ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ቈልዑ ምስ ስድርኦም ንኽቕመጡ መሰል ኣሎዎም። እዚ ኣብቲ ሽወደን ክታማ ዘንበረትሉ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ይርከብ።

ዳግመ ምትእኽኻብ ስድራ እንታይ እዩ?

ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ተፋላልያ ዝነበረት ስድራ ቤት ምስቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦ ኣባል ስድራ ቤታ ኣብ ሽወደን ብሓባር ንኽትነብር ከተመልክት ትኽእል እያ ማለት እዩ።

ናብ ሽወደን ብዘይ ስድራኻ እንተ ዄንካ መጺእካ፡ ናይ ሽወደን ሰብ መዚ ስድራኻ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ወለድኻ ወይ ካልኦት ኣዝማድካ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ውሑስ ኵነታት እንተ ኮይኖም ዘለዉ፡ ናብኡ ክትከይድ ይፍቀደካ እዩ።

ወለድካ ኣብ ውሑስ ኵነታት ዘይትርከብ ሃገር እንተ ኾይኖም ዘለዉ፡ ኣብ ሽወደን ንመንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ምእንቲ ክኸውን ንስኻ ከም ስደተኛ ወይ ከም ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ኲነታት ብምኽንያት ፍሉይ ተኣፋፊ ኲነታት መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝተወሃበካ’ውን እዚ ክምልከቶም ይኽእል እዩ።

ንስድራቤታዊ ዳግም ምትእኽኻብ መን መሰል ኣሎዎ?

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ወለድኻን ኣሕዋትካን ምሳኻ ኣብ ሽወደን ንኽትኣኻኸቡ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወላዲኻ ምናልባት ናብ ሽወደን ንኽግዕዝ መሰል ኣሎዎ እንተ ኾይኑ ንኽምርመ፡ ንስኻ ኣብ ሽወደን ትነብር ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡

  • ዘይተመርዓኻ፡
  • ትሕቲ 18 ዓመት ምዃን፡
  • ብዘይ ወለድኻ ወይ ብዘይ ካልኦት መጕዚ ናብ ሽወደን መጺእካ ወይ ናብ ሽወደን ምስ መጻእካ በይንኻ ተገዲፍካ፡
  • ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ፡ ግን ሽወደናዊ ዜጋ ኣይኮንካን ዘለኻ።

ኣብ ሽወደን ዕቑባ ክትሓትት ከለኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ነርካ ኴንካ፡ ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ከሎ ዋላ ልዕሊ 18 ዓመት ኩን ምስ ስድራ ቤትካ ንኽትተኣኻኸብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ተፈጻምነት ዝህልዎ ግን ስድራካ ካብታ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካላ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ እንተ ኣመልኪቶም ጥራይ እዩ።