Hej svenska ተጠቂምካ ሽወደንኛ ተለማመድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 1 2026

Hej svenska ንዓኻ ሽወደንኛ ክትለማመደ እትደሊ ዝኸውን ናይ ቋንቋ ኣፕ እዩ። እዚ ኣፕ ምሉእ ብምሉእ ዘይክፈሎ ኮይኑ ኣርባዕተ ደረጃታት ኣለዎ። Hej svenska ኣብ ኮምፒተር እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

በዚ Hej svenska ዝብሃል ናይ ቋንቋ ኣፕ ሓደስቲ ቃላትን ሓረጋትን ሽወደንኛ ክትመሃርን ሰዋስው ሽወደንኛኻ ክትለማመድን ትኽእል ኢኻ። ብምንባብ፡ ብምጽሓፍን ብምስማዕን ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ኮምፒተርካ – ባዕልኻ ምረጽ!

Hej svenska ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ኮምፒተርካ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። Hej svenska ኣብ ሞባይልካ ክትጥቀመሉ ንኽትኽእል መጀመርታ ነቲ ኣፕ ካብ App Store ወይ ካብ Google Play ከትጽንዕኖ ከድልየካ እዩ።

Hej svenska ንምጥቃም ኢንተርነት የድልየካ እዩ። እዚ ሞባይል ዲኻ ኮምፒተር ትጥቀም ዘለኻ ብዘየገድስ የድልየካ እዩ።

ካብ ሓድሽ ጀማሪ ክሳብ ምዕቡል ደረጃ

Hej svenska ኣርባዕተ ደረጃታት ብርትዐ ኣለዎ፦ 1–4። 1ይ ደረጃ ንዓኻ ሓድሽ ጀማሪ ዝኾንካ እዩ። እቶም ካልኦት ደረጃታት ብርትዕ ዝበሉ ልምምዳት ዝሓዙ እዮም።

ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዓሰርተ ኣርእስትታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ሓያሎ ልምምዳት ኣሎ። ኣየኖት ኣርእስትታትን ልምምዳትን ክትገብር ከም እትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደሊኻ ንሓደ ልምምድ ብዙሕ ግዜ ደጋጊምካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Hej svenska 1–4

ኣብዚ ካብ App Store ወይ Google Play Hej svenska ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ኮምፒተር እንተ ዄንካ እትጥቀሙ Hej svenska ባዕሉ ክኽፈት እዩ።

ናይ መስምዒ መጠወቒ

እቲ ናይ መስምዒ መጠወቒ ናይ መጉልሕ ድምጺ ምልክት ኣለዎ። ትሕዝቶ ናይ ሓደ ልምምድ ንምስማዕ ነቲ መጠወቒ ጽቐጦ።

ናይ ሕራይ መጠወቒ

ንሓደ ዝገበርካዮ ልምምድ ንምእራም ነቲ “ሕራይ” ዝብል መጠወቒ ጽቐጦ። መልስኻ ቅኑዕ እንተኾይኑ ብቀጠልያ ሕብሪ ምልክት ክግበረሉ እዩ። መልስኻ ጌጋ እንተኾይኑ ብቀይሕ ሕብሪ ምልክት ክግበረሉ እዩ።

መሐበሪ ፍላጻ መጠወቒ

ናብ ዝቕጽል ልምምድ ንምስግጋር ነቲ ናይ መሐበሪ ፍላጻ ጽቐጦ። ቅድሚ ነቲ ናይ መሐበሪ ፍላጻ መጠወቒ ምጽቃጥካ ነቲ ዝገበርካዮ ልምምድ ክትእርሞ ኣለካ።

ንሓገዝ መጠወቒ

እቲ ናይ ሓገዝ መጠወቒ ናይ ምልክት ሕቶ ምልክት ኣለዎ። ናይቲ ልምምድ ቅኑዕ መልሲ ንከርእየካ ነቲ ናይ ሓገዝ መጠወቒ ንሒደት ካልኢታት ጠውቆ። ነቲ መጠወቒ ክንዲ ዝደለኻዮ ብዝሒ ግዜ ክትጥውቖ ትኽእል ኢኻ።

ሕቶታትን መልስታቱን

እወ፡ ብተኸታታሊ ዝተኣሳሰሩ ልምምዳት እንተ ዄንካ ትገብር ዘለኻ፡ ምእንቲ ክትቅጽል ነቶም ልምምዳት ብተኸታታሊ ገርካ ክትውድኦም ኣለካ።