ሕጊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 1 2024

ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ወለዶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ቈልዑ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ናይ መንበሪ ፍቓድ ከውህቦም ዘኽእል ግዝያዊ ሕጊ ነይሩ እዩ። እቲ ግዝያዊ ሕጊ ብ20 ሓምለ 2021 ኣገልግሎቱ ኣብቅዑ።

ድሕሪ ደጊም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምምሃር ናይ መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ኣይከኣልን እዩ።

ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ንኽትምሃር ድሮ መንበሪ ፍቓድ ንዘለካ፡ ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ስራሕ ንኽትደሊ መንበሪ ፍቓድካ ንኽናዋሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ድሕሪ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽትምሃር ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምንባሩ ሓደ ስራሕ ዝረኸብካ፡ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። 

እዞም ሕግታት እዚኦም ኣብቲ ሕጊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፊሮም ኣለዉ።