ጽቡቕ ምህላው

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 2 2023

ንስኻ ናብ ሽወደን ብዘይ ወለዲ ወይ መጕዚ ዝመጻእካ፡ ልክዕ ከም ኵሎም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ትሕቲ 18 ዓመት ቈልዑ መሰል ኣሎካ። ከድልየካ ከሎ ሓገዝን ክንክንን ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ጽቡቕ ንኽትህሉ መሰል ኣሎካ።

ኣብ ሽወደን ንኽምችኣካን ጽቡቕ ክትህሉን ዝሰርሑ ብዙሓት ኣሎዉ። ካልእ ገዲፍካ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ናይ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ሰራሕተኛታት። ጽቡቕ እንተ ዘየለኻ ዄንካ ወይ ገለ ነገር እንተ ደሊኻ ንዕኦም ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ንሶም እቲ ጽቡቕ ንኽትህሉ ዘድልየካ ሓገዝ ከም ትረክብ ከረጋግጹ እዮም።

እንተ ሓሚምካ ወይ ክንክን ስኒ ደሊኻ

እንተ ኣድልዩካ ናይ ሕክምናን ክንክን ስኒን መሰል ኣሎካ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ኣይክፈሎን እዩ። ኣብ ሽወደን ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ክንክን እሎ።

መርመራ ጥዕና

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት ብናጻ ናይ ጥዕና መርመራ ክገብሩ ዕድል ይወሃቦም እዩ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብዛዕባ ብስምዒት ከመይ ከም ዘሎና እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሕ ዝሕሰብ ክህልወካ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ከምዚ እዋን ደገፍ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ንስኻ ናብ ሓንቲ ሓዳሽ ሃገር ዝመጻእካ ምናልባት ብዛዕባ ገለ ዝተመኮርካዮ ከቢድ ነገር ትሓስብ ትኸውን። ንስድራኻ እንታይ ከም ዘጋጥሞም ወይ መጻኢ ግዜ ከመይ ከም ዝኸውን የሻቕለካ ይኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ ምናልባት ብርግጽ ስለ ምንታይ ምዃኑ ከይፈለጥካ ሕማቕ ይስምዓካ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምእንቲ ክሕሸካ ባዕልኻ ክትገብሮም ትኽእል ነገራት ኣሎዉ። ኣብ ኢንተርኔት ሓደ Youmo.se ዝብሃል ብብዙሕ ቋንቋታት ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ኣሎ። ኣብኡ ብዝይዳ ሕጕስን ህዱእን ዄንካ ንኽስምዓካ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ምኽሪ ትረክብ። ኣብ youmo.se

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ሕማቕ እንተ ኣሎኹም ዄንኩም እንታይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ ፊልምታት ክትርኢን ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብዛዕባ ሕቶታን ንኣብነት ናትካ ኣካላት፡ ፍቕርን ጾታዊ ርክብን ዚምልከት እውን መልሲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ፊልም ካብ Youmo.se፤ ሓደ ከቢድ ራዕዲ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ'ዶ?

እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ኣሎ።

ኣእምሮኣዊ ኣዚካ ሕማቕ እንተ ኣሎካ ዄንካ ሓገዝ ሕተት

ንነዊሕ ግዜ ሕማቕ እንተ ኣሎኻ ወይ ኣዚኻ ሕማቕ ኣሎካ ዄንካ፡ ሓገዝ ክትሓትት ኣሎካ። ባዕልኻ ወይ ምናልባት ካብ ግዝያዊ መጕዝካ ወይ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትነብረሉ መንበሪ ሓገዝ ረኺብካ ምስ ሕክምና ክትራኽብ ትኽእል ኢኻ።

ተምሃራይ እንተ ዄንካ ካብ ሓንቲ ኣማኻሪት፡ ኣላዪት ሕሙማት ወይ ካልእ ኣብ ጥዕና ተምሃራይ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ምስ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምና ኣእምሮ (BUP) እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣሎኻ ዄንካ ብዛዕባ ሓገዝ ክትረኽበሎም ትኽእል ክሊኒካትን ካልኦት ቦታታትን ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኵሎም ተምሃሮ ኣብ ሽወደን ካብ ሓደ ጥዕና ተምሃራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓገዝ ክረኽቡ ይክእሉ እዮም። እዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ንሓንቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣላዪት ሕሙማት ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ከምኡ'ውን ሓዚንካን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ኣሎኻ ዄንካን ከተዘራርቦም ትኽእል ሓንቲ ኣማኻሪት ወይ ስነ-ኣእምሮኛ (ሳይኮሎጅየኛ) ኣሎዉ። ኵሎም ኣብ ጥዕና ተምሃራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣሎዎም። እዚ ንስኻ ከየፍቀድካ ንኻልእ ሰብ ብዛዕባኻ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ።

ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ይስምዓካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰራሕተኛታት ብቑዕ ሓገዝ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ እዮም።

ሓደ ክሊኒክ መንእሰያት፡ ንመንእሰያት ዝቕበል ክሊኒክ እዩ። ናብኡ ካብ ወዲ 12 ወይ 13 ዓመት ክሳብ ኣብ መንጎ 20ን 25ን ዓመት ትኸውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ካብ ክሊኒክ ናብ ክሊኒክ ይፈላለ እዩ። ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ናይ ብዙሕ ዝተፈላለየ ነገራት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሻቕሎት ወይ ጭንቀት ይስምዓካን ምስ ገለ ሰብ ክትዛራብ የድልየካን እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንኣብነት ሓገዝ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ንምርካብ ወይ ሕቶ ብዛዕባ ኣካላትካ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምና ኣእምሮ፡ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ንዘሎዉን ደገፍ ወይ ክንክን ዘድልዮምን ክሳብ ደቂ 18 ዓመት ንዘሎዉ መንእሰያት ዝዓለመ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ብዛዕባ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምና ኣእምሮ ክዛረብ ከሎ ኣሕጽሮት ቃል BUP ይጥቀም እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ናብቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ክሊኒክ ብምድዋል ምስ BUP ብቐጥታ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ምኽሪ ንምርካብ ናብ ብዙሓት ክሊኒካት ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ምስ ሓደ ተራፕየኛ ክትዛረብ ትኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ብተለፎን ምኽሪ ምርካብ ከም ሓገዝ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝያዳ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ተራፕየኛ BUP ንዓኻ ልክዕ ክሊኒክ እንተ ኾይኑ ወይ ኣብ ክንድኡ ንኣብነት ካብ ጥዕና ተምሃራይ ወይ ክሊኒክ መንእሰያት ሓገዝ ክትድሊ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ክግምግም ይኽእል እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣጸቢቕኩም ሕማቕ እንተ ኣሎኹም ኴንኩምን ብቝልጡፍ ሓገዝ ዘድልየኩም ኾይኑን ናብ ናይ ስነ-ኣእምሮ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ኪዱ። ናበይ ከም ትኸይድ ንምፍላጥ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ህጹጹ ኵነትን ናይ ሓደ ሰብ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እንተ ኾይኑ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣሎካ። ሽዑ ብቑልጡፍ ሓገዝ ትረክብ። እንተ ኣድልዩ ናብ ቅበላ ህጹጹ ረድኤት ትወስድ ኣምቡላንስ ትመጸካ።

ብኣእምሮ ጽቡቕ እንተ ዘየሎኻ ዄንካ፡ ብጀካ ኣገልግሎት ሕማም ካልኦት ሓገዝን ምኽርን ዘወፍዩ እውን ኣሎዉ። ንኣብነት ብዙሓት ሓገዝ ንምርካብ ክትድውለለን ወይ ክትራኸበን ትኽእል ወለንታውያን ማሕበራት ኣሎዋ። እተን ማሕበራት ኣየናይ ሓገዝ ከም ዘወፍያ ክተንብበሉ ትኽእል ኣብ ኢንተርኔት ናይ ገዛእ ርእሰን መርበብ ሓበሬታ ኣሎወን።

ስንክልና

ሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ ዘለዎ እዩ። ስንክልና፡ ንኣብነት ሕማቕ ትርኢ ወይ ከም ሓገዝ-እዝኒ ወይ መንበር ዓረብያ ዝኣመሰሉ ሓደ ሓደ ናውቲ ከድልዩካ ይኽእሉ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን መዓልታዊ መናባብሮኻ ንኽትኣሊ ካብ ካልኦት ሓገዝ የድልየካ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓኻ ስንክልና ዘሎካ፡ ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ፍሉያት መሰላት ኣሎዉኻ። ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ እቲ ልክዕ ሓገዝ ንኽትረክብ እታ ናትካ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጕዳያት ክትሕግዘካ እያ።

መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካን ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ዄንካን ንተወሳኺ ሓገዝ መሰል ኣሎካ።

ግዳይ ናይ ዓመጽ

ጎነጽ፣ ምፍርራሕ ወይ ንካልኦት ምጉዳእ ኩልኩል እዩ። ጎነጽ ዝተፈላለየ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ጾታዊ፣ ቑጠባዊ ወይ ንዋታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጎነጽ እንተተቓሊዕካ ንዑቕባን ደገፍን መሰል ኣለካ።

ኣልኮሆል፡ ዕጸፋርስ፡ ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒት፡ ትምባኾን ቁማርን ኣኤንደተኤስ

ናይ ሂወት ኣመላት ኣብ ጥዕናና ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣመላት እዮም። ሽጋር ምትካኽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን ንሕማም ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብገንዘብ ምጥላዕ እውን ናብ ጸገማትን ሕማምን ከምርሕ ይኽእል እዩ።