ኢንተርነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 11 4 2023

ኢንተርነት ንብዙሕ ነገራት ይጠቅም። ምስ ብጾትካን ኣዝማድካን ክትራኸበሉ ትኽእል። ናይ ባንክ ንጥፈታት ተካይድ ወይ ምስ ሰበስልጣን ትራኸብ። ኣብ ናይ ቤትትምህርቲ ስራሕካ ነቲ ሕቶታትካ መልሲ ትረኽበሉ፡ ፊልም ትርኢ፡ ሙዚቃ ትሰምዕ፡ ጸወታ ትጻወትን ካልእ ብዙሕ ነገራት ትሰርሓሉን።

ኢንተርነት ክጥቀም ከለኻ ክትሓስበሎም ዘሎካ ነገራት ኣሎዉ። ኢንተርነት ዜደንቕን ብዙሕ ደስ ዘብል ነገራትን ክትገብረሉ ትኽእልን እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕካ ግን ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ወይ ብጌጋ ንኻልኦት ሰባት ከተሕርቕ ወይ ከተሕዝን እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ታሕቲ ኢንተርነት ክትጥቀም ከለኻ ክትሓስበሎም ብዛዕባ ዘሎካ ነገራት ምኽሪ ትረክብ።

ናይ መርበብ ብልሂ ኹን! ኣብ ኢንተርነት ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዚእምት 10 መገዲ​

ኣብ መርበብ፡ ጽሑፍ ወይ ስእሊ ወይ ርእይቶ ቅድሚ ምልጣፍካ ሕሰበሉ። እቲ ኣብ መርበብ እትልጥፎ ቀልጢፉ ኪዝርጋሕ ይኽእል እዩ። ን'ዘልኣለም' ኣብኡ ኪጸንሕ ይኽእል። መንዩ ግን ነቲ ዝለጠፍካዮ ዚርእዮ? መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ መርበብ ብዚርከብ መሳርሒ ጌርካ መን ኪርእዮ ከም ዚኽእል ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል።

ቅድሚ ገለ ነገር ምልጣፍካ ከምዚ ብምባል ሕሰብ፤ ኩሉ ኣብቲ ክላስ ዘሎ ተምሃራይ ነዚ ኪፈልጦ እደሊ ድየ? ኩሎም ተመሃሮ ነዚ ስእልዚ ኪርእዩዎ እደሊ ድየ? መልሱ ኣይፋል ምስ ዚኸውን፡ ኣይትለጥፎ።​

ብዛዕባ ካልኦት ርእይቶ ክትህብ ከሎኻ ወይ ፎቶ ክትልጥፍ ከሎኻ ብዘይሓሰብካዮ መገዲ ብቕልጡፍ ኪዝርጋሕ ይኽእል። ብልምዲ ንመስሓቕ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ኣብቲ መርበብ ዘይእሩም ኪኸውን ካልእ ትርጉም ኪወሃቦውን ይኽእል።

ኩሉ እቲ እትገብሮ ንኻልኦት ይጸልዎም እዩ። እቲ ኣብ ህይወት ክልኩል ዝኾነ ነገራት ኣብቲ መርበብውን ክልኩል እዩ፡ ንኣብነት፡ ምድንዳን ወይ ምጽራፍ።

ቅድሚ ርእይቶ ምሃብካ ወይ ኣብቲ መርበብ ገለ ምልጣፍካ፡ ከምዚ ብምባል ሕሰብ፤ እዚ ነገርዚ ነቲ ሰብ ብቐጥታ ኣብ ገጹ ምበልኩዎዶ?​

ኣብቲ መርበብ ንመጀመርታ ግዜ ብጻይ ምስ እትረክብ፡ ክትጎርሕ ይግበኣካ። ከታልለካ ዚደሊ ኪኸውን ይኽእል። ዕድመኡ ሕተቶ፡ ተጣቢብካውን ወጥሮ።

ነቲ በይንኻ ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ ሰብ ኣይትራኸቦ። ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ምሳኻ ውሰዶ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘለዉዎ፡ ግዜን ቦታን ወሲንካ ቆጸራ ግበር። ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸብ ከም ዝኾንካን ኣበይ ምዃኑን ንብጾትካ ወይ ካልእ ዕብይ ዝበለ ሰብ ንገር።

ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ኣይትራኸብ።​

ብሓቂ እንታይ ኢኻ ንኻልኦት ከተካፍል ደሊኻ? ቅድሚ ንኻልኦት ውልቃዊ ሓበሬታ ምሃብካ፡ ሕሰበሉ። ናይ ግልኻ ቍጽሪ መንነት፡ ተነቃፊ ስእሊ፡ ወይ ንኣኻን ንኻልኦትን ዚምልከት ሓበሬታ ቅድሚ ምሃብካ ቅሩብ ሕሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ኩሉ ሰብ ኪፈልጦ ዘይትደሊ እንተኾንካ።

ውልቃዊ መኽፈት መርበብን ምስጢራዊ ኣሃዝን (ፓስወርድ) ንሰብ ብፍጹም ኣይትሃብ።​

ነቲ መርበብ ወይ ሳይት መን እዩ ሰሪሑዎ? ስለምንታይከ ተሰሪሑ? ዝኾነ ዓይነት መርበብ ወይ ናይ ኢንተርነት ሳይት ብምኽንያት እዩ ዚስራሕ። ንምሕባር ዲዩስ ወይ ንረክላም፡ ወይስ ንገንዘብ ወይስ ከምቲ ናቱ ከም እትሓስብ ንምግባር?

