ኣድራሻ-ኢንተርነት ምስ ሓበሬታ፡ ምኽርን ደገፍን
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 12 9 2018
-
ቴራፈም
"ቴራፈም'፡ ነተን ኣብ ልዕሊአን ዓመጽን-መውቃዕትን ዘጋጠመን ኣንስት ኣውላድን ኣብ ምሕጋዝ፤ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኩሮ ዘሎዎ እዩ። ንሳተን ብብዙሕ ቋንቋታት ክዛረባ ይኽእላ እየን። -SE
-
ኡኒዞን
Unizon ኡኒዞን 130 ናይ ደቀንስትዮ መጸግዒ ናይ ኣዋልድ መጸግዒ ከምኡውን ንምዕሩይን ካብ ዓመጽ ናጻ ዝኾነ ካልእ ናይ ሓገዝ ንጥፈታት ይጥርንፍ። -SE
-
Kvinnofridslinjen (መስመር ተሌፎን ሰላም ደቀኣንስትዮ)
Kvinnofridslinjen፡ ነተን ምፍርራህን ዓመጽን ዘጋጥመን ደቀኣንስትዮ ዜገልግል ሃገራዊ መስመር ተሌፎን ሓገዝ እዩ። - SE
-
ሕቶ ሰብኡት
Killfrågor.se ናይ ዕላል ወይ ናይ ቻት ገጽ ኮይኑ ኣብኡ ድማ ካብ 10 ክሳዕ 18 ዝዕድመኦም ኣወዳትን ኣጉልጾታ ኣወዳትን (ትራንስጀንደር) ብሕቡእ ምስ ወለንተኛታት የዕልሉ። -SE
-
1000 ተኽእሎታት
1000 ተኽእሎታት ነቶም ትሕቲ 25 ዕድመ ዘለዎምን ናይ ጾታዊ ዓመጽ ዝተጓነፎምን ዝጓነፎምን ሓገዝን ደገፍን ይህብ። -SE
-
ትራንስ ማሕበር ኢ ፒ ኢ ኤስ
እዚ FPES, Full Personality Expression Sweden ዝተባህለ ናይ "ትራንስ ማሕበር"፤ ናይቶም "ትራንስ" ዝዀኑ ሰባት፤ ንመሰሎም ኣብ ሕብረተሰብ ዚቋመት እዩ። እዚ ማሕበር'ዚ፤ ብዛዕባ "ትራንስ" ንዝልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ይህብ። -SE
-
ሮክስ፡ ሃገራዊ ማሕበር ተረኛታት ንኣገልግሎት ኣንስትን ኣዋልድን ኣብ ሽወደን
ROKS, ኣስታት 120 ናይ ተረኛ ኣገልግሎታት ዘሎዎ፤ ነቶም ብሰብኡት ዓመጽን መውቃዕትን ዘጋጥሞም ኣንስትን፡ ኣዋልድን ቆልዑን፤ ደገፍን ዑቕባን ዚህብ እዩ። ኣብ "ለስቢየን" ዝምድና ንዘሎዋ ውን ይሕግዝ'ዩ። -SE
-
ናተይ ምኽርን ደገፍን
እዚ Mina Råd & Stöd፤ ብዛዕባ ስድራቤታዊ-ክብሪ እናተባህለ ንዘጋጥም ዓመጻትን፡ ጭቆናን፤ ሰብኣዊ-መሰላትን ዚቃለስ ኰይኑ፤ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ዘሎዎ እዩ። -SE
-
መሰል ሕጻናት ኣብ ሕብረሰብ BRIS
መሰል ሕጻናት ኣብ ሕብረሰብ BRIS (Barnens rätt i samhället) - SE
-
Yuomo (ዩሞ) - ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣገልግሎት ዚህብ ክሊኒክ ኣብ ኢንተርነት
ኣብኡ: ብዛዕባ ርክብ ስጋ: ብዛዕባ ጥዕናን ዝምድናታትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ከተንብብን ፊልም ክትርእን ትኽእል።
-
ሶማያ (Somaya) ክፉት መስመር ደቀንስትዮን ኣዋልድን
ክፉት መስመር ደቀንስትዮን ኣዋልድን: ነተን ንዓመጽ ዝተቓልዓ ደቀንስትዮ ስቱር መንበሪ ይህብ፤ ከምኡ'ውን ብቴለፎን ምኽርን ደገፍን ይህብ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዛረቡ።