ሓታቲ ዕቝባን 18 ዓመት ትመልእ እንተ ዄንካን
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 1 2023
18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ዕድሜኻ ከም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ እንተ ተመዝጊቡ፡ ደጊም ከም ቈልዓ ኣይትሕሰብን ኢኻ። እዚ በጽሒ ኴንካ ይብሃል። ንስኻ ከም ሓታት ዕቝባ በጽሒ ምስ ኮንካ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ንቍጠባኻን መንበሪኻን ዚምልከት ሓላፍነት የብሎምን። ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ናይ ግዝያዊ መጕዚ መሰል የብልካን።
ቅድሚ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ መልሲ ምርካብካ በጽሒ እንተ ኣኺልካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናትካ ሓላፍነት ይወስዱ። በጽሒ ምስ ኣኸልካ እንታይ ከም ዘጋጥም ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናብ ሓደ ናይ 18 ዓመት ዝርርብ ክትጽዋዕ ኢኻ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ናትካ ምዓልታዊ ክፍሊት ከመይ ከም ዝኸውን እውን ክሕብሩኻ እዮም።
ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዘሎ ጕዳይካ ብመሰረት እቶም ንዓበይቲ ሓተቲ ዕቝባ ዚምልከት ሕግታት ክተሓዝ እዩ። ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ርክብ ምግባር ባዕልኻ ሓልፍነት ትወስድ።
18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ዕድሜኻ ከም ልዕሊ 18 ዓመት ምስ ተጻሕፈ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ኮሙን ዘዳለወልካ መንበሪ ክትነብር ኣይትኽእል ኢካ።
ምናልባት ኣብቲ ኮሙን ኣብ ሓደ ናይ ባዕልኻ መንበሪ (EBO) ክትጸንሕ ዕድል ይህልወካ ይኸውን። እንተ ዘኮነ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ገዛውቲ ክትግዕዝ ኣለካ። ሽዑ ኣበየነይቲ ኮሙን ክትነብር ከም ዝኾንካ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተ ተኻኢሉ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ሓደ መንበሪ ክረኽቡልካ ክፍትኑ እዮም። ሓደ ሓደ ኮሙናት መንበሪ ኣዳልየን ነቶም ልዕሊ 18 ዓመት መንእሰያት ኣብኡ ምንባር ክቕጽሉ የፍቅዳሎም እየን። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እውን ፍሉይ ምኽንያት ኣሎ ኢሎም እንተ ገምጊሞም ኣብኡ ናይ ቀጻሊ መንበሪ ዕድል ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።
ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን መንበሪኻ ባዕልኻ ከተዳሉ እንተ መሪጽካ፡ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂብካ ናይ መንበሪ ሓገዝ ኣይክትረክብን ኢኻ።
18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ዕድሜኻ ከም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ እንተ ተመዝጊቡ፡ ናይ ሓለዋ ጥዕናን ክንክን ሕማምን ሕግታት ይልወጡ እዮም። ኣባጽሕ ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ክጸንሕ ዘይክእል ክንክን ሕማም፡ ሕክምና ሕርሲ፡ሕክምና ኣብ እዋን ምንጻል ጥንሲ፡ ምኽሪ ብዛዕባ ምክልካል ጥንሲ ከምኡ'ውን ሕክምና ብመሰረት ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ጥራይ እዩ መሰል ዘለዎም።