መብዛሕትኡ ኣብ ኢንተርነት እተንብቦን እትርእዮን ሓቂ ኣይኮነን። እቲ ሓበሬታ ዝንቡዕ ወይ ግጉይ ኪኸውን ይኽእል። ኣብ መርበብ ከተንብብ ከሎኻ ነቲ ምንጪ ኣብ ግምት ኣእትዎ። ተጠንቂቕካ ኣንብቦ፡ ቅድሚ ምጥቃስካ/ምቕዳሕካ ድማ ብዓይኒ ነቐፌታ ተመልከቶ።

ኣብ ኢንተርነት ገለ ከተንብብ ከሎኻ ከምዚ ብምባል ሕሰብ፤ መን እዩ ጽሒፉዎ፡ ስለምንታከ?​

ካብ መርበብ ኢንተርነት ገለ ናይ ሰብ ጽሑፍ ክትጠቅስ ወይ ስእሊ ወይ ፎቶ ክትጥቀም ምስ እትደሊ፡ ነቲ ምንጪ ጥቐሶ። ሕጊ ተኸተል። ኣየናይ ብናጻ ከም ዚቕዳሕ ወይ ኣየናይ እዩ ናይ መን ንምፍላጥ እንተ ሸጊሩካ፡ ንመምህርካ ወይ ንኻልእ ዓቢ ሰብ ተወከስ።​

ኣብቲ መለጠፍን (ፖስት) ኣብቲ ፎቶኻን ቍጽጽር መታን ኪህልወካ እንታይ ክትገብር ከም ዝግበኣካ ፍለጥ። ኣብቲ ሳይት ወይ ኣብቲ መጻወቲ እንታይ ቅድመ-ኩነት ኣሎ? ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዚሕብር ገለ ሕግታት ኣሎዶ? ኣብቲ ሳይት ብምንባብ እንታይ ሕጊ ከም ዚሰርሕ ፍለጥ፡ ወይ ንዚፈልጥ ሕተት።​

ምስ ካልእ ሰብ እተሰኣልካዮ ስእሊ ክትልጥፍ ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ነቲ ሰብ ፍቓድ ክትሓቶ ይግባእ። ናይ ካልእ ሰብ ስእሊ ምስ ዚኸውን ድማ ቅድም ነቲ ሰብ ፍቓድ ሕተቶ - ንሱ እዩ ነቲ ስእሊ ዚውንኖ ኩሉ ሰብ ከኣ ስእሉ ኣብ መርበብ ኪልጠፍ ኣይደልን እዩ።

ስእሊ ቅድሚ ምልጣፍካ ከምዚ ብምባል ሕተት፤ ኣነ ዘለኹዎ ሰእሊ ካልእ ሰብ ኪልጥፎ እደሊዶ?​

ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ባዕላቶም ብኢንተርነት ገይሮም ኪዕድጉ ኣይፍቀደሎምን። ዕብይ ዝበለ ሰብ ነቲ ክፍሊትካ ከፍቅደልካ ይግባእ። ግን ጸገም ከኣ ኣሎ።

ኩሉ ግዜ ሕቡእ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ኸኣ ዋጋ ናይቲ ኣቕሓ ወይ ጸወታ ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ የሸግረካ። ቅድሚ ሓደ ነገር ብኢንተርነት ምዕዳግካ ወይ ምሻጥካ ንዚፈልጥ ሰብ ኣማኽር፡ በዚ ኸኣ እቲ ንኽትዕሾ ዘሎካ ዕድል ይቕንስ።​

ኩነታቱ ደስ ምስ ዘይብለካ ነቲ ርክብ ኣቋርጾ። ኣይደልን ክትብልን ከተቋርጽን መሰል ኣሎካ። ንኣኻ ዚሰማምዓካ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ውሕስነት ምስ ዘይስመዕካ ንሓደ እትኣምኖ ሰብ ተወከሶ። ኩነታቱ ደስ ዘይብል ወይ ዘይንቡር ኮይኑ ምስ ዚስመዓካ ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብ ንኽሕግዘካ ተወከሶ።​

ኣብ ኢንተርነት ካብ ዘጋጥም ጽልእን ምፍርራህን ምክልኻል

ኣብ ደገ ኣብ ሕብረተሰብ ይኹን ኣብ ኢንተርነት እቲ ሕጊ ሓደ እዩ። ጽልእን ምፍርራህን ዘይሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገበን ተፈጺሙ እንተ ዀይኑ ምውሳን፡ ናይ ፖሊስን ዓቃብ ሕግን ስራሕ እዩ።