Svedala
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 22 1 2021
ጥቓ ማልመ ኤርፖርት ብምዃና፡ ካብ ኦረሱንድብሩን ብዙሕ ስለ ዘይትርሕቕ፡ ስቨዳላ ምስ በዓል ማልመን ሉንድን ብቕሩብ ሰዓታት እትራኸብ ስትራተጅያዊት ኮምዩን እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
22,080ስፍሓት መሬት
227 ኪሜ²ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት
- Trelleborg 19 ኪሜ
- Malmö 23 ኪሜ
- Ystad 41 ኪሜ

ስእሊ: Johan Palmgren
ካብቲ ናይቲ ኮምዩን 20 000 ነባሮ፡ ኣስታት 10 000 ኣብ ስቨዳላ እዮም ዚቕመጡ። ብባቡር ምስ ደንማርክ ብምርኻባ ናይ ንእሽቶ ከተማ ረብሓታት ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።
መንበሪ-ገዛ
እቲ ኮምዩን ኣብን ጥቓን ተፈጥሮ ገዛውቲ የቕርብ። እቲ ገዛውቲ፡ ቪላታትን ኣፕርትመንትን እዩ። እቲ ናይ ስቨዳላ ቤትጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ ስቨዳሀም እዩ ዚብሃል።

ስእሊ: Johan Palmgren
-
ናይ ሓበሬታ ካርታ
ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ብቐዳምነት ታይላንድን ዓረብን። ብናይ ኣደ ቋንቋ ዚወሃብ ትምህርቲ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይካየድ፤ ታይላን፡ ዓረብ፡ ፓሽቶ፡ ፋርስን ሶማልን።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣላ። እተፈለለየ ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራትውን ኣለዋ።

ስእሊ: Jenny Brandt
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብ ማእከል ከተማ ስቨዳላ፡ እተፈላለያ ዓይነት ድኳናት፡ ባንክታት፡ ፋርማሲ፡ ቤት ንባብን ሓደ ህቡብ ህዝባዊ መሐምበስን ወዘተ. ኣሎ። እቶም ዝዓበያ ግሮሰሪታት ካብ ማእከል ከተማ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ይርከባ።

ስእሊ: Anna Nordström
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ኣብይተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር እዩ። ከምዚ ማለት ንውላድካ ቀልጢፍካ ቦታ ትረኽበሉ ማለት እዩ።
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ስቨድላን ባራን ክሎገሩፕን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡውን ናይ ኒልስ ፍረደሪክሶን ስልጠና ኣሎ። NFU ኣብ ስቨዳላ ይርከብ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣብ ኒልስ ፍረደሪክሶንን ስልጠና፡ ናይ ስቨዳላ NFU ኣሎ። ኣብ ማልመን ሉንድን ካልእ ስልጠናታት ኣሎ።
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ ስቨዳላ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክን ናይ ስኒ ሕክምናን ይርከብ። ኣብ ባራ፡ ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ማልመ እዩ ዚርከብ (ኣስታት 20 ኪሎመተር)።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይርደኣካን ምስ ዚኸውን ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ብቛንቋኻ ተርጓማይ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ካብ ስቨዳላ ናብ ማልመ፡ ይስታድ፡ ሉንድ፡ ትረለቦርይ ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መራኸቢታት ኣሎ። ካብ ስቨዳላ ቀጥታ ናብ ኮፐንሃገን ኪኸድ ይከኣል።

ብሓመልማል ወሰናስኑ ዝተሸፈነ መንገዲ ብሽክለታ።
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ምስ ዓበይቲ ከተማታት ግሩም መጎዓዝያ ስለ ዘሎ፡ በጺሕካ እትመጸሉ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።