ብኩራት ብምኽንያት ሕማም
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 4 2 2020
እንተሓሚምካ ክፍሊት ንክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንሰራሕተኛ፣ ደላዩ ስራሕ ወይ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝርከብ ዝተፈላለዩ ሕግታት ይምልከትዎም። ኣብ ምንዋሕ ግዜ ሕማም ተሞርኩሱ እውን ዝተፈላለየ ሕግታት ክምልከተካ ይኽእል እዩ።
እንተሓሚምካን ከተብኩር እንተኣድልዩካን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ናይ ሕማም ክፍሊት (sjukpenning)፣ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ክፍሊት ሕማም፡ ክሳዕ ጥዕና ትረክብን እንደገና ክትሰርሕ ትኽእልን ንዝኸሰርካዮ ናይ ስራሕ እትዋት ዝትክእ ግዝያዊ ክፍሊት እዩ።
ክንደይ ክፍሊት ሕማም ገንዘብ ከም ትረክብ ኣብ እትዋትካ እዩ ዝምርኮስ። ንኽፍሊት ሕማም ዝምልከቱ ሕግታት ዝተፈላለዩ ኾይኖም፡ ስራሕ ኣልቦ፣ ተቖጺርካ ትሰርሕ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ተካይድ እንተኾንካን ኣብኡ ይምርኮሱ እዮም።
ንኽፍሊት ሕማም ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክት ከለኻ፡ ምስ ምልክታኻ ኣተሓሒዝካ ንምንታይ ክትሰርሕ ከም ዘይትኽእል ዝገልጽ ናይ ሓኪም ወረቐት ክትሰድድ ኣለካ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ድሒሩ ሕግታት ክፍሊት ሕማም ተማሊኡ ድዩ ኣይተማልኣን እንተኾይኑ ይግምግም።
መሰል ክፍሊት ሕማም ንክህልወካ እንተ ወሓደ ሓደ ርብዒ ካብቲ ክትሰርሐሉ ዝግበኣካ ግዜ፣ ስራሕ ክትደልየሉ ዝግባኣካ ግዜ ክትሓምም ወይ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዝነበርካ ክትከውን ይግባእ ። ኣብ ሽወደን ሃገራዊ ውሕስነት ዘለካ ሰብ እውን ክትከውን ኣለካ።
ምምማይ ናይ ክፍሊት መሰል
-
ክፍሊት ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI)
ብመልክዕ ክፍሊት ሕማም ክንደይ ገንዘብ ከም እትረክብ፡ ኣብቲ ናትካ (SGI) ናይ ክፍሊት ሕማም ዘውህብ እቶት፡ ክፍሊት ሕማም ዝተጸጋግዐ ኣታዊ ይምርኮስ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኣብ ዓመታትዊ እትዋትካ ተሞርኩሱ ክንደይ ክፍሊት ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI) ከም ዝግባኣካ ይውስን።
-
ንስኻ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰብ ምስ እትሓምም
ሰራሕተኛ እንተ ዄንካ እሞ እንተ ሓሚምካ ናብ ወሃቢ ስራሕካ ከም ዝሓመምካ ከተመልክት ኣሎካ። እታ ቐዳመይቲ ዝሓምመካላ መዓልቲ መሕለፊ (karensdag) ትበሃል፣ ማለት እታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ክፍሊት ኣይትረክብን ኢኻ። ካብ መዓልታት 2-14 ኣስራሒኻ ናይ ሕማም ደሞዝ ይኸፍለካ። ናይ ሕማም ደሞዝ 80% ናይ ልሙድ ደሞዝካ እዩ። ኣስራሒኻ ንምንታይ ክትሰርሕ ከምዘይትኽእል ዝገልጽ ናይ ሓኪም ወረቐት ክሓተካ ይኽእል እዩ። ብልምዲ ግን እተን ቐዳሞት ሸውዓተ መዓልታት ኣብቲ ናይ ሕማም እዋን ዝኾነ ምስክር ኣየድልየንን እዩ።
ድሕሪ መበል 14 መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ሕማም ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
-
ንስኻ ደላዩ ስራሕ እንተ ዄንካ ምስ ትሓምም
ከም ደላዩ ስራሕ መጠን እንተ ሕሚምካን ብሰንኩ ስራሕ ክትደሊ ወይ ክትጅምር ምስ ዘይትኽእልን መሰል መተካእታ ደሞዝ ሕማም (sjukpenning) ክህልወካ እውን ይኽእል እዩ። ከም ደላዩ ስራሕ መሰል መተካእታ ደሞዝ ሕማም ካብ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሕማም እዋን ጀሚሩ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ከጋጥም ከሎ ብመንገዲ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ባዕልኻ እትግልገለሉ ኣገልግሎት (självbetjäningstjänst)ናይ ሕማም ምልክታ ክትገብር ኣለካ።
መሰል ክፍሊት ሕማም ንምርካብ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከም ደላዩ ስራሕ ተመዝጊብካ ዝጸናሕካ ክትከውን ኣለካ።
-
ሕማም ኣብ እዋን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ
ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ኣብ እትርከብ እዋን ምስ ትሓምም እሞ ድማ ውላድካ ክትኣሊ ምስ ዘይትኽእል ኣብ ክንዲ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ፡ ክፍሊት ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከም ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዝርከብ ሰብ ክፍሊት ሕማም ንምርካብ፡ ናይ ቈልዓ ምእላይ ዓቕምኻ ብውሑዱ 25 ሚእታዊት ዝጎደለ ክኸውንን ዝተወሰነ ኤስጊኢ (SGI)፣ ክፍሊት ሕማም ዘውህብ እቶት (SGI) ክህልወካን የድሊ።
-
ንስኻ ትካል እትውንን ሰብ ምስ ትሓምም
ከም ወናኒ ትካል ምስ እትሓምም መሰል ክፍሊት ሕማም ክህልወካ እውን ይኽእል እዩ።
ትካልካ ናይ ብርኪ ትካል ምስ ዝኸውን ከም ኣብ ትካልካ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ትቑጸር። እዚ ማለት እታ ናይ ብርኪ ትካልካ ንቐዳሞት 14 መዓልታት ናይ ሕማም ደሞዝ ኣብ ክንዲ ጉቡእ ደሞዝ ትኸፍለካ። ብድሕሪኡ ንናይ ክፍሊት ሕማም ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ዘለካ ድማ መሕለፊ መዓልታት (karensdagar) ባዕልኻ ክንደይ ምኻኑ ትውስን። ዝኾነ ምርጫ እንተዘይጌርካ ብቐጥታ 7 መሕለፊ መዓልታት (karensdagar) ይኸውን።
-
ክፍሊት ንጥፈታት (Aktivitetsersättning)
ክፍሊት ንጥፈታት ንዓኻ ዕድሜኻ ኣብ ሞንጎ 19- 30 ዓመት ዝኾነ፡ ብሰንኪ ሕማም፣ ማህሰይቲ ወይ ስንክልና ዝኣመሰሉ ምሉእ ናይ ስራሕ ሰዓታት እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእል ዝወሃብ ክፍሊት እዩ። ክፍሊት ንጥፈታት ናይ ትምህርቲ ግዜኻ ብሰንኪ ሕማም ወይ ስንክልና ከተናውሕ ምስ እትደሊ እውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
-
ክፍሊት ሕማም (Sjukersättning)
ክፍሊት ሕማም ንስኻ ዕድሜኻ ሞንጎ 19 ክሳዕ 64 ዓመት ዝኾነ፡ ብሰንኪ ሕማም ወይ ስንክልና ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ሕጂ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ክትምለስ ወይ ብፍጹም ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእል ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ።