ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 13 8 2018
ብዛዕባ ናይ’ቲ ቈልዓ ድሕነት ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ውላድኪ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ንዘሎ ተኽእሎ ክንክዮ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከመይ ገርኪ ኣቐዲምኪ ሓደጋታት ክትከላኸሊ ከም ትኽእልን ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብሪ ከም ትኽእልን ክተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ስእሊ: Colourbox
-
ቈልዑ ኣብ ማይ
ቈልዑ ብዝቐልጠፈ ምሕንባስ ክምሃሩ ኣገዳሲ እዩ።
ቈልዑ ኣብ ማይን ጃልባን ክህልዉ ኸለዉን ኣብ ገምገም ባሕሪ ክጻወቱ ኸለዉን መንሳፈፊ ጃኬት ክወድዩ ኣሎዎም። እቲ ሓደጋ ግን ዋላ ኣብ ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነት ኣብ ገዛ እውን ኣሎ። ቁሩብ ሰንቲ ሜተር ማይ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንውላድኪ ኣብ ጥቓ ማይ ጨሪሽኪ ንበይኑን ኣይትግደፍዮ፡ ከምኡ'ውን ብኢድኪ ክትሕዝሉ ካብ ዘይትኽእልሉ ቦታ ኣይትርሓቒ።
መንሳፊፊ ጃኬት ዘይብልኪ እንተ ኾንኪ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ መንሳፈፊ ጃኬት ካብቲ ኮሙን ክትካረዪ ትኽእሊ ኢኺ።
-
ቈልዑን ብሽክለታን
ኵሎም ክሳብ 15 ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ ናይ ግድን ናይ ብሽክለታ ቆብዕ ክገብሩ ኣሎዎም። ንሓደ ቈልዓ ብዘይ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ብሽክለታ እንተ ኣስቂልክዮ (ኣጎርቢትክዮ) ብገንዘብ ክትቅጽዒ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ መከላኸሊ ቆብዕ ኣብ ርእሲ ትኽ ኢሉ ኮፍ ክብልን ጸኒዑ ክሕዝን ኣሎዎ። ንድሕሪት ወይ ንቕድሚት ተደፊኡ እንተ ተኣሲሩ ኣይከላኸልን እዩ።
-
ቈልዑ ኣብ ማኪና
ኣብ ሽወደን ኵሎም ብማኪና ዝጕዓዙ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ኮፍ መበሊ ዕጣቕ መንበር (ቍልፊ ድሕነት) ክጥቀሙ ኣሎዎም ዝብል ሕጊ ኣሎ። ካብ 135 ሰንቲ ሜተር ዝሓጽሩ ቈልዑ ብተወሳኺ ፍሉይ መከላኸሊ ናውቲ፡ መከላኸሊ ህጻን፣ ናይ ቈልዓ መንበር ናይ ማኪና ወይ ክብ መበሊ መንበር ክጥቀሙ ኣሎዎም።
-
ድሕነት ቈልዑ ኣብ ገዛ
ቈልዑ ኵሉ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓደጋ ከየስተብሃሉ ተሃንጥዮም ንኸባቢኦም ይድህስሱ።
መራኸቢ ቀለቤት ምስ ካልእ ኣድራሻ-ኢንተርነት
-
ቈልዑን ኢንተርነትን
ንስኺ ከም ወላዲት ውላድኪ ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ኢንተርነት እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ምስ በዓል መን ይራኸብ ከም ዘሎን ብምልኡ ክትፈልጢ ከቢድ ኾይኑ ይስምዓኪ ይኸውን። መብዛሕትኡ ኣብ ኢንተርነት ዝፍጸም ሓደገኛ ኣይኮነን። ኾይኑ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ንኣብነት ንምድሃልን ምድፋርን ክቃልዑ ወይ ንሶም ንኻልኦት ንምድሃልን ምድፋርን ከቃልዑ ዘጋጥም እዩ።
መንግስታዊ ቤት-ምኽሪ መራኸቢ ብዙሃን ንዓኪ ብጽቡቕ መንገዲ ዝሕግዘኪ ሓደ ጽሑፍ ኣዳልዩ ኣሎ።
-
ዳግመ-ምብርባር ልብን ሳንቡእን
በዓል መዚ ድሕነት ሕብረተሰብን ምድላዋትን MSB፡ ብዛዕባ ከመይ ገርካ ዳግመ ምብርባር ልብን ሳንቡእን ከም ትፍጽም ዝገልጽ ክልተ ፊልምታት ኣዳልዩ ኣሎ።
ካብ 1 ዓመት ዝንእሱ ቈልዑ
ካብ 1 ዓመት ዝዓብዩ ቈልዑ