣብቲ ናይ ባንክ ካርድ ዘሎ ገንዘብ ከተውጽኦ ኣገዳሲ ዝኸውን።

ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ስርዓት ምስ ወጻእካ ናትካ ናይ ዕቝባ ጕዳይ ይዕጾ።

ካብኡ ቀጺሉ ክሳብ 18 ዓመት ትመልእ እቲ ኮሙን ናትካ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ። እቲ ኮሙን ንኣብነት ትነብረሉ ቦታ ከም ዘለካን ናብ ትምህርቲ ክትከይድ ከም ትኽእል የረጋግጽ።