Kungsbacka
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 29 9 2020
ኩሉ ሰብ ናብ ኩንግስባካ እዩ ዚጎዓዝ። ኩንግስባካ ሓደ ካብቶም ኣብ ምሉእ ሽወደን ዚሰፍሑ ዘለዉ ኮምዩናት እዩ። ናብ የተቦርይ ብምቕራቡን ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ብምህላዉ ንስደተኛታት ናይ ሕልሞምን ዕላማኦምን ፈጻሚ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
83,805ስፍሓት መሬት
1,473 ኪሜ²ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት
- Göteborg 29 ኪሜ
- Halmstad 114 ኪሜ
- Jönköping 147 ኪሜ
- Helsingborg 190 ኪሜ
መንበሪ-ገዛ
ጎረቤትካ ወይ ካብ ወጻኢ ዝመጸ ወይ ሽወደናዊ እዩ። እቲ ኣብ ኩንግስባካ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ቤትጽሕፈት ምፍልላይ ዓሌት ከይፍጠር ኣቐዲሙ ይከላኸል። ኤክስታን ኣራናስን ምስ ናይቲ ከባቢ ናይ ኪራይ ቤትጽሕፈት ኮይኖም ኣብ ኩሉ ናይ ከተማ ክፋላት ኣባይቲ ይቕርቡ፡ ምስ ሽወደናውያንን ካብ ደገ ዝመጹ ስድራቤትን።
-
ናይ ሓበሬታ ካርታ
ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
እቶም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህጻናት ብናይ ኣደኦም ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃቦም ይኽእል።
ስለዚ በዘን ዚስዕባ ናይ ኣደ ቋንቋታት ትምህርቲ ንቕርብ፣ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ሰርብ፡ ክሮኣት፡ እንግሊዝ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ግሪኽ፡ ጣልያን፡ ቻይና/ማንዳሪን፡ ሊቱዋንያ፡ ነዘርላንድ፡ ፋርስ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጊዝ፡ ሩስያ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ ጀርመን፡ ሩማንያን ቸክን።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
እቲ ኮምዩን ኣድላዪ ኣገልግሎት ይህብ። እተን ነንሓድሕደን ቀረባ ዝኾና ትካላት ነቲ ሓድሽ መጻእተኛ የገልግላ።
ኩንግባካ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ናይ ንግዲ ቦታታት እያ። ፍሪፖርት 50 ድኳናት ኣለዋ፡ ኩንግስመሳን 90 ድኳናት። ኣብ ናይ ኩንግስባካ ሰንትሩም ናይ ዘገልገለ ኣቕሑ ዚሸጣ ድኳናትን ብሕሱር ዚሸጣ ድኳናትን ኣለዋ። ኣብ የተቦርይ ካብ ኩሉ ዓለም ዚብላዕ ዘምጽኣ ኣህጉራውያን ድኳናት ኣለዋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ ኩንግስባካ ንናይ ህጻናት ናይ መጻኢ ጽቡቕ ዕድልን ቅሳነትን ፍልጠትን እተወፈዩ መምህራን ዘለወን እተፈላለያ ኣብያተትምህርቲ ህጽናት ኣለዋ። ውላድካ ትብዓትን ተኣማንነትን ንኺህልዎ ዝኾነ ኩሉ ንገብር።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኦም መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎም። ደቂ 16-19 መንእሰያት ሽወደናዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣለዎም። ኩለን ኣብያተትምህርቲ ንኹሉ ናይቲ ተመሃራይ ድሌት ዘማልኣ ብቕዓት ዘለወን እየን።
እቶም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህጻናት ብናይ ኣደኦም ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃቦም ይኽእል። ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃን እቲ ቋንቋ ኣደ ከም ሳብጀክት ይቐርብ። ተመሃሮ ኣብ ገሊኡ ሳብጀክት እውን ብናይ ኣደ ቋንቋ ሓገዝ ይወሃቦም እዩ።
ዕድላት ትምህርቲ
ከም በጽሒ ናይ ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ይወሃበካ እዩ። ኣቐዲሙ ትምህርቲ እንተ ነይሩካ እዚ ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ። እንተ ዘይብልካ ግን ኣብዚ ኴንካ ክትውድኦ ትኽእል። ነፍስወከፍ ህጻን መንእሰይ ወይ በጽሒ ነናቱ ቅድመኩነት ኣለዎ።
ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ መደብ ነቲ ውልቀሰብ ናብ ዕላማኡ ኪበጽሕ ይሕግዞ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካን ኣብ ስራሕን ቤትትምህርትን ቋንቋ ሽወደን ክትርዳእን ክትዛረብን ይግባእ። ብዛዕባ ማሕበረሰብ ሽወደን ክትፈልጥ ኢኻ። ከምኡውን ናይ ስራሕ ህይወትን መሰልካን ግዴታኻን። ካብ ስራሕን ሞያዊ ህይወትን እተፈላለዩ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።
ኣገልጎት ጥዕና
መታን ጥዕና ኪህልወካ መድሃኒት ንኽትረክብ ክንሕግዘካ ኢና። ናይ ኩንግስባካ ማእከል ጥዕና ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ክሊኒክ መጺኦም ኪዘራረቡን ኪምርመሩን ምስ ዘድሊ ድማ ምስ ክኢላታት ኪራኸቡን ይዕድም።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ኣብ ኩሉ ትካላት ወይ ኣብያተጽሕፈት ናይ ትርጉም ሓገዝ ኣሎ
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ኣብ መንጎ ኩንግስባካን የተቦርይን ኣብ ረርብዒ ሰዓት ዚኸይድ ባቡር ኣሎ፡ 25 ደቓይቕ ይወስደሉ። ፍየትቶገን ዚብሃል ባቡር ኣብ ፈፍርቂ ሰዓት ይኸይድ። ኣብ ናይ ቨስትራፊክ ወብሳይት ሰዓታትን ዋጋን ትረክብ።
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ኮምዩንና ምስተን 7611 ንጡፋት ዋኒናት ናይ የተቦርይ ኣውራጃ ክፋል እየን። ቀልጢፉ ዚዓቢ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንናትካ ብቕዓትን ሞያን እዩ ዚጽበ ዘሎ።