ክንክን እንተ ኣድልዩካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 2 2023

እንተ ኣድልዩካ ናይ ሕክምናን ክንክን ስኒን መሰል ኣሎካ። ኣብ ሽወደን ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ክንክን እሎ። ኣብዚኣ ገጽ ንዓኻ ብቑዕ ክንክን ንምርካብ ሓገዝ ትረክብ።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመትን ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባን እንተ ዄንካ፡ ልክዕ ከም'ቶ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑን መንእሰያትን መሰል ናይ ሕክምናን ክንክን ስኒን ኣሎካ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ኣይክፈሎን እዩ።

ልዕሊ 18 ዓመትን ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሽወደን ህጹጽ ንዝኾነ ሕክምናን ክንክን ስኒን መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ዘጸግመካን ኣብ ዳሕራይ ግዜ ህጹጽ ክኸውን ንዝኽልን ሕክምና መሰል ኣሎካ። እቲ ጸገም ኣብ ዳሕራይ ግዜ ህጹጽ ክኸውን ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሓኪም እዩ ዝውስኖ።

ልዕሊ 18 ዓመትን መንበሪ ፍቓድ ዝወሰድካን እንተ ዄንካ፡ ልክዕ ከም ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ካልኦት ሰባት ናይ ሕክምናን ክንክን ስኒን መሰል ኣሎካ።

ሕክምና ክትደሊ እንተ ዄንካ ንኽትፈልጦም ጠቐምቲ

ናብ ሕክምና ክትበጽሕ እንተ ዄንካ ናይ ግድን እቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ምሳኻ ክህሉ ኣሎዎ። ከምኡ'ውን ካብ ቤት መድሃኒት መድሃኒት ክትወስድ ከለኻ ነቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ምርኣይ ከድልየካ እዩ። እቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ክትወሃቦ እንተ ዘይኣርኪቡ፡ ዕቝባ ናይ ዝሓተትካሉ ቅብሊት ከተርኢ ኣሎካ።

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ እንተ ዄንካ፡ ሕክምና ክትደሊ ወይ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት ክትወስድ ከለኻ ናትካ ወረቐት መንነት ምሳኻ ክህሉ የድሊ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ሰራሕተኛታት ክንክን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። እዚ፡ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኻ ነገራት ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ። እቲ ንሰራሕተኛታት ክንክን ትነግሮም ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድልካ ኣይጸልዎን እዩ።ብኣገልግሎት ሕክምና ተመዚዞም ዝሰርሑ ኣስተርጐምቲ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። ዋላ እቶም ኣብ ቤት መድሃኒት ዝሰርሑ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም።

ጽቡቕ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ወይ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ክትራኸብ ከለኻ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ወይ ምስ ካልእ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ክንክን ስኒ ዝሰርሕ ሰብ ክትራኸብ ከሎኻ ኣስተርጓሚ ምሳኻ ክህሉ መሰል ኣሎካ።

እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ዝብሉ ዘለዉ ክትርዳእ ከምኡ'ውን እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ትብል ዘለኻ ክርድኦም ኣገዳሲ እዩ። ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ክትራኸብ ከለኻ ክትጥቀመሎም ትኽእል ስእልታት ኣለዉ።

ብቑዕ ሕክምና ርኸብ

ጥዕና ተምሃራይ

ኵሎም ተምሃሮ ኣብ ሽወደን ካብ ሓደ ጥዕና ተምሃራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓገዝ ክረኽቡ ይክእሉ እዮም። እዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ንሓንቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣላዪት ሕሙማት ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ከምኡ'ውን ሓዚንካን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ኣሎኻ ዄንካን ከተዘራርቦም ትኽእል ሓንቲ ኣማኻሪት ወይ ስነ-ኣእምሮኛ (ሳይኮሎጅየኛ) ኣሎዉ።

1177 ቮርድጋይደን

ምዓስ ሕክምና ከም ትደሊ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ቮርድጋይደን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። እቲ ቍጽሪ ተለፎን 1177 እዩ። ሽዑ ምስ ሓንቲ ብዛዕባ እቲ ጸገማትካ ምኽሪ ክትህበካ እትኽእል ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ኢኻ። ከምኡ'ውን እታ ኣላዪት ሕሙማት ኣበይ ብቑዕ ሕክምና ክትረክብ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትህበካ እያ። ናብ 1177 ቮርድጋይደን ለይትን መዓልትን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ብጀካ ብሽወደንኛ ብኻልኦት ቋንቋታት ምኽሪ ንኽትረክብ ተኽእሎታት ኣሎ።

ማእከል ክንክን ጥዕና

ብህጹጹ ሓሚምካ ወይ ተጐዲእካ እንተ ዘይኴንካ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ኣሎካ። ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ናይ መብዛሕትኡ ነገራት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ይስምዓካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቶም ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒካት ክትራኸብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ህጹጽ ሕክምና

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ብብርቱዕ እንተ ሓሚምኩም ወይ ብኸቢድ ተጐዲእኩም፡ ካብ ሓደ ናይ ህጹጹ ረድኤት መቐበሊ ሓገዝ ክትሓቱ ኣሎኩም። እቲ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝርከብ ኾይኑ ኵለን መዓልታት፡ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣለኹም ኾንኩምን ብቑልጡፍ ሓገዝ ዘድልየኩም ኾይኑን፡ ናብ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከዱ ኣለኩም። ናበይ ከም ትኸይድ ንምፍላጥ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ናይ ህጹጽ ቍጽሪ ተለፎን 112

ህጹጹ ኵነትን ናይ ሓደ ሰብ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እንተ ኾይኑ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣሎካ። ሽዑ ብቑልጡፍ ሓገዝ ትረክብ። እንተ ኣድልዩ ናብ ቅበላ ህጹጹ ረድኤት ትወስድ ኣምቡላንስ ትመጸካ። ኣብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ምስ ኣምቡላንስ፡ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን ክትራከብ ትኽእል።

ክኢላታት ዘለወን ክሊኒካት

ኣብ ኵለን ማእከላት ክንክን ጥዕና ዘየለዉ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ዘለውወን ክሊኒካት ኣሎዋ። ንኣብነት ሓኪም ኣእምሮ፡ ሓኪም ዓይኒን ሓኪም ቈርበትን።

ክንክን ስኒ

ትሕቲ 18 ዓመትን ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባን እንተ ዄንካ፡ ብናጻ ክንክን ስኒ ትረክብ። መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ እንተ ዄንካ ክሳብ 22 ዓመት ትመልእ ብናጻ ክንክን ስኒ ትረክብ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ቈልዑን መንእሰያት ንመርመራ ናብ ሓኪም ስኒ ይጽውዑ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ናብ ሓኪም ስኒ ትጽዋዕ። እቲ መርመራ ነስናን ብጥዑያቶም ንምሓዝን ኣብ ኣስናን ነኳል ንምርካብን እዩ።

ሓታት ዕቝባ እንተ ዄንካ ክሳብ እታ 18 ዓመት ትመልኣላ ዕለት ንመርመራ ትጽዋዕ ኢኻ።

መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ እንተ ዄንካ ክሳብ 22 ዓመት ትመልእ ንመርመራ ትጽዋዕ ኢኻ።

መድሃኒት ምግዛእ

መድሃኒት ካብ ሓደ ፋርማሲ ትገዝእ። ንገሊኡ መድሃኒት ካብ ሓኪምካ ትእዛዝ የድልዮ እዩ። ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማት ስለ ዝፈልጡ ብዛዕባ መድሃኒታት ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣሎዎም።