Lerum
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 21 11 2019
ለሩም ምስ ጎረቤት ከተማ ዮተርቦሪ ርክብ ዘለዋ ንስድራቤት ተባሂላ እተሰርሐት ኮምዩን እያ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
42,221ስፍሓት መሬት
259 ኪሜ²ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት
- Göteborg 22 ኪሜ
- Borås 27 ኪሜ

ስእሊ: Emelie Asplund
መንበሪ-ገዛ
ናብ ለሩም ንምግዓዝ ዕድል ንዝተዋህበካ፡ ክሳብ ክትከራዮ ናይ ትኽእል ገዛ ናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል ክራይ ገዛ ትረክብ ሓደ ናይ ገዛ ኣቕሑት ዘለዎ መንበሪ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ኮምዩን ገዛ ንኽትረክብ ክሕግዘካ እዩ። ቅድሚ ብስምካ ናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል ዕድል ምርካብካ ኣስታት ሓደ ዓመት ይወስድ እዩ።
-
ናይ ሓበሬታ ካርታ
ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ
ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ኣብ ለሩም 11% ካብቶም ተቐማጦ ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ እዮም። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብእተፈለለይ ቋንቋታት ይውሃብ፡ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ሰርብያ፡ ክሮኣት፡ ፋርስ፡ ኩርድ፡ ሩስያን ፖላንድን።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ለሩም ብዙሓት ዓይነታት ማሕበራት ኣለዋ፡ ንኣብነት፡ ናይ ስፖርት፡ ናይ ባህሊ፡ ናይ ምዝንጋዕ ማሕበራት። ንህጻናትን ንዓበይትን ዚሓቝፋ ማሕበራት ኣለዋ። ኩለን ማሕበራት ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተር ተዘርዚረን ኣለዋ።

ስእሊ: Lennart Nordin
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ለሩም ኮምዩን ብብዙሓት ከተማታት ዝቖመ እዩ፡ ከም ለሩም፡ ግሮቡን ፍሉዳን። ኣብ ኩሉ ከተማታት ኣገልግሎትን ሸቐጥን ዘለዎ ሰንትሩም ኣሎ። ናይ ለሩም ሰንትሩም ናይ ዜግነት ኣገልግሎትን ድኳናትን ዘለዋ እቲ ዝዓበየ እዩ። ኣብኡ ቤትጽሕፈት ኮምዩን፡ ናይ ዜጋታት ቤትጽሕፈት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ጥዕና፡ ወዘተ. ይርከብ።

ስእሊ: Emelie Asplund
ኣብ ግሮቦ ሰንትሩም ግሮሰሪታትን፡ ፒሰርያን፡ ፋርማሲን ቤትንባብን ኣሎ።
ካብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ውጽእ ኢልካ ብዙሓት ድኳናት ኣለዋ፡ ንኣብነት ከምቲ ብሕሱር ዚሸይጥ ሊድል። ካብቲ ሰንትሩም ሓሙሽተ ኪሎመትር ርሒቕካ፡ ሁላን ዚብሃል ከባቢ ኣሎ፡ ኣብኡ እቲ ኢካ ክቫንቱም እተባህለ ዓቢ ሱፐርማርከት ይርከብ።
ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ቫተንፓላሰት እተባህል ውሩይ መሐምበሲ ኣሎ። ኣብኡ ንኺሕምብሱ ካብ መላእ ናይ ዮተቦሪ ከባቢ ይመጹ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ ለሩም ኮምዩን ክኢላታትን ውፉያትን ሰራሕተኛታት ዘለዎ ልዕሊ 50 ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን መውዓሊ ስድራቤትን ኣሎ። ኣብ ለሩም ኮሙናውን ብሕታውን ምርጫታትውን ኣሎ።

ስእሊ: Mattias Jansson
መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ናይ ለሩም ኮምዩን ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ፡ ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ መውዓሊ ስድራቤት፡ መባእታ ኣብያተትምህርትን ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ን ትምህርቲ ንዓበይት ን። ኮሙናውን ብሕታውን ምርጫታትውን ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ብዙሕ መደባት ዘለዎ ናይ ለሩም ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ድማ ክትመርጾም እትኽእል ብዙሓት ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዮተቦሪ፡ ቡሮስ ወይ ኣሊንግሶስ።
ዕድላት ትምህርቲ
ነቶም ከም ዓበይቲ ኪመሃሩ ዚደልዩ፡ ኣብ ለሩም ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ትምህርቲ ንዓበይቲ ኤስኤፍኢ (ሽወደን ንወጻእተኛታት) ክትመሃር ትኽእል፡ ከምኡውን ካልእ እተፈላለየ ኮርሳት ወይ ስልጠና። ንክንክን ጥዕና፡ ሶሲዮሎጂን ኣጠቓቕማ ኮምይፕዩተርን ዚምልከት ኮርሳት ኣሎ። ናብ ዮተቦሪ እትኸይድ ባቡር 20 ደቓይቕ እያ እትወስድ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ምርጫታት ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ዮተቦሪ ዩኒቨርሲቲን ቻልመርስ ተክኒካል ኮለጅን።

ስእሊ: Emelie Asplund
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ ናይ ለሩም ኮምዩን ብዛዕባ ጥዕናን ክንክንን ብዙሕ ምርጫታት ኣሎ። ኣብ ፍሉዳ፡ ግሮቡን ለሩምን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዚርከባ ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ኣብኣተን ናይ ህጻናት ክሊኒክን (BVC) ናይ መወልዳን ክሊንክን ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም፡ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን መድሃኒት ክሊኒክ፡ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ፡ክፍሊ መወልዳንን ናይ ጥዕናዊ ምሕዳስ ክሊንክን ኣሎ። ከምኡውን ብዙሕ መንግስታውን ብሕታውን ናይ ስኒ ሕክምና ክሊኒካት ኣሎ። ኣብ ፍሉዳ፡ ግሮቦን ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩምን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ። ኣብ የተቦሪ ብዙሓት ብክኢላታት ዝተሰነያ ሆስፒታላት ኣለዋ፡ ከምኡን ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ኣሎ።
ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ምስ ኩሉ ትካላት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ናይ ትርጉም ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ካብ ለሩም ንየቶቦሪ ብባቡር 18 ደቓይቕ ይወስድ፡ ብኣውቶቡስ ከኣ 28 ደቓይቕ። ኣውቶቡስን ባቡርን ኩሉ ግዜ ኣለዋ። ኣብ መንጎ ለሩምን ዮተርቦሪን ዘሎ ጽርግያ ኣዚዩ ምዕቡል እዩ። ኣብ መንጎ ለሩምን ዮተቦሪን ዘሎ ቅርበት፡ ንበጺሕካ ምምላስ እውን ግሩም እዩ። ብዙሓት ኣብ ለሩም ዚነብሩ ሰባት ኣብ ዮተርቦሪ ይሰርሑ። ብዛዕባ ሰዓታትን ዋጋን ኣብ ናይ ቨስትራፊክ ወብሳይት ተመልከት።

ስእሊ: Emma Söderblom
ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
ኣብ ለሩም እዚ ዝዓበየ ሞያ ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣላዪነትን እዩ ዘሎ። ገሊኡ ድማ ኣብ ንግድን ህንጻን ኣገልግሎት ዋኒን እዩ። ኣብተን ጎረቤት ከተማታት ዝኾና ዮተቦሪን ቡሮስን ንኹሉ ሞያ ዘስተናግድ ስራሕ ኣሎ!